Archives

“ቃላት ትግርኛ ኣብ ስራሕ” ዶስ እኽብካብ-መዘክር ሓፈሻዊ ፍልጠት ደራሲ፧ 12/12

“ቃላት ትግርኛ ኣብ ስራሕ” ዶስ እኽብካብ-መዘክር ሓፈሻዊ ፍልጠት ደራሲ፧ 12/12
ብኣርኣያ ካሳ
ካልጋሪ፡ ካናዳ
2017

11. ክንደይ ክትወልዱ ትደልዩ፡ ገንዘብ ኣሎኩምዶ፧

የማነብርሃን ካብ “ቃላት ኣብ ስራሕ” ሓሊፉ ምኽሪ ወሊድን ምቍጽጻር ብዝሒ ህዝቢ-ሃገርን እውን ይልግስ እዩ። ከም’ዚ ኢሉ ከኣ ይመክር፡ “ናይ ምውላድ ተኽእሎ እንተኣልዩና፡ ዓቕምና ርኢና 4-5 ቈልዑ ምውላድ ጽቡቕ ኢዩ ዝብል’ዩ ርእይቶይ። ኤርትራ እውን ብዋሕዲ ህዝቢ ድኣ እምበር ብብዝሒ ስለ ዘይትስከፍ፡ 4-5 ቈልዑ ምውላድ[፡] ንወለድን ነታ ሃገርን ኣገዳሲ ኢዩ።” (ገጽ 234)። ኣብ’ዚ ካብ ኣንክሮታት ንላዕሊ ዘልዕሎ ነጥቢ የብለይን። እቶም ኣንክሮታት፤ እዞም ቍጽሪ፡ 4-5 ቈልዑ፡ ብከመይ ተበጽሑ፧ ኤርትራ ብብዝሒ ህዝቢ ከም ዘይትስከፍሉ ዝተገብረ መጽናዕቲ ኣበይ ይርከብ፧ እቲ ንወለድቲን ንሃገርን ኣገዳሲ ምዃኑ ዚብል ምንጪኸ ካበይ ተረኽበ፧

12. ቀዳማይ ዘይማእማኣኒ፡ ካልኣይ እንታይ ኪደግመኒ፧

የማነብርሃን፡ “ነዛ መጽሓፍ፡ ተወሳኺ ሓሳባትን ገለ ምምዕርራያትን ገይረ፡ ብመልክዕ ካልኣይ ሕታም ከቕርባ እትስፎ። ኣብ’ዚ ክዝከር ዝግብኦን [] ብዙሓት ጸሓፍቲ ዝብልዎን ኣብ መጻሕፍቲ እውን እንረኽቦን ሓደ ሓቂ ኣሎ። መጻሕፍቲ ኣብ ካልኣይን ዝቕጽሉ ሕታማቶምን ምምሕያሻት ተይሩሎም ምስ ዝቐርቡ፡ ብቕዓቶም ከም ዝመሓየሽ ኢዩ ዝፍለጥ።” (ገጽ 8፡ 3 ሕ.ጽ.) ይብል።

ብቕዓት ቀዳማይ ሕትመት ሓደ መጽሓፍ ብነበብቲ ከይተመዝነን ህቡብነቱ ከየመስከረን ናብ ካልኣይ ሕታም ኣይስገርን። ሓደ ጽሓፊ፡ ብዝተኻእሎ መጠን ዜድልይ ምርምር ኣጻፊፉ፡ ውጹእ ጽሑፍ ከቕርብ ይግባእ። “ምምሕያሻት” ዚቐርቡ፡ ንደራሲ ዘይተራእዮ፡ ካብ ነበብቲ ብዘቕረብዎ ርእይቶን ነቐፈታን እዩ። ጽሓፊ ባዕሉ ዝመሓየሽን ዚመዓራረይ ከም ዜድልን እንተ ተእሚኑ፡ ናብ ሕትምት ኪህወኽ የብሉን። ጕድለታትን ምምሕያሽን ዘድልዮም ዕዮታት፡ ኣቐዲሞም ኪእረሙ እምበር ኪዝርግሑ ኣይግብኦምን። ‘ገለ’ ምምሕያሽ ኪግበረሉ እናተባህለ ዚዝርጋሕ ጽሑፍ፡ ገንዘብን ግዜን ነበብቲ የባኽን። ካልኣይ ሕታም ኣብ ዚወጽኣሉ እዋን ከኣ፡ ነባቢ፡ ገንዘቡን ግዜኡን ይእርንብ፡ ንኻልኦት ነበብቲ ዚህቦ ምኽሪ እውን ኣሉታዊ ይኸውን። ብሓፈሻኡ፡ ካልኣይን ቀጻሊን ጽሑፍ ዚስዕብ፡ እቲ ቀዳማይ ኣዕጋቢ ምስ ዚኸውንን ጠለብ ነበብቲ ምስ ዜጕሃህርን እዩ። እቲ ብዙሓት ይብልዎ ተባሂሉ ዝተጠቕሰ “ሓደ ሓቂ” ጭብጢ ኣይቀረበሉን።

13. መደምደምታ

ኣብ’ዚ ዝቐረበ ዳህሳስ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ክፍሊታት ዘተኮረ እዩ። እቲ ቀዳማይን ቀንዲን ኣብ ምምዕባል ትግርኛ፡ ኣነ፡ ዘተኵረሉ ዛዕባ እዩ። እዚ ከኣ ብሓፈሻኡ ሰዋስው ኮይኑ፡ “ቃላት ብእቲ እሩም ቅርጾምን ረባሕታኦምን ኪጽሓፉ ይግባእ፣ ብዓል-ቤት፡ ተሳሓቢን ግሲን ምሉእ-ሓሳባት ብእዋን፡ ብቝጽሪ፡ ብጾታን ብመዓርግን ዚሰማምዑ [ኪኾኑ] ኣለዎም። ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ሕጡበ-ጽሑፍ ዝርከቡ ምሉእ-ሓሳባት ዝተተሓሓዙን ዚሰማምዑን [ኪኾኑ] ይግባእ። ዋሕዚ ንባብ ንምግራሕ ንጹር መዓላ ዘለዎ ስርዓተ-ነጥቢ ምትግባር የድልይ።” (ኣርኣያ ካሳ፡ 2015) ዝሕመረቱ እዩ። እዚ ንዝኾነ ጽሑፍ ቅድመ ኵነት ኣዩ። ኣብ ምምዕባል ቋንቋን ስነ-ጽሑፍን እውን ሓደን-ቀንዲን ወሳኒ እዩ።

እቲ ካልኣይ ዘልዓልክዎ ነጥቢ፡ ካብ እቲ ቀንዲ አድማዓሉ እየ ዚብል ዕዮ ዝጐስየኒ እዩ። እዚ ካልኣይ ክፋል፡ ንዝተፈላለዩ ሰብ ሞያታት ዝሕደግ እዩ ነይሩ። እቲ ኣብ’ዚ ከመሓላልፎ ዝሃቀንኩ መልእኽቲ ግን፡ ዝኾነ ብጽሑፍ እንህቦም ሓበሬታታት፡ ኣብ ጽጹይ መጽናዕቲ ምስ መውከሲታቶም ኪኾኑ ይግባእ ዚብል እዩ። ኣብዚ ገምጋም መልእኽተይ ንኸመሓላልፍ ዝተጠቐምክሎም ከበድቲ ስነ-ቓላት እውን ብፍላጥ እዩ።

ውከሳ
ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ (ጥሪ 2006)። ምዕሩይ ትግርኛ መራኸቢ ብዙሃን፡ መወከስን መምርሕን። ኣስመራ፡ ሳቡር ኣገልግሎት ማሕተም።
ስተፋን ወኒንጀር (1993)። ግእዝ (ክላሲካል ኢትዮፒክ)። ሊንኮም ኤውሮፓ፡ ሙኒክ
ኣርኣያ ካሳ (4 ሕዳር 2015)። እንክትርጕም ከይንኣቱ ኣብ ህጕም፡ 1ይ ክፋል። ሓዳስ ኤርትራ
ክፍለ ጊዮርጊስን (መምህር) ኪዳነ ወልድ ክፍሌን (አለቃ)፣ ኣሕታሚ – ደስታ ተክለ ወልድ (1948ግ)። መጽሐፈ፡ ሰዋስው፡ ወግስ፡ ወመዝገበ፡ ቃላት፡ ሐዲስ። አዲስ አበባ፡ አርቲስቲክ ማተሚያ ቤት።
የማነብርሃን ግርማጼን (2011)። ቃላት ትግርኛ ኣብ ስራሕ። ቀዳማይ ሕታም። ኣስመራ፤ ብርሃን ሚድያ ኣገልግሎት ሓ.ዝ.ብ.ማ.

— ተፈጸመ —

Advertisements

“ቃላት ትግርኛ ኣብ ስራሕ” ዶስ እኽብካብ-መዘክር ሓፈሻዊ ፍልጠት ደራሲ፧ 11/12

“ቃላት ትግርኛ ኣብ ስራሕ” ዶስ እኽብካብ-መዘክር ሓፈሻዊ ፍልጠት ደራሲ፧ 11/12
ብኣርኣያ ካሳ
ካልጋሪ፡ ካናዳ
2017

9. ኤርትራዊ ሃገራዊነት ካብ መኣስ ይጅምር፧

ካብ’ዚ ንታሕቲ ብዛዕባ ኤርትራዊ ሃገራዊነት፡ የማነብርሃን፡ ካብ ትንግርቲ ብዘይፍለይ ዝጽሓፎ እጠቅስ። “ትንግርቲ” ዘበለኒ ምኽንያት ብዛዕባ ቃልሲ ኤርትራዊ ሃገራውነትን ኣብ ኣህጉራዊ መጋባኣያን ዝተማጐተሉን ተቐባልነት ዝረኸበሉን ምስ እዚ ትሒቱ ዝጥቀስ ዘይቃደው ኮይኑ ስለ ዝረኸብክዎ እዩ።

የማነብርሃን፡ “ኤርትራ ንኣማኢት ዓመታት ኣብ ኣርዑት መግዛእቲ ኣትያ ክትሳቐ ዝጸንሐት ሃገር ምዃና ታሪኽ ዘረጋግጾ ሓቂ’ዩ።” (ገጽ 230፡ 3ይ ሕ.ጽ.) “ብዛዕባ መግዛእቲ ኤርትራውያን ካብ’ቲ ምዝጉብ ሓበሬታ ጥራይ እንተጀምርና፡ ህዝቢ ኤርትራ ን414 (1577-1991) ዓመታት–ብቱርኪ፡ ምስሪ፡ ኢጣልያ፡ እንግሊዝን ኢትዮጵያን ተገዚኡን ተሳቕዩን ኢዩ።” ይብል (ገጽ 239)። ቀጺሉ እዚ ሎሚ ኤርትራ ሒዛቶ ዘላ ብመግዛእቲ ጥልያን (1890) ይጅምር ይብል። ቅድሚኡ ግን “ብነኣሽቱ ንግስነታት ወይ ብመሳፍንቲ እናተመርሐ ዝነብር ህዝቢ ኢዩ ነይሩ” ይውስኸሉ (ገጽ 239)።

