Archives

ቅርጺን ድምጺን “ቨ” መጐታዊ ድዩ፧

ቅርጺን ድምጺን “ቨ” መጐታዊ ድዩ፧

ኣብ ዝሓለፈ መእተዊ ብዛዕባ ሓንቲ ብዙሕ ዘይትፍልጥ “ነበረት” ዝኾነት ፊደል ክጅምር ምዃነይ ጠቒሰ ነይረ። ድሕረ-ባይታ መንቀሊ ሓሳብ፡ ከም መእተዊ እንሆ።

እዛ ዳህሳስ ምስ ኣቶ ተስፋማርያም ቦዅረጽዮን መርኢድ ካብ ዝገበርክዎ ምልልስ ትብገስ። ኣቶ ተስፋማርያም “እሩም ኣጽሓሕፋ” ትግርኛ ክልመድ ኣለዎ ብዝብል እምነት ኣብ ዝረኸብሉ መራኸቢ ብዛዕበ “ሰዋስው” ይጽሕፉን ይዝትዩን እዮም። ኣብ ጋዜጣ “ሓዳስ ኤርትራ” እውን፡ ብስም ኢንጂነር ተስፋማርያም፡ ሓደ ካብ’ቶም “ሰዋስው” ጠቀስ ጽሑፋት ዘበርክቱ ግዱስ እዮም። ሓደ እዋን፡ ኣብ ዕላልና፡ ጫሌዳ “ቨ” ካብ ፊደል-ቤት ምብጋሱመጐታዊ ኣይኮነን ኢሎም ኣዕሊሎሙኒ ነይሮም። ብድምጹ ጫሌዳ ፊደል-“ፈ” ኪኸውን ከምዝግብኦን ንሶም ንባዕሎም ፈለማ ዝተመሃርዎ ካብ ፊደል-“ፈ” ብዝወጸ ቅርጺ ምዃኑ’ውን ወሰኽሉ። ንእዚ ተዘክሮ ኣቶ ተስፋማርያም ዘራጕድ ካልእ ምንጪ ብምርካበይ ኣብ “ነበረያ ነበረ” ከእትዋ መሪጸ። ዳህሳሰይ ብ ኣብ ቅርጺን ድምጺን ፊደላት ዝተመርኮሰ ትዕዝብታተይ እጅምር።

1. ነፍሲ-ወከፍ ቅርጺ ፊደል ብስጡም (ኣካላቱ ዝተለጋገበ) ዝቖመ ኣሃዱ እዩ።
2. ቅርጺ ናይ እቶም ጫሌዳ-ፊደላት፡ ዳርጋ ኵሎም፡ ካብ ቅርጺ ተቐራራቢ ድምጺ ዘለዎም መሰረታውያን ፊደላት ዝፈልፈሉ እዮም። ንኣብነት፤ ሰ/ሸ፡ ቀ/ቐ/ቈ/ቘ፡ ነ/ኘ፡ ከ/ኸ፡ ዘ/ዥ፡ ገ/ጐ፡ ጠ/ጨ።
3. ሓደ ካብ እዞም ጫሌዳታት ግን ንእዞም ቀዳሞት ክልተ ረቛሒታት ዘየማልእ ኣሎ። ንሱ ከኣ ፊደል-ቨ እዩ። ፊደል “ቨ”፤ (ሀ). እቲ ቀርኑ ምስ ቀንዲ ኣካሉ ዘላግብ ሕንጻጽ የብሉን፡ ፍሉይ እዩ። (ለ). ብቕርጺ ጫሌዳ ፊደል-ቤት ይመስል፡ ብድምጺ ከኣ ምስ ፊደል-ኣፍ ቅርበት ዘለዎ ይመስል።

ብዘይካ እዚ ሕጂ ድምጺ “ቨ” ሒዙ ዘሎ ቅርጺ፡ ካልእ ንእቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ክልተ ቀዳሞት ረቛሒታት (ስጡም ቅርጺ፡ ካብ ምስ ድምጹ ቀርበት ዘለዎ ፊድል ዝጫለደ) ዘማልእ ፊደል ከም ዝነበረ፡ ንተዝክሮ ኣቶ ተስፋምርያም ዜራጕዱ፡ ሰንዳት (ዘርአ-ያዕቆብ፡ ወልደ ማርያምን ገሪማን፡ 1990)፡ ቀጺሎመ ይቐርቡ። ቅድሚኡ ግን እቶም ሆህያት ከመ ይመስሉ ከም ዝነበሩ እገልጽ።

