Archives

“ማለት እዩ” ትርጉም ዝህብዶ መምቀር ዘረባ

“ማለት እዩ” ትርጉም ዝህብዶ መምቀር ዘረባ

ብናእሽቱና፡ ማህደረ-ቓላት እንግሊዝኛ ኣብ ሕድ-ሕድ ኣብ እንዋጠረሉ ዝነበርና ግዜ፡ ሓንቲ ከም “ሕልሚ-ደርሆ” መዘናግዒት ዝኾነት ምምልላስ ትዝ ትብለኒ። መላሲ ንእተዋህበት ሕትቶ ብዘይ መግለጺ ንኽምልስ ኣቐዲምና ንሰማማዕ ነበርና። እታ ሕትቶ፡ “’ዋት’ ማለት እንታይ ማለትዩ፧” እያ። መላሲ፡ “እንታይ” ይብል። ሓታቲ፡ “’ዋት’” ይብል። እቲ ምምልላስ “እንታይ”ን “ ”ዋት”ን ክሳዕ ዜስለኪ ይደጋገም። ነቓጽ ከም’ዚ ከማይ ከኣ፡ “እወ” ኢሉ ብምምላስ ንእቲ ምልልስ ከም ዘይቅጽል ይገብሮ።

እታ ዝተዋህበት ምሉእ-ሓሳብ: ኣብ ክንዲ ብምልክት ሕትቶ ብምልክት ኣርባዕተ-ነጥቢ እንተ ተዛዚማ፡ ትርጉም ናይ ‘ዋት’ ትህብ፣ “እወ” ከኣ ብቑዕ መልሲ ይኸውን። “’ዋት’ ማለት እንታይ ማለት እዩ።” ኣብ’ዚ እዋን ግን እዛ “ማለት” እትብል ቃል ኣብ ኩሉ እትኣቱ ቃል ዝኾነት ትመስል።

ኣብ ዕላል፡ መደረን ቃለ-መጠይቕ እዛ “ማለት እዩ” እትብል ሓረግ ኪትደጋገም እሰምዕ። ንኣኣ ንምድህሳስ ክብል፡ ኣብ “ዩ-ትዩብ” ንዝሰማዕክዎ፡ ኮነ ኢለ ደጋጊመ ክሰምዕን ክቖጽርን ጀመርኩ። እንከይ ተፈለጠኒ፡ ተሰቢላትኒ፡ ኣብ ዘረባይ ከምሉቓ እውን እጀማምር ኣለኹ። “ይኽደነኒ”።

ትርጉም “ማለት፡ ናይ ሓደ ነገር ትርጉም/መግለጺ ንምሃብን ንምሕታትን እትትግበር ቃል እያ። ንኣብነት፡ “’መዓር’ ማለት. እንታይ ማለት እዩ፧” ኢልካ ድሕሪ ምሕታት፡ እወታዊ መልሲ፡ “ ‘መዓር’ ማለት .ምቁር ፍርያት ንህቢ እዩ” ዚብል መልሲ ይርከብ። ኣብ’ዚ፡ ”መዓር”ን “ምዓር”ን ኣብ ኣደማምጻ ቅርብት ስልዘለዎም ን”መዓር” ብ”ምዓር” ኪጸሓፍ ጌጋ እዩ። “ምዓር” ኣብ ኣደማምጻ ን”ዋው” ዝወሓጠ እዩ። ዓዊረ – ዐይረ-ምዓር (ምዕዋር)

ዳህሳስ ምንጪ ቃል “ማለት’፤
ምንጪ “ማለት” ካብ “ኣለ” ዚብል ቃል ኣምሓርኛ ከይኮነ ኣይተርፍን ኢለ እግምት። ትግርኛ፡ ንግሲ ቅ.ጥ. “ም” ብምልቃብ ስም የቕውም’። ንኣብነት፤ በልዐ – ምብላዕ፡ ሰተየ -ምስታይ፡ በለ – ምባል። ብተመሳሳሊ፡ ኣምሓርኛ፡ ቅ.ጥ. “መ”ን ድ.ጥ. “ት”ን ብልቃብ ስም የቕውም። ንኣብነት፣ በላ – መብላት፡ ጠጣ – መጠጣት፡ ኣለ – ማለት (መ+ኣለ+ት = መኣለት፣ “መኣ=ማ” – ማለት)

ካብ ግእዝ: ምንጪ ሃሰስ እንተ ተባህለ፡ ግሲ “ብህለ”: ረባሕታ “ብህለ” ከኣ ይብል/ይቤ፡ ትብህል፡ ተባህለ ንረክብ።
ኣርኣያ ካሳ
30 ግንቦት 2017