የማነብርሃን፡ ዝርዝር መግዛእቲ ኤርትራ ብኸምዚ ዚስዕብ የቕርቦ፤ “ቱርኪ ካብ 1557 ‘ክሳብ’ 1872 ንባሕሪ ኤርትራን ንምብራቓዊ ወገን ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራን ን315 ዓመታት ከም ዝገዝኣቶ ዝፍለጥ’ዩ።” ይብል (ገጽ 275)። እዚ ልዕሊ-300 ዓመታት ዝገበረ መግዛእቲ፡ ብዘይ ሓድጊ ሓደ ቱርካዊ ቃል ከም ዝበነነ፡ የማነብርሃን ይሕብር። “ምስሪ’ውን፡ ካብ 1813 ጀሚራ ‘ክሳብ’ 1885 ንሰሜናውን ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራን ሕዝ-ግድፍ እናበለት ኣብ እትገዝኣሉ ዝነበረት ግዜ፡ …” ይብል (ገጻት 275-276)። መግዛእቲ ግብጺ ሓድጊ ቋንቋ ዘይመግደፊኡ፡ ዓረብኛ ቅድሚ መግዛእቲ ግብጺ ኣብ “ሰሜናዊ ክፋል ኤርትራን ገማግም ቀይሕ ባሕርን ዝውቱር ብማንባሩ” ይብል። “ኤርትራ እውን ኣብ ግዜ መግዛእቲ ኢጣልያ (1890 – 1941) ኢዩ ዶባታ ምስ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ጂቡትን ተሓንጺጹ ብወግዒ ግዝኣት ኢጣልያ ዝኾነት። [ደ]ድሕሪኡ ካብ 1941 [ክሳዕ] 1952 ብእንግሊዝ ‘ተገዚኣ’። ካብ 1952 [ክሳዕ] 1962 ድማ [ኣብ ትሕቲ] ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ትመሓደር ነይራ። ካብ 1962 [ክሳዕ] ምሉእ ሓርነት … ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ተገዚኣ። ” ይብል (ገጽ 276)። ኣብ ኣሃዛት-ግእዝ፡ “ብኣቆጻጽራ ግእዝ፡ ኤርትራ ኣብ ፲፱፻፹፪ ግእዝ (1982) … ሓራ ወጺኣ …” ይብል (ገጽ 263)።

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝቐረቡ ጭብጢታት፡ ክራትዑ ዘይኽእሉ፡ ሃጓፋት ዘሎውዎም ሓበሬታታትን ዝተፈላለዩ ኣንክሮታትን ዝዕድሙ እዮም።
እቲ ብየማነብርሃን ዝቐረበ ታሪኽ፡ ብስም ኤርትራ ስለ ዝቐረበ፡ እቶም ክልዓሉ ዝኽእሉ ኣንክሮታት፤
“መግዛእቲ ኤርትራውያን ካብ’ቲ ምዝጉብ ሓበሬታ ጥራይ እንተጀምርና” ምባልስ “ዘንተ-ዕለት” ግዝእቲ ነይራ ንምባልዶ ይኸውን፧ ቅድሚኡ (ቅድሚ-1890) ግን “ብነኣሽቱ ንግስነታት ወይ ብመሳፍንቲ እናተመርሐ ዝነብር ህዝቢ ኢዩ ነይሩ” ንዝብል ጽሑፍ፡ ወዮ ብዓል ቱርኪ፡ ግብጺ ደኣ ናበይ ከዱ ኣየብልንዶ፧ “ብነኣሽቱ ንግስነታት ወይ ብመሳፍንቲ እናተመርሐ” ዝመሓደረሉ ዝነበረ ግዜኸ፡ ከመይ ዝበለ ዝርግሐ ነበሮ፧ “ንባሕሪ ኤርትራን ንምብራቓዊ ወገን ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራን” ኪበሃል ከሎኸ “ባሕሪ ኤርትራ”ን “ቀይሕ ባሕሪ”ን ዚባሃሉ ክልተ ባሕሪታት ከም ዘለውዋ ኣይሕብርንዶ፧ “እዚ ሎሚ ኤርትራ ሒዛቶ ዘላ ብመግዛእቲ ጥልያን (1890) ይጅምር” እንኪብልከ፡ ቅድሚ እዚ እዋን’ዚ ዝተቖርመም/ዝተሓወሰ መሬት ኤርትራ ነይሩዶ፧

ከምኡ’ውን እቲ “ብኣቆጻጽራ ግእዝ፡ ኤርትራ ኣብ ፲፱፻፹፪ ግእዝ (1982) … ሓራ ወጺኣ …” ዚብል ቅኑዕ ኣይኮነን። ኣቆጻጽራ “ጎርጎርዮሳዊ”ን (“ጎርጎርዮሳውያን” ዘይቅኑዕ ረባሕታ እዩ) ግእዝን፡ ካብ ታሕሳስ/ጥሪ ክሳዕ መስከረም/ጥቅምቲ፡ 8-ዓመታት፣ ካብ መስከረም/ጥቅምቲ ክሳዕ ታሕሳስ/ጥሪ ከኣ 7-ዓመታት ፍልልይ ኣሎውዎም። ኤርትራ ኣብ ወርሒ ግንቦት ሓራ ወጺኣ። ግንቦት ከኣ ኣብ መንጎ ታሕሳስን መስከረምን ስለ ዚውዕል፡ እቲ ፍልልይ 8-ዓመታት ይኸውን። መባእታ ሕሳብ ጌርካ ከኣ፡ ካብ ጎርጎርዮሳዊ 1991፡ ኤርትራ፡ ብግእዝ ፲፱፻፹፫ (1983) እያ ሓራ ወጺኣ ትብል።

እዞም ኣብ ላዕሊ ዘቕረብክዎም ሓተታታት፡ ታሪኽ ብግቡእ ክስነድን ብታሪኻዊ ኣሳይማኡ ኪጥቀስን ኣለዎ ብዚብል ኣረኣእያ እየ። ኣሽንኳይ ኣብ እታ ወዲ-ሰብ ፈለማ ዝነበራላ ክፍለ-ዓለም ኣፍሪቃ ዝነበሩ ህዝቢታት፡ ሕዝብታት እተን ካልኦት ክፍለ-ዓለማት እውን ታሪኽ ኣሎዎም። ታሪኽ ዘይብሉ ህዝቢ የለን። ታሪኽ፡ ጽቡቕ/ሕማቕ ከም’ቲ ዝነበሮ ክስነድ እምበር ብድሕሪኡ ንዝተኸስተ ኵነት ከተጠዓዕም፡ ንድሕሪት ተመልስካ ኣይጽሓፍን። እዚ ግን ብጌጋ ተጻሒፉ እንተ ነበረ ኣይተኣረም ማለት ኣይኮነን። ኣብ ከም’ዚ ዓይነት ዘተ፡ ሓንቲ ንመልእኽተይ እተነጽር ኮይና ዝረኽባ ኣብነት፡ ታሪኽ ሮማውያን እያ። ከተማ ሮማ፡ ኣብ ቅርዓት ኢጣልያ እትርከብ ርእሰ-ኸተማ ኢጣልያ እያ። ሮማዊ ግዝኣት፡ ብግዜኡ ሓደ ካብ’ቶም ሓያላትን ተቖጻጸርቲ ዓልምና ዝነበሩ ግዝኣታትን እዩ ነይሩ። ኣብ’ዚ እዋን፡ ሮማ ኣብ ትሕቲ ምቍጽጻር ኢጣላያ እያ ዘላ፡ እቲ ሮማዊ ታሪኽ ግን ብኢጣልያዊ ታሪኽ ኣይጽሓፍን፡ ኣይተጻሕፈን ከኣ። ምኽንያቱ ታሪኽ ንህልው ኵነታት ከተጠዓዕም ተመልስካ ስለ ዘይጽሓፍ።

10. ዝምድና ትግርኛን ኣምሓርኛን መኣስ ይጅምር፧

ብየማነብርሃን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብካልኦት ጽሓፍቲ እውን ትምህርቲ ትግርኛ ኣብ ዝለዓለሉ ዘተ፡ ምስ ቋንቋ ኣምሓርኛን መግዛእቲን ብምትሕሓዝ ይጠቕሱ እዮም (ንኣብነት ጽሑፋት መሪ. ሄኖክ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ይርከቡ)። ዝምድና ትግርኛን ኣምሓርኛን ቅድሚ እቲ የማነብርሃን ዝጠቐሶ (1961) ይጅምር። ክልቲኦም ቋንቋታት ብሰፊሕ ኣብ ግእዝ ይምርኰሱ፡ ካብ ግእዝ ይልቅሑ፡ ብግእዝ ፊደል ይጽሕፉ። ካብ’ዚ ሕጂ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ከባቢ፡ ቈጽሊ ሽመት ኪወድቆም ኮነ ማዕርግ ክህነት ኪረኽቡ ኪኖ እቲ ብኣምስሎተ-መረብ ዝፍለጥ ዶብ፡ ክሳብ ጎንደር ይኸዱ ነይሮም እዮም። ቅድሚ 1961 ዝተጻሕፉ፡ ብ“ሕግታት ኣንዳባ” ዝፍለጡ ቅዋማት፡ ብዙሓት “ኣምሓርኛ” ዝመበቆሎም ዚመስሉ ቃላት ይሓቍፉ እዮም። ስለ’ዚ እዚ ዝምድና እዘን ቋንቋታት ምስ እቲ ድሒሩ ዝተኸስተ መግእዛእቲ ኪተሓሓዝ የብሉን።