ብምሉኦም ንእቶም ሸውዓተ ሆህያት ናይ’ዛ “ነበረት” ዝኾነት ፊደል ዝሓቍፍ ቅርጺ ክረክብ ኣይከኣልኩን። ኣብ ኮምፕዩተር፡ ብ“ዩኒኮድ” ዝኣተዉ ፊደላት ግእዝ ዳህሲስ “ፏ ፚ” ረኺበ። እዚኦም ግን ንድምጺ ፊደል “ቨ” ኣይውክሉን። ኣብ’ዚ ዳህሳስ ዝተረኸበ ቅርጺ እቲ ራብዕ-ፊደል ጥራይ እዩ። ንእቲ ራብዕ-ፊደል ከም መበገሲ ወሲደ፡ እቶም ሸውዓተ ሆህያት ንእዞም ዚስዕቡ ይመስሉ ከም ዝነበሩ ብምግማት ሰኒዐ አቕርብ።

ነበረት ዝኾነት ፊደል ዝሓቈፈ ሰነዳት፤

(ሀ). ኣብ ገበር “ሥርዓት አድግና ተገልባ” ብ1930ግ ዝተሓትመ፡ እዚ ዚስዕብ ይርከብ፤

(ለ). ኣብ “መቅድም” ብ1935ግ ዝተሓትመ “ሥርዓት ሎጎ ጭዋ”፡ እዚ ዚስዕብ ተጻሒፉ ይርከብ፤

(ሐ) ከም ጽሓፊ ናይ ሰነዳት፣ (1) “ሕግ ናይ ለጎን ጭዋን”’፡ (3) “ሕጊ ሰሐርትን ላምዛን ወቐርትን ዳምባን”፡ (3) “ሥርዓት ናይ ሀብሥሉስ፡ ናይ ገብረ ክርስቶስ፡ ናይ ደቀተሽም”፡ (4) “ዋዕላ ሾብዓተ አንሰባ ዘማት ታሕታይ …” ዝተጠቕሰ እዚ ኣብ ታሕቲ ዝርአይ ዘሎ ስም እዩ።

እዚ ሕጂ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ “ቨ”፡ ማዕረ-ማዕረ ምስ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ጫሌዳ ፊደል-ኣፍ ዝቕርጹ ፊደል እውን ይትግበር ነይሩ እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ብ1936ግ ዝተሓትመ “ሥርዓት አድከም ምልጋእ”፡ ኣብ “መቅድም” እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ይርከብ።

ብእዛ ካብ ፊደል-ኣፍ ዝጫለደት ፊደል ዚጸሓፉ “ባዕዳዊ”ን ካብ “ባዕዲ” ዝረዓሙን ቃላት ብምዃኖም ነዊሕ ንድሕሪት ተመሊስካ ብኣኡ ዝተጻሕፉ ቃላት ኪህልዉ ይኽእሉ እዮም ዚብል ግምት የብለይን። እቲ ክስተት ናይ ቀረባ እዋን ኮይኑ ምንጩ ኪርከብ ይከኣል እዩ ዚብል እውን ካልኣይ ግምት ኣሎኒ።

እዚ ካብ ቅርጺ ፊደል-ካፍ ዝጫለድ ቅርጺ ብመጐት ቅኑዕ ይዅን ደኣ እምበር፡ ካብ’ዚ ሕጂ ዘለዎ ቅርጺን ንእቲ “ነበረያ ነበረ” ዝኾነ ቅርጺን ሓዲኡ ምረጽ እንተ ዝብሉኒ፡ ንእዚ ናይ ሕጂ ምመርጽኩ። መምረጽየይ፤ ሓደ፡ ተለሚዱስ ንድሕሪት ኣብ ዘይምለሰሉ ደረጃ ስለ ዝበጽሐ፣ ክልተ፡ ብኢድ ንምጽሓፍ፡ እዚ ናይ ሕጂ ካብ’ቲ ናይ ‘ቀደም’ ስለ ዝቐልል።