ትምህርቲ ትግርኛ፡ ብዝተወደበ መልክዕ

ኣብ ዝሓለፈ (14 ታሕሳስ 2013) ኣብ ገዛን ብወለዲን ዝሰላሰል ትምህርቲ ትግርኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ተዳህሲሱ። ሕጂ ከኣ፡ ብሞያውያን ይዅን ብዘይ ሞያውያን፡ ብማሕበረኮም ኰነ ብወለንተኛታት፡ ተወዲቡ ንዝሰላሰል ትህምህርቲ ኪድህሰስ እዩ።

ኣብ’ዚ፡ ኣመሃህራን ኣቀራርባን ዳርጋ ምስ እቲ ናይ ገዛ ሕደ እዩ። እቲ ቀንዲ ዝፈልዮ ናይ ዝተፈላለዩ ሰባትን ዓቕምን ስለ ዜሳትፍ፡ ኣብ ምእኩል ቦታ ስለ ዝካየድን ብዝሒ ተምሃሮ ስለ ዝሓቍፍን እዩ። ሓለፋታት ናይ’ዚ ብዉዱብ ምስራሕ ኪጥቀሱ ዚከኣሉ፡ ሕድሕድ ተመኩሮ መምህራን ምልውዋጥ፡ መሳለጥያታት ምክፋልን ካልእ ካብ ብዝሒ ተሳትፎ ዚርከብ ረብሓታት እዮም።

ኣቀራርባ፤
–        ናይ ትምህርቲ ቦታ፡ መዓልቲን ግዜን ብእቲ ወዳቢ ኣካል ይውሰን።
–        ትምህርቲ ብዝተመደበሉ ግዜ ይጀመር። ንትምህርቲ ተባሂሉ ዝተሓዝአ ግዜ ብወግዒ ክሳብ ዚዕጾ ዝዀልፍ ስራሕ ዘይምስራሕ።
–        እዋናዊን ትምህርታዊን ስእላዊ-ሰሌዳ (ፖስተር) ኣብ ቦታ ትምህርቲ ይለጠፍ።
–        ምምሃር፡ ሕሉፍ ዝተዓመመ ትምህርቲ ብምኽላስ ጀሚርካ ናብ ንዕለቱ ዝተመደበ ይሰገር።
–        ተምሃሮ ንገዛ ሒዞሞ ዝኸዱ ስርሓት ወይ ዕዮ ይወሃብ።
–        ተምሃሮ ካብ ገዛ ሒዞም ዝመጹ ዝተሰርሐ ዕዩ ወይ ተመክሮ ይተሓተት።
–        መምህራንን ኣለይቲ ትምህርቲን፡ ተምክሮ ዝለዋወጥሉ ምዱብ ኣኼባ ይካየድ።
–        ሽማግለ ወለዲ ወይ ወከልቶም ኣካል ናይ’ቲ ምምሕዳር ትምህርቲ ኪዀኑ ይጠለብ።

መተሓሳሰቢ፤ መምህራን ምስ ወክፍ ወላዲ ብዛዕባ ምዕባለ ተምሃራይ ምዝታይ ኣድላዪ እዩ።

ኣብ ዝቕጽል ጽሑፍ፡ ቅድሚ ብውድብ መልክዕ ትምህርቲ ምክያድ፡ ኪማልኡ ዘልዎም ቅድመ-ኵነታት ኪድህሰሱ እዮም። ርግጽ! ቅድሚ ኣመሃህራ ኪቐርብ ነይርዎ።

— ኣርኣያ ካሳ

ትምህርቲ ትግርኛ፡ ኣብ ቤት ብወላዲ

መኣረምታ፤
ኣብ እታው 7 ታሕሳስ 2013፡ እዞም ተሰሚሩሎም ዘሎ ጌጋታት በቲ ኣብ ጋራዲ-ሓጹር ተመልኪቱ ዘሎ ይተክኡ፤
ቀዳማይ ሕጡበ-ጽሑፍ (ሕ.ጽ.) – 20133[2013]) [፤] … ተጠቒሱ ነይሩ [ተጠቒሶም ነይሮም]
ካልኣይ ሕ.ጽ. ካልኣይ መስመር –  ኰይኒ [ኰይኑ]

ከምኡ’ውን መሳለጥያታት ትምህርቲ ብኸመይ ከም ዝርከብ ተዳህሲሱን ከመይ ጌርካ ትምህር ዝብል ሕቶ ስዒቡ ነይሩ። መልሲ እቲ ዝሰዓበ ሕትቶ፡ ኣብ ገዛን ኣብ ወለዲን ዘተኰረ፡ እንሆ፤