ካብ ምውርራስ ቃላት “ኣምሓርኛ”ን “ትግርኛ”ን ወጺእና፡ መግዛእቲን ትምህርቲን ብዝምልከት ብዕቱብ ኪጽናዕ ኣለዎ ዝብሎ ጕዳይ ኣሎ። ንሱ ከኣ ጽልዋ ትምህርቲ ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ፡ መንነትን ንቕሓትን እዩ። ኣብ’ዚ፡ ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ ብዛዕባ “ምሁራት” ዝጠቐስክዎ፡ ተሳጋርነት ትምህርቲ ኣብ ግምት ኪኣትው ኣለዎ። እቲ ብ1943 ዝጀመረ፡ ክሳዕ ራብዓይ ክፍሊ ዝነበረ ትምህርቲ ብቋንቋ-ኣደ (ትግርኛ)፡ ኣብ 1965 ኣኽቲሙ፡ ብኣምሓርኛ ተተኪኡ (ኤርትራ ብ1962 ብኣዋጅ ኣውራጃ ኢትዮጵያ ትኹን እምበር፡ እተን ብትግርኛ ዝምህራ ዝነበራ ኣብያተ ትምህሪ ሽዑ-ንሽዑ ደው ኣየበላን)። ምትካእ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ትምህርቲ ኣምሓርኛ ክሳዕ መበል-12 ክፍሊ ቀጺሉ እዩ። ኣምሓርኛ እውን ቅድመ ኵነት መእተዊ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ኮይኑ። ብተዛማዲ፡ እቲ ብ1890 ዝጀመረ መግዛእቲ ጥልያን፡ ትምህርቲ ንደቀባት ምኣስ ከም ዝጀመሮ እኳ እንተ ዘይፈልጥኩ፡ ክሳዕ 1941 ዝተግበሮ ትምህርቲ ግን ድሩትን ክሳዕ 4ይ ክፍሊ ነይሩ። ዝርግሐኡ ከም’ቲ ብወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ዝተኣታተወ ትምህርቲ ትግርኛ/እንግሊዝኛ ኣይነበረን። እቲ ዝወሃብ ዝነበር ትምህርቲ ከኣ ብጥልያንን ኣብ ዕብየት ኢጣልያን ዘተኰረ ጥራይ ነበረ።

እቶም ብገዛእቲ ኣብ ኤርትራ ብባዕዳዊ ቋንቋታት ዝተተግበሩ ትምህርቲታት፡ ኣምሓርኛ ብፊደል ግእዝ፡ ጥልያን ከኣ ብሮማዊ ፊድል እዮም ነይሮም፣ ኣብ ሃገራዊ መንነትን ንቕሓትን እንታይ ግደ ነበሮም፧

ዚቕጽል እታው፡ መ-12 ክፋልን መወዳእታን ኮይኑ ኣብ ወሊድን መብጽዓ ካልኣይ ሕታምን ከምኡ’ውን ደምዳሚ ርእይቶ ይቐርብ

–ኣርኣያ ካሳ

“ቃላት ትግርኛ ኣብ ስራሕ” ዶስ እኽብካብ-መዘክር ሓፈሻዊ ፍልጠት ደራሲ፧ 10/12

“ቃላት ትግርኛ ኣብ ስራሕ” ዶስ እኽብካብ-መዘክር ሓፈሻዊ ፍልጠት ደራሲ፧ 10/12
ብኣርኣያ ካሳ
ካልጋሪ፡ ካናዳ
2017

6. መዓርጋዊ ቍጽሪታት ኣይተረስዑን፡ ኣብ ቦትኦም ኣለዉ

የማነብርሃን ን “ቀዳማይ፡ ካልኣይ፡ ሳልሳይ፡ …” ንዝብሉ መዓርጋዊ ቍጽርታት “ሓበርቲ ተርታ” ዚብል ስነ-ቓል ሂብዎም ኣሎ። እቲ ልሙድ “መዓርጋዊ” ወይ ብዘይ “ሓበርቲ”፡ “ተርታዊ” ብዚብል ቅጽል ምትጋብሮም ምሓሸ። የማነብርሃን፡ ንእዚ ከም ኣርእስቲ ኪድህስሶ ኣድላዪ ኮይኑ ዝረኸቦ ምኽንያት እንኪህብ፡ “እናተረስዑ ይኸዱ ስለ ዘለዉ” ይብል (ገጽ 297) ።

እቶም ዝተጠቕሱ ተርታዊ ቍጽሪታት “እናተርስዑ” ዝኸድሉ ጭብጢ ግን ኣይቀረበን። ብኣንጻሩ፡ ብፍላይ እቶም ብፊደልን ብኣሃዝን ዝጠቐሶም ቀዳሞት ዓሰርተ ማዕርጋዊ-ቝጽሪታት ልሙዳትን ዝውቱራትን እዮም። ካብ ዓስራይን ንታሕቲን ክፍሊ ዚምሃር ዝኾነ ተምሃራይ፡ “ክንደይ ክፍሊ በጺሕካ፧” ተባሂሉ ምስ ዚሕተት፡ ብዘይ ሰጋእ-መጋእ፡ ብተርታዊ ቝጽሪ፡ ዚበጽሖ ክፍሊ ይነግር። ኣብ’ዚ ከም መተሓሳሰቢ ኪቐርብ ዝነበሮ፡ ንእቶም ብኣሃዝ እምበር ብፊደል፡ የማነብርሃን ዘይጽሓፎም፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዝኾኑ ተርታዊ ቍጽሪታት እዩ። እቲ “መበል” ዚብል ቅድመ-ጥብቆ ኪተርፍ ከም ዘይብሉ እዩ። ንኣብነት፡ “ናብ ዓሰርተ ሓደ፡ ናብ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ሓሊፈ” ምባል ልሙድ ግን ግጉይ እዩ፣ እቲ ቅኑዕ፡ “ናብ መበል ዓሰርተው-ሓደ፡ ናብ መበል ዓሰርተው-ክልተ ክፍሊ ሓሊፈ” እዩ።

7. ቃላት ይብልዩ እምበር ኣይምነዉን

የማነብርሃን፡ “እተመንዉ እንብሎም ቃላት፡ መብዛሕቶም–ቀደም ኣድማዕቲ ዝነበሩ እዮም። ድሕሪ ናይ ነዊሕ እዋን ኣገልግሎት ግን፡ ኣሰልከይቲ እናኾኑ ይመጹ እሞ በዚ ድማ ኣብ ዘረባና፡ ጽሑፍናን መደረናን ኣድማዕነቶም ይፈኵስ።” ይብል (ገጽ 272) ። “መነወ” ማለት ንሓደ ነገር ኣዘውቲርካ እትጥቀሞን እትርእዮን ዝነበርካ ግን ባህ ስለ ዘይበለካ፡ ቅጭ ስለ ዘምጽኣልካ ወይ ፍጊዕ ስለ ዝበለካ ካብ ምትግባሩ ወይ ምርኣዪ ምቝጣብ ማለት እዩ። “ቃላት” ግን ብዊንታ ስለ ዘይግዝኡ፡ ኣይምነዉን።

የማነብርሃን ከም ኣብነት “ምኑዋት ቃላት” ኢሉ ዘቕረቦም ኣብነታት፡ ምኑዋት ኣይኮኑን። ገሊኦም “ግጉያት” እምበር “ምኑዋት” ኣይኮኑን፣ ገሊኦም ከኣ ብዘይ ተወሳኺ ሓበሬታ ክትመዝኖም ኣይትኽእልን። ከም ኣብነት “ምኑዋት ቃላት” ዝተጠቕሱ፡ ምኽኒያት መምነዊኦም ኣይተዋህበን። ንኣብነት ብዘይ ተወሳኺ ሓበሬታ ዝኾነ ርእይቶ ኪትህበሎም ዘይከኣሉ – “ወረቐት ኣቕሪቡ”፡ “ኣዝዩ”፡ “ማለት”፡ “ማለት’ዩ” “ኣጸቢቑ” ዚብሉ ተጠቒሶም ኣለዉ።

ከምኡ’ውን “ግጉያት” እምበር “ምኑዋት” ዘይበሃሉ – “ዘሐጕስ ብስራት”፡ “ብጣዕሚ ጽቡቕ” ዚብሉ ሓረጋት ኣለዉ። እቲ ቀዳማይ፡ “ብስራት” ማለት ዜሐጕስ ነገር እዩ። “ዘሕዝን ብስራት” ዚበሃል የለን። እቲ ካልኣይ፡ “ጽቡቕ” ዝጥዓም ነገር ኣይኮነን፣ ሓደ ነገር “ብጣዕሚ” መሪር፡ መጺጽ ኪኸውን እውን ይኽእል፣ “ጽባቕ” ብዓይኒ ዝርአ እምበር ዝስተማቐር ነገር ኣይኮነን።

የማነብርሃን፡ “ምኑዋት” ተባሂሎም ከም ኣብነት ዝዘርዘሮም፡ ሓደ ሓባራዊ ቅጽል (“ጽቡቕ”) ኣሎውዎም። እዚኣቶም፤ ጽቡቕ – ውዒለ/’መዓልቲ’/ክረምቲ/ወዲ … ጽብቕቲ ጓል፡ ጽቡቕ ጠባይ ‘ኣለዎ/ኣለዋ’ እዮም። እዞም ዝተጠቕሱ “ኣይተምነዉን”፡ ይዝውተሩ እዮም። የማነብርሃን ባዕሉ ኣብ’ዛ መጽሓፍ ይትግብሮም እዩ። ንኣብነት፡ “… ጽቡቕ ርክባት ዝፈጥሩልና …” ይብል (ገጽ 17)።
የማነብርሃን፡ ኣብ መደምደምታ፡ “… ምኑዋት ቃላት ክኣትውዎ ኣብ ዘይግበኦም ሓራጋትን ምሉእ ሓሳባትን እናኣእተና ኣይንጠቐመሎም …” ኢሉ ይመክር (ገጽ 273)። እዚ ንእቲ ኣቐዲሙ ብዛዕባ “ምኑዋት” ዘቕረቦ መጐት ፋሕ የብል። ኣብ’ዚ “ምኑዋት ቃላት” ዚግባእ ቦታ ከም ዘሎዎም እዩ ዚሕበር ዘሎ።

8. “ውስጥ ዘ” ንምንታይ ተማህዘ፧

የማነብርሃን፡ “ውስጠ ዘ” ዚብሎ ስነ-ቓል፡ ግሉጽን ሕቡእን መልእኽቲ ዚሓቍፍ ሓረግ ወይ ምሉእ ሓሳብ እዩ ይብል። ኣብ’ዚ ከም መእተዊ ዝተዋህበ ኣርእስቲ “ቃላት” ይብል፣ እቲ ዝተዋህበ መግለጺ ከኣ “ሓረግ ወይ ምሉእ ሓሳባት” እዩ። እቲ ን“ውስጠ ዘ” ዝተዋህበ መግለጺን እቶም ዝቐረቡ ኣብነታትን ኣይሳነዩን። እቶም ዝተዋህቡ ኣብነታት፡ ብትግባረ-ትሕዝቶን ቍንቍኛን ትርጕም ዝህቡ እምበር ክልተ መልእኽቲ (ሕቡእን ግሉጽን) ዜምሓላልፉ ኣይኮኑን።