ካልእ “ነብረያ ነበረ” ክሳዕ ዝርከብ፡ እዚ ወደሓንኩም።

ኣርኣያ ካሳ
6 ግንቦት 2017

ውከሳ፡
Codes and Bylaws of Eritrean Regions and Counties ትግርኛ-ትግረ (Tigrinia/Tigre Version)
ብ ዘርአ-ያዕቆብ እስጢፋኖስ፡ ወልደ ማርያም ኣብርሃም፡ ኢንዥ. ገሪማ ገብረመስቀል
Compiled by Zera Yacob Estifanos, Wolde Mariam Abraham, Gberima Gbebre Meskel
(January 1990 West Germany)
http://emnetu.com/Saba%20files%20new%202015/Higen%20SerAten%20nai%20Mieret%20AdiAbo%20%285%29.pdf

ነበረያ ነበረ

ነበረያ ነበረ
ጽሕፈት ትግርኛ መኣስ ከም ዝጀመረ ዚሕብር ሰነድ ኣየጋጠመኒን። እቶም ካብ መሰረታውያን ፊደላት ግእዝ ዝጫለዱ፡ መኣስን ብመንን ከም ዝተወስኹ ዝነግር ርጡብ ሓበሬታ ኣይረኸብኩን። ቃላት መኣስ ተኣታትዮም፡ መኣስከ ብሉያት ኮይኖም፣ እቶም ዝቐየሩ፡ ኣበየናይ እዋን ምቕያር ከም ዘርኣዩ፣ ሓደስቲ እተወሰኹ፡ መኣስ ከም ዝተወስኹ ዝዝርዝር ስኑድ ኣየጋጠመኒን። ብሓፈሽኡ፡ ብመጽናዕቲ እተሰነየ ታሪኽ ጽሕፈት ትግርኛ ኣይረኣኹን።

ሓደ ጽሑፍ፡ ናይ እዚ ኣብ ላዕለሊ እተገልጸ ታሪኽ ‘ዚዝግብ’ መዘገበ-ቓላት እዩ። መዝገበ-ቓላት፡ ኣብ ርእሲ እቲ ትርጕም ቃላት ምሃብ፡ እቶም እታዋቱ መኣስ ኪትግበሩ ከም ዝጀመሩ፡ ምንጮምን ድሕረ-ባይታኦምን ‘ምዝጋብ’ እዩ። እተን ተዘርጊሐን ዘለዋ ‘መዝገበ-ቓላት’፡ ብጻዕሪ ውልቀሰብ ስለ ዝተሓትማ፡ ንምሉእ ጠለብ መዝገበ-ቓላት ኣየማልኣን፣ ዕድመአን ብዕድመ ጽሓፍተን ስለ ዝድረት ከኣ እቲ ዕዮ ቀጻልነት የብሉን።

እዚ ዕዮ ምስናድ ክሳዕ ዝጅመር፡ ንእዛ “ነበረያ-ነበረ” እትብል ሓረግ ከም መበገሲ ወሲደ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ ግን ኣሰሮም ዘሎ ወይ ዝጠፍኡ፡ መዓላኦም ዝመየኑ ፊደላት፡ ቃላት፡ ወይ ኣገላልጻታት መዛተዪ ንኽተገልግል መሪጸያ ኣለኹ።

እታ ፈላሚት ትዕዝብተይ ብሓንቲ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ዝተላለኹዋ “ነበረት” ዝኾነት ፊደል እጅምራ። እዛ ፊደል ምስ ”ቨ” ዝተተሓሓዘት ኮይና “ቅርጺን ድምጺን “ቨ” መጐታዊ ድዩ፧” ብዚብል ኣርእስቲ እድህስሳ።

መዘክር፤
‘ዚዝግብ’፡ ‘ምዝጋብ’ ዚብሉ ቃላት ኣብ ንጽል ጥቕሲ ዘእተኽዎም ቅኑዓት ክነሰሶም ስለ ዘይተለምዱ እዮም። በልዐ-ምብላዕ ኢልካ ዘገበ-ምዝጋብ ምባል ቅኑዕ ረባሕታ እዩ። እቲ ቅኑዕ ሱርግ-ግሲ “ዘገበ” እምበር “መዝገበ” ኣይኮነን። ኣብ’ዚ ጀሚረዮ ዘለኹ ኣርእስቲ፡ “ዘገበ” ሕጽይቲ ካብ ምኳና የድሕና፡ ነድሓና። ዳህሳስ “ዘገበ” ኣብ ክንዲ ኣብ “መዘክር” ኣብ ሕትቶ ኣይእትየ ንበይና ከቕርባ እየ።

ኣርኣያ ካሳ
4 ግንቦት 2017