ምምህርና ሜላን ስልቲን ኣመሃህራ ዜማልእ ተማሂርካ ዝርከብ፡ ብቕዓቱን ደረጅኡን ቍጽጽር ዚግበረሉ፡ ተምሃሮ ንኪምሃሩ ዚሕግዝ ሞያ እዩ። ምስክርነት ምምህርና ዜብሎም ወለዲን ወለንተኛታትን ኪምህሩ ኣይክእሉን ማለት ግን ኣይኰነን። ኣብ’ዚ ኣተኵሮ ዚግበረሉ፡ ካብ ሞያ ምምህርና ወጻኢ፡ ብወለንታ ወለዲን ማሓበረኮምን ንዝሰላሰል ትምህርቲ ትግርኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ እዩ። እዚ ኸኣ ብኸምቲ ወለዲ ንደቆም ዝናብይዎም፡ እሩም ጠባይ ንኺሕዙ ዝምዕድዎምን ሓበሬታ ዝህብዎምን ኣገባብ ኪካየድ ይኽእል። እቲ ቍሩብ ፍሉይ ዚገብሮ፡ ኣብ ክንዲ ብፍንው፡ ብመደብን ብስሩዕ መንገዲን ትምህርቲ ምክያዱ እዩ። ኣብዚ፡ ንምምሃር ዚድህሰስ፡ ኣብ ገዛ፡ ብወለዲ ንዝካየድ ምድላው ትምህርቲ እዩ፡ ንሱ ከኣ፤

–        ንትምህርቲ ተባሂሉ፡ ንተምሃራይ ርዱእ ዝዀነ፡ ፍሉይ ቦታ፡ መዓልቲን ግዜን ይወሰን።

–        መዓልቲ፡ ኣብ ግዜ-ትምህርቲ – ኣብ ሰሙን ሓደ ወይ ክልተ ግዜ፡ ኣብ ዕረፍቲ-ሓጋይ – ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ግዜ።

–        ግዜ፡ ካብ ሓደ-ሰዓትን ፈረቓን ክሳብ ሰለስተ ሰዓት።

–        ትምህርቲ ብዝተመደበሉ ግዜ ይጀመር። ንትምህርቲ ተባሂሉ ዝተሓዝአ ግዜ ብወግዒ ክሳብ ዚዕጾ ዝዀልፍ ስራሕ ዘይምስራሕ።

–        እዋናዊን ትምህርታዊን ስእላዊ-ሰሌዳ (ፖስተር) ኣብ ቦታ ትምህርቲ ምልጣፍ። ፖስተር ፊደል፡ ንኵሉ ስድራ ሓባራዊ ኣብ ዝዀነ ቦታ፡ ብቀዋሚ ምጥቃዕ፣ ዕለታዊ ኣዘኻኻሪ ኪዀውን ይሕግዝ።

–        ምምሃር፡ ሕሉፍ ዝተዓመመ ትምህርቲ ብምኽላስ ናብ ንዕለቱ ዝተመደበ ምስግጋር።

መተሓሳሰቢ፤ ብስሩዕ መደብ ምምሃር ትግራኛ ይተሓዝ እምበር ኣብ ዝዀነ ኣጋጣሚ ትግርኛ ካብ ምዝራብ ዘይምቝጣብ፣ ብፍላይ ዕለታዊ ዜጋጥም ኵነታት። እዚ ንተምሃሮ ኣእዛኖምን ልሳኖም ንኪገርሑ ኣብ ርእሲ ምሕጋዙ ማህደረ-ቃላት ኬኻዕብትሉ ይኽእሉ።

ኣብ ዝቕጽል፡ ካብ ገዛን ወላዲን ወጻኢ፡ ብማሕበረኮም ኰነ ብግሊ ተወዲቡ ንዝካየድ ውዱብ ኣመሃህራ ኪደህሰስ እዩ።

–ኣርኣያ ካሳ

መሳለጥያ-ትምህርቲ ብኸመይ ኪርከብ ይከኣል፧

ኣብ ዝሓለፈ (1 ታሕሳስ 20133)። “ቅሩብነት ዕቱብ ተሳትፎ ወላዲ ከም ውሁብ ተወሲዱ፡ መሳለጥያ-ትምህርቲ ብኸመይ ኪርከብ ይከኣል፧” ዚብል (ዝይብል) ከም ዚድህሰስ ተጠቒሱ ነይሩ። ከምኡ’ውን ዕድመን ዓቕሚን ቈልዓ ዝሓለወ ስርዓተ-ትምህርቲ፡ ናውቲ-ትምህርቲን ኣመሃህራን ኣካል መሳለጥያ ትምህርቲ ምዃኖም ተጠቒሱ ነይሩ። ድህሰሳኦም እንሆ፤