እቶም ዝቐረቡ ኣብነታት፤ “ንሱ ተመን’ዩ።”፡ “ንሱ ከልቢ’ዩ።” “ንሳ ከልቢ’ያ”፡ “ጸባ ኣስቲኻና ጸባ ስተ” እዮም (ገጽ 288)። ካብ እዚኦም ዋላ ሓደ ሕቡእ/ግሉጽ ዝኾኑ ማንታ መልእኽቲታት ዜመሓላልፍ የልቦን። “ንሱ ተመን’ዩ።” ዚብል ምሉእ ሓሳብ እስከ ንውሰድ። እዚ ምሉእ ሓሳብ፡ ግሉጽ እምበር ሕቡእ መልእኽቲ የብሉን። ኣብ’ዚ ም.ሓ. ንጹርነቱ ዝፍለጥ ብእቲ ክንዲ-ስም፡ “ንሱ”፡ ዚውከል እዩ። ንኣብነት “ንሱ” ኣርኣያ እንተኾይኑ፡ ኣርኣያ ተንኮለኛ ንምባል እምበር፡ ኣርኣያ እቲ ብለመምታ ዚኸይድ እንስሳ፡ ተመን፡ ማለት ኣይኮነን። ከምኡ’ውን፡ ኣብ ትሕቲ “ቃላት ንመነጻጸሪ” (ገጽ 286) ዚብል ኣርእስቲ ተጠቒሶም ዘሎዉ ኣብነታት ብትግባረ ትሕዝቶ ትርጉም ዝህቡ ኮይኖም ካብ እቶም ኣብ ”ውስጠ ዘ” ዝተጠቕሱ ኣይፍለዩን።

የማነብርሃን፡ ንምንታይ ሓድሽ፡ “ውስጠ ዘ” ዚብል ስነ-ቓል ከተኣታትው ኣድላዩ ኮይኑ ከም ዝረኸቦ መግለጺ ኣይሃበሉን። ኣብ ትምህርቲ ሰዋስው ግእዝ፡ “ውስጠ-ዘ” ዚብል ስነ-ቓል ኣሎ። እዚ ከኣ ን“ዘ፡ እንተ፡ ለ” ኣብ ሕቝፎም ዘለውዎም ስማት መጸውዒ ዜገልግል እዩ (ኪዳነ ወልድ ክፍሌ፡ 1948ግ)

እቲ የማነብርሃን ን“ውስጠ ዘ” ዝሃቦ መግልጺ፡ እቲ ኣብ ትምህርቲ ሰዋስው ግእዝ፡ ኣብ’ቲ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ-ግእዝ ዝካየድ፡ ብክልተ ትርጕም ዝፍታሕ ግድል/ትምህርቲ “ቅኔ” እዩ። እዚ ትምህርቲ ብግጥሚ/ዜማ ገይሩ ክልተ ትርጕም ዚሓቍፍ መልእኽቲ የመሓላልፍ። እቶም ክልተ ክፋላት “ስምዒን ወርቂን” ይብሃሉ። እቲ “ስምዒ” ግሉጽ፡ እቲ “ወርቂ” ሕቡእ እዩ። ብቅኔ ዚቐርብ ግድል ንምፍታሕ፡ ምልከት ቋንቋ ይሓትት። ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፡ የማነብርሃን ዘቕረቦም ኣብነታት ባህርያት “ቅኔ” የብሎምን። ብዝያዳ ንምብራህ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሓደ ጽሑፍ (ምንጩ ኣይዝክሮን) ብኣማረ ወልደስላሴ ዝቀረባ ክልተ ቃላት ተጠቒመ፡ እዘን ዚስዕባ ምልከት ቋንቋ ዝሓታ፡ ክልተ ትርጕም ዝሓቝፋ ከም ኣብነት አቕርብ፤

(ሀ) “ንቡር ዝሰእነ፡ ዘይጋልብ ፈረስ ኮነ።”
“ግሁድ”፤ ንፈረስ (እንስሳ – እቲ “ረ” ፍዅስ ኢሉ ይንበብ) ይምልከት። ፈረስ ኪጋልብ ከም ንቡር ምግላጽ ኮይኑ እቲ ፈርስ ግን ንቡር ስኢኑ፡ ኪጋልብ ኣይከኣለን።
“ሕቡእ”፤ ንካህን (ቅሽነት-ዘፍረስ – እተ “ረ” ትርር-እሉ [ፈርረስ] ይንበብ) ይምልከት። ንቡር ስራሕ ሓደ ካህን ዚብሃል፡ ኣገልግሎት ክህነት ምሃብ እዩ። እቲ ካህን፡ ካብ ንቡር ክህነት ኣገልግሎት እንተ ተወጊዱ ፈረስ (ቀሺ ፈረስ) ይብሃል።

(ለ) “እንታይ ረኸባ፡ “ዘይሓዝና” ኮነ ዘረባኣ”
“ግሁድ” – ንንሕና ዝትሓዝ ነገር ዘይሓዝና ይምልከት። መብዛሕቱ ግዜ ኣብ ኣውቶቡስ፡ ብተሓዝቲ ገንዘብ፡ ተሳፈርቲ ንኽኸፍሉ ንምዝኽኻር እትቐርብ ቃል እያ።
“ሕቡእ” – ንንሰን/ንሳተን ይምልክት። ሓዘን ተረኺቡስ፡ ስለምንታይ ሓዘን ዘይስምዐን ኢላ ተዛሪባ።

ዚቕጽል እታው፡ መ-11 ክፋል ኣብ ኤርትራዊነትን ዝምድና ቃላት ትግ-ሓርኛ የተኵር

–ኣርኣያ ካሳ

“ቃላት ትግርኛ ኣብ ስራሕ” ዶስ እኽብካብ-መዘክር ሓፈሻዊ ፍልጠት ደራሲ፧ 9/12

“ቃላት ትግርኛ ኣብ ስራሕ” ዶስ እኽብካብ-መዘክር ሓፈሻዊ ፍልጠት ደራሲ፧ 9/12
ብኣርኣያ ካሳ
ካልጋሪ፡ ካናዳ
2017

5. ግእዝ እንኪግዕዝ፡ ንበል “ይሰውረነ እም ጋእዝ”
የማነብርሃን ብዛዕባ ግእዝ ከምኡ’ውን ምስ ግእዝ ኣዛሚዱ ብዛዕባ ትግርኛ ዘቕረቦ ሓበሬታ ካበይ ከም ዝተረኽበ ብሩህ ኣይኮነን።

የማነብርሃን፡ “ፊደላት ቋንቋ ግእዝ፡ ንተዛረብቲ እዚ ቋንቋ–በብዓውዱ ንምግልጋል’ዮም ተማሂዞም። እዚ ብምዃኑ ድማ፡ ብዘይናይ ኣደማምጻን ካልኦት ጸገማትን–ኣብ ምግልጋል ይርከብ።” (ገጽ 22፡ 1ይ ሕ.ጽ.) ይብል። ንኣበሃህላኡ ዜራጕድ ጭብጢ ግን ኣየቕርብን።

ብወገነይ ዝረኸብክዎ ጭብጢ ምስ ሓበሬታ የማነብርሃን ኣይቃዶን። ግእዝ፡ ቋንቋ ዝርርብ ካብ ዘይከውን ልዕሊ 700 ዓመታት ገይሩ ኣሎ። ኣብ’ዚ እዋን፡ ኣግልግሎት ግእዝ ኣብ ቤተ-ክህነት ድሩት እዩ፡ ንሱ እውን ኣብ ንባብ ጥራይ ዝተሓጽረ እዩ። ከምኡ’ውን እቶም ኣብ ኢድ ዘሎው ዝርካቦም ጽሑፋት ግእዝ፡ ዝተጻሕፍሉ ግዜ፡ እቲ ቋንቋ መዘራረቢ-ቋንቋ ምዃን ካብ ዘኽትም ድሕሪ ሓያሎ ዘመናት እዩ (ወኒንጀር፡ 1993)። ኣብ’ዚ እዋን ዚርከብ ኪኢላ ንባብ ግእዝ እምበር ተዛራቢ ግእዝ ኣይኮነን።

ኣብ ግእዝ፡ ጸገም ኣናብባ ዘየጋጥም ከም’ቲ የማነብርሃን ዝበሎ፡ እቶም ፊደላት ንኣኡ ተባሂሎም ስለ ‘ዝተማህዙ’ ኣይኮነን። ጸገም ዘየጋጠሞ፡ መምህራን ግእዝ፡ ኣብ ትምህርቲ ንባብ ብዚገብርዎ ጽኑዕን ጽዑቕን ምክትታትል እዩ። ሓደ ተምሃራይ፡ ካብ ሓደ ደረጃ ናብ እቲ ልዕሊኡ ዘሎ ደርጃ ዚሰግር፡ መምህሩ ንእቲ ታሕተዋይ ደርጃ ብብቕዓት “መሊኹ-እዩ” ምስ ዚብሎ እዩ። እቲ የማነብርሃን ፊደላት ግእዝ ንተዛረብቲ ግእዝ ‘በብዓውዱ’ ንምግላጋል ስለ ዝተማህዙ፡ “ብዘይ ናይ ኣደማምጻን ካልኦትን” የገልግሉ ኣለው ዚበሎ ሓበሬታ ዘይቅኑዕ እዩ።

የማነብርሃን ካብ ግእዝ ናብ ትግርኛ ሰጊሩ፡ ትግርኛ ካብ ግእዝ ፊደላት ተለቂሑን ናቱ ወሲኹን ይግልገል ኣሎ ይብል። “እቲ ጸገም፡ ምሁራት ተዛረብቲ ቋንቋታት ግእዝን ትግርኛን፡ ነቶም ካብ ግእዝ ዝተወስዱ ፊድላት፡ ብኣደማምጻ ይኹን ብብዝሒ ፊደላት ምስ ተጠቃሚ እዚ ቋንቋ [ከም] ዝሰማማዕ ገይሮም–ቅኑዕ መንገዲ [ከትሕዝዎ] ብዘይምኽኣሎም ኢዩ…” ዚብል ርእይቶ የቕርብ (ገጽ 22፡ 4ይ ሕ.ጽ)።

ፈለማ ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ተዛረብቲ ግእዝ ዚብሃሉ ኣብ’ዚ እዋን እዚ የለዉን። ብርእይቶ የማንብርሃን፡ ጸገም ጽሑፍ ትግራኛ፡ ‘ምሁራት’፡ “ብኣደማምጻ ይኹን ብብዝሒ ፊደላት” ንተጠቀምቲ ብዚሰማማዕ መንገዲ ዘይምትሓዞም እዩ ይብል። ዳህሳስ እቲ ‘ምሁራት’ ዚብል ቅጽል ኣብ “ምሁራት ትግርኛ ኣበይ ኣለኹም፧ …” ኣርእስቲ ቀሪቡ ኣሎ። እቲ ብ”ኣደማምጻ” ኮነ ብ”ብዝሒ ፊደላት” ንተጠቀምቲ ዘይሰማማዕ ዝኾነሉ መንገዲ ኣይተገልጸን። እቲ ጸገም ዝኾነሉ መንገዲ ከየብራህካ፡ ፍታሕ ጸገም ኣይርከብን።

የማነብርሃን፡ እቲ ጸገም እንታይ ምዃኑ እንከይገልጸ፡ ብዓንኬላዊ መጐት፡ ከም እተገልጸ ገይሩ ንእዚ ዚስዕብ ይጽሕፍ።
“ልዕል ኢሉ ከም እተገልጸ፡ እዞም ካብ ግእዝ እተወስዱ ፊደላት፡ ንተዛረብቲ ትግርኛ ንምግልጋል ኢሎም ስለ ዘይተማህዙ፡ ሎሚ ኣብ ስነጽሑፍ ቋንቋ ትግርኛ እሞ ዝያዳ ንጀመርቲ ጽሓፍቲን ንተመሃሮን ኣጸገምቲ ኮይኖም ይርከቡ።” ይብል (ገጽ 22፡ 5ይ ሕ.ጽ.)።
ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝገበርክዎ ዳህሳስ፡ እቲ ጸገም ኣብ ፊደላት ዘይኮነስ፡ “ኣብ ኣሰዃዅዓ ቃላት ኮነ ኣብ ኣሰራርዓ ፊደላት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ረባሕታ፡ እተፈላለየን ፍኑው ዝኾነ መንገዲ ብምኽታል ክሳዕ እዚ እዋን’ዚ ‘ንጸሓፍቱ’ የጸግምን፡ ‘ንኣንበብቱ’ ወይ ንሰማዕቱ ድማ የደናግርን ኣሎ” ዚብል እዩ (ሚኒስትሪ ዜና፡ 2006)።

የማነብርሃን፡ ብዘይ ዝኾነ መእተዊን ድሕረ-ባይታን፡ “ኣብ’ቶም ምሉኣት ፊደላት እንብሎም እውን ካብ 1930 [ክሳዕ] 1970 ኣቢሎም ኣብ ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ከም እነንብቦ፡ ኣብ መንጎ ሀን፡ ሃን፡ ሐን ሓን፡ አን ኣን ከምኡ እውን ዐን ዓን ጸገም ነይሩ። ሎሚ ግን ተፈቲሑ ይርከብ።” ይብል (ገጽ 24) ። እቶም ክልተ-ዓመታት (1930ን 1970ን) ብኸመይ ከም ዝተሓርዩ እውን ብሩህ ኣይኮነን። እቲ ‘ተፈቲሑ’ ዚብሎ ኣጽሓሕፋ ሕጂ’ውን ኣብ ቦታኡ ኣሎ፡ ጽሓፊ ግን ምርጫ ኣሎዎ። ንፊደላት ዝምልከት፡ ቅድሚ ሕጂ ዝገበርክዎ ዳህሳስ ንተወስኺ መብርሂ ቀጺለ አቐርብ።

ጽሕፈት ትግርኛ በዚ እዋን ጀሚሩ ክብል እኳ እንተ ዘይከእልኩ ቅድሚ 1930 ነይሩ እዩ። እቶም “ሕጊ እንዳባ” ዚብሃሉ ጽሑፋት፡ ኣብ ኣጋ 1200 ዓመት ከም ዝተጻሕፉ ይሕብሩ። እታ ኣብ ዝኾነ ጽሑፍ ከም ብርቂ እትጥቀስ፡ ብሃለቃ ፍስሃ ጊዮርጊስ እተጻሕፈት፡ ካብ ባጽዕ ንኢጣልያ፡ ብባሕሪ ጕዕዞም እትርኽ፡ ብ1895 እያ ተጻሒፋ። ከምኡ’ውን እቲ ብየማነብርሃን ዝተወህበ ላዕለዋይ ደረት፡ 1970፡ ስለ ምንታይ ከም ዝተሓርየ ርዱእ ኣይኮነ። እቶም ፊደላት ሕጂው’ውን (2017) ኣብ ኣገልግሎት ኣለዉ። ንእዚ ኣርእስቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኢንተርነት ኣልዒለዮ ነይረ፡ ንሓበሬታ ከኣ ኣብ ታሕቲ አቕርቦ።

ኣብ እታው 2 ለካቲት 2014 (arayakt.wordpress.com)፡ ብዛዕባ ምዕቃብ ፊደላት ዚድህስስ ኣርእስቲ ከም’ዚ ኢለ፡ “… እቶም ኣብ እዚ ግዜ ዘርከቡ ዝተፈላለይ ቅርጺ ግን ሕደ ድምጺ ዘለዎም ፊደላት፡ “ሀ/ኀ፡ ሰ/ሠ፡ ጸ/ፀ”፡ ብኸመይን ኣብ ኣየናይ እዋንን ዛጊት እኳ እንተ ዘይተገልጸ፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ (ኣብ ሜዳ)፡ ብሓዲኦም ጥራይ (ሀ፡ ሰ፡ ጸ) ምጽሓፍ ተጀሚሩስ ልሙድ [ኮይኑ] ኣሎ።” ከምኡ’ውን ኣብ እታው 6 ነሓሰ 2015 (arayakt.wordpress.com)፡ “ስርዓተ-ጽሕፈት ትግርኛ” ኣብ ዚብል ዳህሳስ፡ ን“ኣመላውያን ፊደላት” ዜማእክል፡ “ያታዊ ስርዓተ-ጽሕፈት”ን “ዘመናዊ ስርዓተ-ጽሕፈት” ዚብል ክልተ-ክፋል ስርዓተ-ጽሕፈት ሂበ፡ ገሊጸ። ብቤተ-ክርስትያን ተዋህዶ ዝፈርዩ ጽሑፋት ትግርኛ ንያታዊ ስርዓተ-ጽሕፈት ዚኽተሉ ከም ዚመስሉ ሓቢረ።

ዝዚቕጽል እታው፡ 10ይ ክፋል ኣብ መዓርጋዊ ቍጽሪ፡ ብሉያትን ትርጕም ቃላት የተኵር

–ኣርኣያ ካሳ

“ቃላት ትግርኛ ኣብ ስራሕ” ዶስ እኽብካብ-መዘክር ሓፈሻዊ ፍልጠት ደራሲ፧ 8/12

“ቃላት ትግርኛ ኣብ ስራሕ” ዶስ እኽብካብ-መዘክር ሓፈሻዊ ፍልጠት ደራሲ፧ 8/12
ብኣርኣያ ካሳ
ካልጋሪ፡ ካናዳ
2017

3. ምንጽጻር ዓተር – ሰበረ፡ ክልቲኦም ጥረ-ምረ

የማነብርሃን፡ ቋንቋታት እንግሊዝኛን ትግርኛን እንኬወዳድር ዝተጠቕመሎም ኣብነታት ተመዓራረይቲ ኣይኮኑን፣ ዝጠቐሶም ረቛሒታት ሓብራዊ ኣይኮኑን። ጽሕፈት ም.ሓ. ሓደ-ቋንቋ (እንግሊዝኛ) ምስ ዝተፈላለዩ ኣጽሓሕፋ ሓደ ቃል ካልእ-ቋንቋ (ትግርኛ) ጌሩ እዩ ኣወዳዲሩዎም። እዚ ከኣ ካብ ሓዲኦም “ዓተር”፡ ካብ እቲ ካልእ ከኣ “ሰበረ” ወሲዱ ብምውድዳር ንሓዲኦም ብሉጽ፡ ንእቲ ካልእ ከኣ ድኹም ምዃኑ ከርኢ ፈቲኑ።

ንኣብነት ኢሉ፡ የማነብርሃን፡ ኣጽሓሕፋ “’ሂ ኢትስ (He eats)” ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ቻይና፡ ኣመሪካ፡ ኤርትራ፡ ብራዚልን ኣብ ዓዲ እንግልዝን፡ ኮታስ ኣብ ምሉእ ዓለም [ሕደ እዩ] ይብል። ብኣንጻር እዚ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ይኹን ኣብ ወጻኢ፡ ሓደ ቃል፡ ብዝተፈለለይ ከም ዝጸሓፍ፡ “ገሌና … ገሌና …” ብምባል ዝተፈላለዩ ኣጽሓሕፋታት 10 ቃላት ትግርኛ ኣብነታት ይዝርዝር። ካብ እቶም ዝተዘርዘሩ ብኸፊል፤ “እዩ/ኢዩ”፡ “ጐርዞ/ጎርዞ”፡ “ቍጽሪ/ቁጽሪ” ይርከቡ።

የማነብርሃን፡ እንግሊዝኛን ትግርኛን ንምንጽጻር ዝተጠቕመሎም ረቋሒታት ወሲድካ፡ ኣብ መንጎ እንግሊዝኛን ትግርኛን ዋላ ሓደ ፍልልይ ከም ዘይሎ ኢኻ እትድምድም። እታ ኣብ ላዕሊ ብእንግሊዝኛ ዝቐረበት ምሉእ ሓሳብ፡ “’ሂ ኢትስ (He eats)” ፡ ብትግርኛ “ንሱ ይበልዕ” ብምባል ትጽሓፍ። እዛ ኣጽሓሕፋ ከኣ ኣብ ኩለን እተን የማነብርሃን ዝተጠቐሰን ቦታታት፡ ጽሕፈት ትግርኛ ብዝፈልጡ፡ ብዘይ ሓደ ጌጋ ትጽሓፍ። እዚ ከኣ “ዓተር” ምስ “ዓተር” ኣወዳዲርካ ኣብ መንጎ እንግሊዝኛን ትግርኛን፡ በዚ ረቋሒ፡ ፍልልይ የልቦን።

ከምኡ’ውን እቲ ኣብ ላዕሊ ብትግርኛ ዝቐረበ እተፈላለየ ኣጽሓሕፋ ሓደ ቃል (“እዩ/ኢዩ”፡ “ጐርዞ/ጎርዞ”፡ “ቍጽሪ/ቁጽሪ”) ከም ሓበራዊ ረቋሒ ወሲድካ፡ ኣብ ኣንግሊዝኛ እውን ዝተፈላለየ ኣጽሓሕፋ ቃላት ከም ዘሎ ኪቐርብ ይከኣል እዩ። ንኣብነት፡ centre/center: colour/color, neighbour/neighbor, organisation/organization ። እዚ’ውን “ሰበረ” ምስ “ሰበረ” ኣወዳዲርካ ኣብ መንጎ እንግሊዝኛን ትግርኛን ፍልልይ የልቦን ዚብል መደምደምታ ትበጽሕ።

ኣብ ላዕሊ ዘቕረብክዎ መጐት እንግሊዝኛን ትግርኛ ተመዛዘንቲ እዮም ንምባል ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ እቲ ብየማነብርሃን ዝቐረበ መጐት ኣብ ጽጹይ መጽናዕቲ ዝተመርኮሰ ኣይኮነን ንምባል እዩ። ርግጽ እንግሊዝኛ ካብ ትግርኛ ዝማዕበለ እዩ። ዝማዕበለሉ ግን ቀያዲ ሕጊ ኣወጺኡ፡ ምሁራት በቲ ሕጊ ስለ ዝተማእዘዙ ኣይኮነን። እንግሊዝኛ ዝማዕበለሉ፡ ኣብ ስሩዕ ትምህርቲ ክሳብ ላዕለዋይ ድረጃ ትምህርቲ ብእንግሊዝኛ ትምህርቲ ስለ ዝወሃብ ጥራይ ዘይኮነስ ብእቲ ቋንቋ ዝካየድ ዓውደ-ትምህርቲታት ን“ሓላፍ ዘላፍ” ጽሑፍ ዘይናሕሲ ብምዃኑ እዩ። ኣብ ልዕሊ ትግርኛ ዘሎዎ ሓለፋ፡ ንዘይእሩምን ምዕሩይን ኣጽሓፋ ኣይንሕፍን። ትግርኛ ግን ወግዓዊ ትምህርቱ ክሳዕ ሕጂ (2017)፡ ካብ ሓሙሻይ ክፍሊ ንላዕሊ ኣይሓለፈን። ኣብ ዝርዝር ጻብጻብ ወረቐት መእተዊ ሳዋ ከም እንርእዮ፡ ትግርኛ ሓደ ካብ’ቶም ኣድለይቲ ትምህርቲ ኣይኮነን፡ ዝተጠቕሳ ቋንቋታት ዓረብኛን እንግሊዝኛን ጥራይ እየን። ኣብ ዕዳጋ ዝርከባ መጽሓፍቲ ብሓልዮትን ጻዕርን ደረስተን፡ ብዘይ ምምማይ ኣሕታሚ እየን ዚቐርባ።

4. ማህደረ-ቓላት እንግሊዝኛ/ትግርኛ ኣይሸርመም

የማነብርሃን ን “Bibliography” እንተ ወሓደ ብሓሙሽተ ቃላት/ሓረጋት ከም እትትርጐም ሓቢሩ፡ “ንሓሙሽቲአን ገዲፍና፡ ‘ምንጪ ሓብሬታ’ … ክንጥቀም …” ዚብል ርእይቶ የቕርብ (ገጽ 303)። እቶም ን“ምንጪ ሓበሬታ” ይትርጕሙ እዮም ኢሉ ዝዘርዘሮም፤ (1) ጥብቆ (2) ‘ናይ’ መጻሕፍቲ ዝርዝር (3) መወከስታ (4) መወከሲ ጽሑፋት (5) ዝተዳህሰሱ ጽሑፋት ኮይኖም እቲ “ምንጪ ሓበሬታ” ባዕሉ ሻድሻይ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ብየደናግሩ እዮም ብዝብል መጐት ከም ፍታሕ ዝቐረበ ኣእማኒ ኣይኮነን፣ ብኣንጻሩ እቶም ቃላት ፍሉይ መዓላ ስለ ዘሎዎም ኪዕቀቡ ይግባእ።

እዞም ን “Bibliography” ይትርጕሙ ተባሂሎም ዝቐረቡ ሓሙሽተ ትርጕማት (ኣብ ቍጽሪ (3)ን (4)ን ዝተጠቕሱ ሕደ እዮም)፡ ሓደ ሓባራዊ ረቋሒ ኣሎዎም። ንሱ ከኣ ኩሎም ንዝርዝር ጽሑፋት ዜመልክቱ እዮም። ዝርዝር ጽሑፋት የመልክቱ እምበር ኵሎም ን“Bibliography” ኣይትርጕሙን። ካብ’ዚ ቀጺለ ንእቶም ዝተጥቕሱ ስነ-ቓላትን ሓረጋትን፡ ብእንግሊዝኛ መዓልኦምን ብትግርኛ ትርጕሞምን አቕርብ። ውጽኢቱ ከኣ ንማህደረ-ቓላት ትግርኛ የሀብትም።

(1) ጥብቆ (attachment/appendix) – (ንጹር) ኣብ መጽሓፍ፡ ካብ ቀንዲ ጽሑፍ ተፈልዩ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ዝሓቍፍ ጽሑፍ እዩ።
(2) ዝርዝር መጽሓፍቲ (list of books )- (ሓፈሻዊ) ዝርዝርዝ መጽሓፍቲ ዝሓቍፍ ጽሑፍ እዩ።
(3)/(4) መወከስታ/መወከሲ-ጽሑፋት (reference) – (ንጹር) ሓደ ጽሓፊ፡ ካብ ካልእ ብቐጥታ ዝወሰዶ ምንጪ-ጽሑፍ ዚሓቍፍ ዝርዝር ኮይኑ ኣብ ከርሲ ጽሑፍ እውን ኪጥቀስ ዘለዎ ሓበሬታ እዩ።
(5) ዝተዳህስሱ ጽሑፋት (bibliography) – (ንጹር) ዝርዝር መጽሓፍቲ፡ ጽሓፊ ብቐጥታ ሓበሬታ ዘይወሰደሎም ምንጪታት፡ እንተኾነ ከም እቲ ጽሓፊ ዘልዕሎ ዛዕባ ዝድህስሱ ኮይኖም፡ ንነባቢ ተወሳኺ ሓበሬታ ዚህብ እዩ።
(6) ምንጪ-ሓበሬታ (source of information) – ዝኾነ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ዚርከበሉ ጽሑፍ ይሓቍፍ እዩ።

4.1 ካላኦት ቃላት እንግሊዝኛ ብግጉይ እተተርጐሙ

ንArabic ብ“ዓረብ” (ገጽ 293)፡ እቲ እሩም ረባሕታኡ “ዓረብኛ” እዩ።
ንBarbaric ብ“ባርባሪክ” (ገጽ 265)፡ እሩም ረባሕታኡ “ባርባራዊ” እዩ።
ንBold ብ“ጸሊም” (ገጽ 119)፡ እቲ እሩም “ጕሉሕ” ወይ ከኣ እቲ ኣብ ገጽ 306፡ ን“ድሙቕ-ፊደል” ዝተዋህበ መግለጺ።
Exceptional ብ“ኣረባብሓ ስርዓት ዘይክተሉ” (ገጽ 281) ኣይትርጐምን። “Exception” ብ“ሕጊ/ስርዓት-ዘይኽተል”፡ “Exceptions” ከኣ ብ“ሕጊ/ስርዓት-ዘይኽተሉ” እሩም ትርጕም ይኽውን። Exceptional ብ”ፍሉይ፡ ሕሉፍ፡ ዝበለጸ፡ ካብ ንቡር ንላዕሊ” ይትርጐም።
ንRoman ብ“ሮማን” (ገጽ 293፡ 306)፡ ካብ “ሮም/ሮማ” ዝወጸ እሩም ረባሕታኡ “ሮማዊ” እዩ።

4.2 ጕራማይለ (ትግሊዝኛ)

የማነብርሃን፡ ኣብ ትሕቲ “ጽምዲ ቃላት ሓደ ሓሳብ” ዚብል ኣርእስቲ፡ ኣብነት “ሰማይን-መሬትን” እንኪህብ ን“ERN” ዚብል ምሕጻረ-ቓል እንግሊዝኛ ኣካል ዝዝርብ-ትግርኛ ገይሩ ኣቕሪብዎ። ኣብ መንጎ ሸቃጣይን ዓዳጋይን ዝተገብረ ምውጋይ ብኸም’ዚ ቀሪቡ፤ “‘30,000 ERN በለ’፡ ‘25,000 ERN ሽጠለይ በሎ’” (ገጽ 221) ። ኣብ’ዚ ዝርርብ ዘደንጽው ንእታ “ERN”፡ ሸቃጣይን ዓዳጋይን፡ ብኸመይ ከም ዘድመጽዋ እዩ።

የማነብርሃን ንዘቕረቦ ዝርርብ ረሲዑ፡ ከም ጽሑፋዊ፡ ን“ERN” መዘኻኸሪ ይህብ። “እተን ER ንኤርትራ”፡ “እታ N ንናቕፋ” ምዃነን ገሊጹ፡ “ንሃገርን ንባጤራን ስለ ዝውክል፡ ምጥቃሙ ኣገዳሲ ኢዩ” ይወስኸሉ። ዝኾነ ብእሩም ትግርኛ ዚዛረብ/ዚጽሕፍ ሰብ “30,000 ERN” እንታይ ምዃኑ ዚርድኦ ዚህሉ ኣይመስለንን። ብቅኑዕ “ናቕፋ” እመበር “ERN” ኣይበሃልን፣ ኣብ ዕለታዊ ኣዘራርባ’ሞ ካብ “ናቕፋ” ዚዝውተር “ቅርሺ” ዚበዝሕ ኮይኑ ይስምዓኒ። ኣብ ገጽ 18፡ ኣብ ትሕቲት “ኣገባብ ኣብ ኣጠቓቕማ ትግርኛ”፡ ቁ.6 “ናይ ወጻኢ ሃገራት፡ እሞ ዘይተለምዱ ቃላትን ሓረጋትን ኣብ መልእኽትና ኣይንሓውስ።”ዚብል ምኽሪ እውን ኣብ’ዚ ተረሲዑ (ገጽ 18) ።

የማነብርሃን፡ ድሒሩ፡ ኣብ ገጽ 262 ንእቲ ኣብ ገጽ 221 ኣብ ውሽጢ ዝርርብ ትግርኛ ዘእተዎ “ERN” ከየገናዘበ፡ “Eritrean Nakfa (ERN) እትብል ኣሕጽሮተ-ቃላት ብእንግሊዝኛ ክንጽሕፍ ከለና ብዘይነጥቢ ክንጽሕፋ ይምረጽ። ER ንኤርትራ፡ N ድማ ንናቕፋ ዝውክላ ፊደላት ኢየን። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ሓያሎ ትካላት እዚ ሃገርን ናይ ወጻእን ኣብ ክንዲ Nakfa ERN ኣብ ምጥቃም ይርከባ። ዝድገፍ ድማ’ዩ።” ይብል (ገጽ 262) ።

ኣብ ገጽ 27፡ ብሮማዊ ፊደል፡ “ኣናብባ ጐደሎ ፊደላት” ብዚብል ዝቐረበ ‘ሳንዱቕ’፡ ኣብ መጽሓፍ ትግርኛ ኣድማዒ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ንተዛራቢ/ነባቢ ትግርኛ ኣደማምጻ ፊደላት-ግእዝ ብሮማዊ-ፊደል ክምህር ስለ ዚፍትን። ካብ’ቲ ‘ሳንዱቝ’ ንእቶም ሳድስ-ፊደላት ዝተዋህበ ሮማዊ-ፊደል ከም ኣብነተ እስከ ንርአ፤ “ቍ (qw)፡ ቝ (qhw)፡ ኵ (kw)፡ ዅ (khw)፡ ጕ (gw)”። ኣብ’ዚ፡ እቲ ኣደማምጻ ፊደላት-ግእዝ ዝፈልጥ ነባቢ ድኣ እዩ ኣመት ክህልዎ ዝኽል እምበር፡ ካብ እቶም ብሮማዊ-ፊደላት ዝተጻሕፉ ተበጊሱ ኣደማምጻ ኪምሃር ዝኽእል ኪረከብ የጸግም። ኣብ ትምህርቲ ትግርኛ ደኣ ኣድላዪ ኣይኮነን እምበር፡ እቲ ኣቀራርባ፡ ኣብ’ቲ ምንጪ መጽሓፉ እውን ኣድማዒ ኣይኮነን። ንትምህርቲ “ትግርኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ” ከገልግል ብቑዕ ብሮማዊ-ፊደል ኣጽሓሕፋ፡ እቲ ብኣህጉራዊ ደረጃ ተፈላጥነት ዘለዎ “ኣህጉራዊ ኣዳምጻ ፊደል” (International Phonetic Alphabet –IPA) እዩ።

ዚቕጽል እታው፡ 9ይ ክፋል ኣብ ልሳነ ግእዝ የተኵር

–ኣርኣያ ካሳ

“ቃላት ትግርኛ ኣብ ስራሕ” ዶስ እኽብካብ-መዘክር ሓፈሻዊ ፍልጠት ደራሲ፧ 7/12

“ቃላት ትግርኛ ኣብ ስራሕ” ዶስ እኽብካብ-መዘክር ሓፈሻዊ ፍልጠት ደራሲ፧ 7/12
ብኣርኣያ ካሳ
ካልጋሪ፡ ካናዳ
2017

ለ ትሕዝቶ መልእኽቲ መጽሓፍ
ካብ እዚ ንታሕቲ ዝቐርቡ ንኡሳን ኣርእስቲ፡ ኣብ’ታ መጽሓፍ ዝርከቡ ሓበሬታታ፡ ለበዋታትን ዝተፈላለይ ኣብ ትሕዝቶ መልእኽቲ ዘተኰሩ ዛዕባታትን እዮም። እቲ ነዛ መጽሓፍ፡ መጽሓፍ “ሓፈሻዊ ፍልጠት” ዜብላ እውን እዚ ትሕዝቶ እዩ።

1. ናይ ኣየናይ ከባቢ ትግርኛ እዩ ቅቡል ትግርኛ፧

የማነብርሃን፡ ቅቡልነት ትግርኛ ዝዝረበሉ ከባቢ እንኪመርጽ ከም’ዚ ይብል፡ “እዚ ኣብ’ዛ መጽሓፍ ቀሪቡ ዘሎ ኣገባብ ኣጽሓሕፋን ኣደማምጻ ቃላትን እቲ ኣብ ከተማ ኣስመራን ከባቢኣን ብጽሑፍ ኮነ ኣብ ምዝራብ ዝዝውተር ኢዩ።” (ገጽ 10 1ይ ሕ.ጽ.) ይብል። ቀጺሉ፡ “ዋላ ትንፈር ጤላ እያ” ብዘስምዕ መልእኽቲ፡ “ብምሁራት እዚ ቋንቋ ቅቡል ይኹን ኣይኹን፡ ኣብ ከባቢ ኣስመራን ከባቢኣን ዝዝውተር ትግርኛ ምጥቃም ቅኑዕ’ዩ።” ይውስኸሉ። ንእዚ ብ“ተቐብሎ ኣይትቀሎ” ዘቕረቦ ምጕት ምኽኒያት እንኬቕርበሉ ከኣ፡ “መበቆሉ እዚ ቋንቋን ዝማዕበለሉን ዝምዕብለሉን ኣብ ከባቢ ኣስመራን ደቡባዊ ክፋል ኤርትራን ብምዃኑ [እዩ]።” ብምባል ንመጕቱ ኣብ ክንዲ ዜራጕድ፡ ፋሕ የብሎ። ንኻልኦት ዝለገሶ ምኽሪ እውን ባዕሉ ኣይትግብርን። ኣብ ገጽ 17፡ ኣብ ትሕቲት “ኣገባብ ኣብ ኣጠቓቕማ ትግርኛ”፡ ቁ.12 “እቶም እንዛረቦም ወይ እንጽሕፎም ቃላት፡ ኣደማምጻኦም ኮነ ኣጻሓሕፋኦም — ኩሉ ተዛራቢ ናይ’ቲ እንዛረበሉ ዘለና ቋንቋ ዝርድኦ ደኣ ክኾኑ ይግባእ እምበር፡ እቲ ኣነ ዝዛረቦ ወይ ዘድምጾ ወይ ዝጥቀመሉ ላህጃ ክኸውን ኣለዎ እንተድኣ እንብል ኮይና፤ ሓሳብና ወይ መልእኽትና ዕላማኡ ኣይወቅዕን ኣሎ።” (ገጽ 18) ይብል።

የማነብርሃን በዚ ጥራይ ኣይተሓጽረን፡ ኣየን ናይ ኣየናይ ከባቢን ምዃኑ ከየንጸረ፡ ካብኡ ከኣ እቲ ንሱ ቅኑዕ ዚብሎ እንከየመልከተ፡ “ኣብ መንጎ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግራኛ ኣብ ኣደማምጻን (ላህጃ) ኣጽሓሕፋን ገለ ቃላት ፍልልያት ይስማዕን ይርአን ኢዩ።” (ገጽ 21) ይብል። ከም ኣብነት ከኣ፤ ሓርጭ/ሕሩጭ፡ ሓብቲ/ሓውቲ/ሓፍቲ፡ ሓቦኛ/ሓቦይና፡ … ይጠቅስ።

ኣብ ምምራጽ ከባቢ፡ የማነብርሃን፡ “መበቆሉ እዚ ቋንቋን ዝማዕበለሉን ዝምዕብለሉን ኣብ ከባቢ ኣስመራን ደቡባዊ ክፋል ኤርትራን” እዩ ይብል። ኣብ ኤርትራ፡ ትግርኛ ከም ኣደ-ቋንቋ ዝዝረበሉ ዞባ ማእከልን (ኣስመራን ከባቢኣን) ደቡባዊ ክፋል ኤርትራን እዩ። እዚ ብፍቶ-ጽላእ ዝቐረበ ስፍሓት እምበኣር መላእ ኤርትራ፡ ትግርኛ ከም ኣደ-ቋንቋ ዝዝረብሉ ከባቢ እዩ። ኣብ ውሽጢ እዚ የማነብርሃን ዝተጠቕሶ ጂዮግራፍያዊ ቦታ ዝተፈላለዩ ላህጃታት ትግርኛ ከም ዚሓቍፍ ባዕሉ ይእመን። እሞ ኣየናዮም ደኣ እዩ እቲ ቅኑዕ ዚብሃል ዘሎ፧

2. ምሁራት ትግርኛ ኣበይ ኣለኹም፧ ድሃይ ሃቡ በጃኹም!

እቲ “ብምሁራት እዚ ቋንቋ ቅቡል ይኹን ኣይኹን” ተባሂሉ ዝቐረበ መልእኽቲ ኣድማዒ ኣይኮነን። ብትግርኛ ምስክር ብቕዓት ዘሎዎም “ምሁራት” እንተለዉ ኣብ’ቲ ቋንቋ ፈረድቲን ወሰንቲን ኣይኮኑን። ተራ “ምሁር” ምሂሩ ሰዓብቲ ምጥራይ እዩ’ምበር ቀያዲ ምዃን ኣይኮነን። “ምሁራት” ተባሂሎም ዝጕለሉ ዘለዉ ሰባት ኣካል እቲ ሕብረተሰብ እዮም፡ ትምህርቲ ስለ ዝቐሰሙ ንምንጻሎም ዝግበር ስዉር መልእኽቲ ንእቲ “ትምህርቲ እንታይ ይዓብስ!” “ካብ ምህሮስ ኣእምሮ” “ህዝቢ በብዝመስሎ ይዛረብ፡ ይረዳድእን ናብርኡ የካይድ ኣሎ” ብምባል ብዘይምስትውዓል ዝድገጋም መልእኽቲ፡ ትግርኛ ንኸይምዕብል ዝሓላልኽ ሰንካም መልእኽቲ እዩ። ንምዃኑ “ምሁራት ትርግኛ” ዚበሃሉ ኣለዉዶ? ብኸመይከ ፈረዩ፧

ኣብ “ምሁራት”ን “ትግርኛ”ን ዚብላ ቃላት ብጥምረት ምስ እነተኵር ሓደ ዘይነቕልበሉ ጭብጢ ኣሎ። ካብ እቲ የማነብርሃን ዝጠቐሶ፡ ምስ ዕድመ ጽሕፈት ትግርኛ ዘይዳረግ ዘመን፡ ምጅማር “ዘመናዊ” ትምህርቲ ትግርኛ፡ ካብ 1943 ክሳዕ ሕጂ 2017፡ እቲ ዝላዕለ ደረጃ ትምህርቲ ትግርኛ ዝተበጽሐ ሓሙሻይ ክፍሊ እዩ። ከምኡውን ህላዌ ምስክር ብቕዓት ትግርኛ ዚህብ ኣካል ክሳዕ ሎሚ ኣይሰማዕኩን። ስለ’ዚ ኵሉ ትግርኛ ዝጽሕፍን ዝነብብን ሰብ ዳርጋ ኣብ ሓደ ደረጃ እዩ ዘሎ። እዚ ግን ብካልእ ዓወደ-ትምህርቲ ምስክርነት ብቕዓት ትምህርቲ ዘሎዎም፡ እቲ ኣብኡ ዘጥረዎ ብቕዓት ናብ ትግርኛ ኬውዕልዎ ኣይክሉን ማለት ኣይኮነን፡ ኣለዉ’ውን።

ከምኡ’ውን፡ ዝኾነ ብቕዓት ምስክርነት ዘይብሎም፡ ከም እቲ ዚዛረብዎ፡ ሰዋስውኣዊ እሩምነቱ ኣብ ግምት ብዘይ ምእታው፡ ብጽሑፍ ዘዘንትዉ ኪኢላታት ኣለው። ኣብ ርእሲ እዚ ግላዊ ተውህቦ ጽሓፍቲ፡ ኪጽሕፉን ኪነብቡን ዘይክእሉ ክኢላታት ማሰ፡ ኣውሎ፡ ደጕዓን ዝተፈላለየ ድርሳን ዚመልኩ ኣለዉ። ንእቶም ዚጽሕፉ ምሁራት፡ ንእቶም ዘይጽሕፉ ዘይምሁራት ኢልካ ግን ኣይትጐልሎምን። ናተይ ደርገፍገፍ ጽሕፈት እውን ኣብ’ዚ ይስራዕ። ትግርኛ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣትየ ኣይተማሃርኩን። ፈውሲ ማሕላ፡ “እንዳ መመህር ተስፋይ” ኣብ ዝብሃል ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ገዛውተይ፡ ‘ብኽንደይ ኣውያት’ ብዝተረኸበት ሕርካም ንሓደ ወርሒ ኣትየ ነይረ። መባእታ ትምህርተይ ካብ “እንዳ-ጥልያን” ናብ “እንዳ-ኣምሓሩ” እዩ ሰጊሩ።

እቲ ቀንዲ ንትግርኛ ሕንፍሽፍሽ ዘእትወሎ ዘሎ፡ ኣቲ ብዘይመጽናዕቲን ብዘይምስትውዓልን ብዝተፈላለዩ ተዋሳእቲ ኣብ መራኸቢ-ብዙሕ ዚቐርብ ጋሕማጥ ኣበሃህላን ኣጽሓሕፋን ኮይኖም፡ ናብ ህዝቢ ብምልሓዅ ከም ቅኑዕ ኪትግበሩ ብምኽኣሎም እዩ (ንኣብነት እዚ ላኽኲ፡ እታው “ትግርኛ ኣይተሓናፈጽ እናበልና ኣይንሓናፍጽ …” ተመልከት)። እቲ ፍታሕ፡ ዝኾነ ጽሓፊ፡ ብዝመስሎ ውጹእ ዝኾነ ብእሩምን ምዕሩይን ኣገባብ ይጽሓፍ። ኣብ መንጎ ጽሓፍቲ ዝርአ ፍልልይ ብዘጥርይዎም ሰዓብቲ ይፍረድ፡ ኣብ ጕዕዞ ከኣ ጋግ-ፍልልይ ኪጸብብ ይኽእል።

ዚቕጽል እታው፡ 8ይ ክፋል ኣብ ዘይምዕሩይ ምንጽጻርን እንግሊዝኛን የተኵር

–ኣርኣያ ካሳ

“ቃላት ትግርኛ ኣብ ስራሕ” ዶስ እኽብካብ-መዘክር ሓፈሻዊ ፍልጠት ደራሲ፧ 6/12

“ቃላት ትግርኛ ኣብ ስራሕ” ዶስ እኽብካብ-መዘክር ሓፈሻዊ ፍልጠት ደራሲ፧ 6/12
ብኣርኣያ ካሳ
ካልጋሪ፡ ካናዳ
2017

5. ሰው ዝብለ ሰዋስው

የማነብርሃን ንሰዋስው ከም ኣርእስቲ ኣየልዕሎ ድኣ ኣምበር ይተናኽፎ እዩ። እቶም ዘልዓሎም ሰዋስው-ጠቀስ ኣርእስቲ እውን ምሃሪ-ስእሊ ኣየቕርቡን። ካብ ዝተፈላለዩ ገጻት ዝቓረምክዎም ኣገላልጻኡ እስከ ንተዓዘብ። ብመግለጺ “ቀንዲ-ቓል” እጅምር።

የማነብርሃን፡ “ቀንዲ-ቃል” ዚብሎ ብክልተ መንገዲ ይገልጾ፤ 1. “ብቕድሚኡ ወይ ብድሕሪኡ ዝወሰኾ” 2. “እቲ ንኽጽናዕ ወይ መበገሲ ዝኾነ ቃል ወይ ሓረግ’ዩ” (ገጽ 303) ይብል። ንሓደ ቃል፡ “ቀንዲ-ቓል” ዘብሎ ረቛሒ ግን ኣይገለጸን፣ ዝበዝሕ ጽሑፉ ኣብ’ቲ ቀድማይ መግልጺ እዩ ዜተኵር። ኣብ ገጽ 285፡ “ውጽኢት፡ ውጽኢታዊ” ከም ኣብነት ጠቒሱ፡ “ታዊ” ከም ተለቃቢ ቆጺሩ፡ ን “ውጽኢት”ከም “ቀንዲ-ቓል” የመልክት።

ን“ውጽኢት”፡ “ታዊ” እንተ ተለቂብዎ፡ “ውጽኢትታዊ” ኪኸውን ነይርዎ። ንእቲ “ውጽኢታዊ” ወሲድና ን“ታዊ” ተለቃቢ እንተ ኣልገስና፡ “ውጽኢ” ዚብል ቃል ንረክብ። ኣብ’ዚ ዝኾነ ውጹእ ረባሕታ ኣይገሃድን፣ እቲ “ቀንዲ-ቓል” እውን ህላዌኡ ጠፊኡ። እቶም ዝቐረቡ “ውጽኢት፡ ውጽኢታዊ” ግን ረባሕታ ግሲ “ወጽአ” እዮም፣ “ውጽኢት” – ስም፡ “ውጽኢታዊ” ከኣ ቅጽል እዮም።

ከምኡ’ውን “ለምለም፡ ናብ’ቲ ቦታ ኣይትኺድ” ከም ኣብነት ጠቒሱስ፡ “ኣይ” ተለቃቢ ቆጺሩ፡ ን “ትኺድ” ከም “ቀንዲ-ቓል” የምለክት። ኣብ’ዚ እውን እቲ ዝተዋህበ ኣብነት ረባሕታ ግሲ “ከየደ/ከደ” እዩ።

የማነብርሃን፡ ኣብ ገጽ 177፡ “ንሰዋስው ኣገባብ ብዝምልከት፡ ነታ ቀንዲ ቃል–ብስም፡ ብቕጽል፡ ብመስተዋድድ፡ ብመስተጻምር፡ ብግሲ–ህልውን ናይ ቀረባ ሕሉፍን፡ ትንቢትን ወዘተ. ኢያ ቀሪባ።” ብምባል ረባሕታ ሰውስው ይድርድር። እንተኾነ ዝቐረበት ኣብነት ኣይነበረትን/ኣይተጠቕሰትን። ኣብ’ዚ ዝተዋህቡ ሰለስተ ኣብነታት እዞም ዚስዕቡ እዮም፤ (1) “ሃይለ ንብጻዩ ዓጊቡስ ተጣዒሱ”፡ (2) “ሕሩይ ብዘርባ ብጻዩ ዓጊቡስ ተሓጕሱ”፡ (3) “በሺር በሊዑ ምስ ዓገበ ኣመስጊኑ”። እተን ብ“ዓጊቡ” እትብል ቃል ዝቐረባ ሰለስተ ም.ሓ.፡ “ዓጊቡስ” “ምስ ዓገበ”ን ዝሓቘፋ ክልተ ረባሕታ ጥራሕ እየን። ሰዋስውኣዊ ክፍልታት እዘን ረባሕታ እውን ኣይተጠቕሰን። የማነብርሃን፡ ኣበየናይ-ገጽ ከም እትርከብ ከይሓበረ፡ ንተወሳኺ ኣብነት፡ “ነዚ ንምብራህ እትሕግዝ ኣብ ተመሳልለቲ ቃላት ‘ጸሓፈ’ እትብል ቃል ብተፈላለየ ኣገባብ ቀሪባ ስለ ዘላ ነቕልበላ” (ገጽ 177) ይብል። ኣብ ኣብ ገጻት 33-34 ብ“ጽሓፈ” ዘቕረቦም 17 ም.ሓ. እንተ ኣቕለብና እዞም ዝስዕቡ ረባሓታ “ጽሓፈ”፡ ብዘይ ንጻረ ሰዋስውኣዊ ክፍሎም ሰፊሮም፡ ንረክብ፤ “ምጽሓፍ፡ ‘ኣጸሓሕፋኡ’፡ ‘እናጸሓፈ’፡ ጽሕፈቱ’ኳ፡ እትጽሕፎዶ፡ ጽሑፈይ፡ ዘይምጽሓፍ፡ ኣይጽሕፍን፡ ጽሑፎም፡ ጽሑፍና፡ ኣጽሒፉ፡ ዝጽሕፍ፡ ዝጽሕፋ፡ እንተዝጽሕፍ፡ ጽሑፋዊ፡ ጽሑፍቶኡ”።

ኣብ ምዕራፍ ኣርባዕተ፡ “ቃላት ብበበይኑ ኣገባባት ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ከለዉ …” (ገጽ 286) “ናይ ቈሳቍስ ስም”፡ “ናይ ደቂቅ ስም” ኣብ ትሕቲ ዚብሉ ንኡሳን ኣርእስቲ ሰፊሮም ዘለዉ ስማት፡ ምስ “ቃላት ኣብ ስራሕ” እንታይ ከም ዘራኽቦም ኣይተገልጸን።

የማነብርሃን፡ ስነ-ቓል “ረባሕታ” ከይገለጸ፡ ከምኡ’ውን ሕጊታት ረባሕታ እንከይ ኣብርሀ፡ ኣብነታት “ኣገባብ ኣረባብሓ ዘይክተሉ ቃላት” ብምባል ኣብነታት “ንጽል”ን “ብዙሕን” ኣብ ገጻት 281-283 ይህብ ። እቶም ዝቐረቡ ኣብነታት ሰዋስውኣዊ ክፍሎም “ስም” ኮይኑ ረባሕታኦም ከኣ ብቝጽሪ እዩ። ካብ’ቶም ዝተዋሃቡ ኣብነታት ብኸፊል፤ ላም-ኣሓ፡ ብዕራይ-ኣብዑር፡ ዓርኪ-እዕሩኽ፡ … ይርከቡ።

ስምን ቅጽልን እንኪዋቕዑ
የማነብርሃን፡ “ሽጉርቲ ጻዕዳ” (ገጽ 271) ምባል ግጉይ እዩ ይብል። ብእሩም ኣጽሓሕፋ፡ ቅጽል ቅድሚ ስም ኪመጽእ ስለ ዚግባእ፡ “ጻዕዳ ሽጉርቲ” እሩም ይኸውን ይብል። እዚ ኣገላልጻ ቅኑዕ ዝኸውን ኣብ ም.ሓ.፡ እቲ ቅጽል ንእቲ ስም ከም ገላጺ ኮይኑ ምስ ዚጽሓፍ እዩ። ኣብ “ሽጉርቲ ጻዕዳ” ግን እቲ “ጻዕዳ” መግለጺ “ሽጉርቲ” ዘይኮነስ ኣካል ስም እቲ ቈጽሊ (ሓምሊ) እዩ። ኣብ ጽሕፈት፡ ብምላግቦ-ሕንጻጽ እንተ ዚጽሓፍ፡ “ሽጉርቲ-ጻዕዳ”፡ ዘየደናግር ይኸውን። ንእዚ ዝያዳ ንምብራህ፡ እዘን ዚስዕባ ክልተ ም.ሓ. አቕርብ፤ ሀ. “ጸሊም እምኒ ርእየ።“ ለ. “ናብ እምኒ-ጸሊም ከይደ።” እዚኣተን ክልተ ዝተፈላለያ ቅኑዓት ም.ሓ. እየን። ኣብ ቀዳማይ ም.ሓ. ዘሎ “ጸሊም” ቅጽል ኪኸውን እከሎ፡ ኣብ’ቲ ካልኣይ ዘሎ “ጸሊም” ስም እዩ።

ዚቕጽል እታው፡ 7ይ ክፋል – ኣብ ትሕዝቶ መልእኽቲ መጽሓፍ የተኵር

–ኣርኣያ ካሳ