ስርዓተ-ትምህርቲ፤ ብኪኢላታት ዝተጻሕፈ፡ ንዕድመ፡ ንከባቢን ንሕብረተሰብን ኣብ ግምት ኣእትዩ ዚዳሎ ሰነድ ትምህርቲ ኰይኒ እቲ ዝበለጸን ቀንዲን እዩ። እዚ ምስ ዘይርከብ፡ እቲ ቈልዓ ዚመሃረሉ ስርዓተ-ትምህርቲ፡ ንክፍሊ-ትምህርቱ ተወኪስካ ቅዳሕ ምውሳድ (ምሳድ)። ነቲ ቅዳሕ ምስ ባህሊን ልምድን ወላዲ ከምዝቃዶ ጌርካ ምትርጓም።

ናውቲ-ትምህርቲ፤ ብዝተወደበን ብክኢላታትን፡ ነቲ ስርዓተ-ትምህርቲ ተኸቲሉ፡ ዚዳሎ ጽሑፋትን መሳለጥያትን ምርካብ እቲ ዝበለጸ እዩ። እዚ ምስ ዘይርከብ፡ እቲ ቈልዓ ካብ ቤት-ትምህርቱ ሒዝዎ ዝመጽእ ዕለታዊ መምሃሪ ንባህሊን ልምድን ትግርኛ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ምትርጓም። ንኢንተርነት ዳህሲስካ፡ ዝረብሕ ምውሳድ። እዚ ኪብሃል እንከሎ ግን ክእለት ምትርጓም ከምኡን ኣድላዪ መሳለጥያ ይሓትት፣ ወለንተኛ፡ ተራ ማሕበረ-ኮማት፡ ውልቀሰባትን ክኢላታትን ኣብዚ መዳይ ዕዙዝ ይኸውን። ሕመረት እዚ ዝተጠቕሰ ዓቕሚ-ሰብ ሰብ ግን ወለዲ እዩም፡ ብዘይክኦም ውጺኢታዊ ኣይከውንን።

ቦታ-ትምህርቲ፤ ብመንግስቲ ኮነ ብኮም ዝተወደበ ምእኩል ቦታ እቲ ተመራጺ ቤት ትምህርቲ እዩ። እዚ ምስ ዘይርከብ ኣብ ቤት ምምሃር ይከኣል። ኣብ’ዚ ኪጽቀጠሉ ዘለዎ፡ ዋላ እቲ ምእኩል ቦታ እንተ ተረኽበ፡ እቲ ናይ ቤት ብዝዀነ ምኽኒት ክተርፍ ከም ዘይብሉ እዩ።

ስርዓተ-ትምህርቲ፡ ናውቲ-ትምህርቲን ቦታ-ትምህርትን ምስ ተታሕዘኸ ከመይ ጌርካ ትምህር፧

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝቐረበ ሕትቶ ኣብ ዝቕጽል ኪደህሰስ እዩ።

–ኣርኣያ ካሳ

ትግርኛ ንክምህር እንታይ የድለይኒ፧

ቅድሚ ሕጂ (18 ሕዳር 2013) “ስለምንታይ ትግርኛ፧” ዝብል ሕትቶ ተዳህሱ ነይሩ። ሕጂ ከኣ ናብ’ቲ ስዒቡ ዝቐረበ ሕትቶ፡ “ትግርኛ ንክምህር እንታይ የድለይኒ፧” የተኵር። ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ወላዲ፡ ደቁ፡ ብዝወሓደ ምዝራብ ትግርኛ ኪመሃሩ ይደሊ፣ ካብ ምዝራብ ንላዕሊ’ውን ምንባብን ምጽሓፍን ኪመልኩ፡ መበቘሎም ኪፈልጡን ተጠቀምቲ ሕብረ-ቋንቋ ኪዀኑ ባህጊ ኣለዎ። እቲ ትምህርቲ ውጺኢታዊ ኪኽውን ኪኖ ድለየትን ባህጊን ወላዲ ኪኸይድ ኣለዎ። እዚ ኸእ ዕቱብ ተሳትፎ (ብግዜን ገንዘብን) ወላዲን መሳለጥያ ትምህርቲን ይሓትት። መሳለጥያ ትምህርቲ ነዞም ዝስዕቡ ይጥቕልል፤ ዕድመን ዓቕሚን ቈልዓ ዝሓለወ ስርዓተ-ትምህርቲ፡ ናውቲ-ትምህርቲን ኣመሃህራን።

ቅሩብነት ዕቱብ ተሳትፎ ወላዲ ከም ውሁብ ተወሲዱ፡ መሳለጥያ-ትምህርቲ ብኸመይ ኪርከብ ይከኣል፧

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝቐረበ ሕትቶ ኣብ ዝቕጽል ኪደህሰስ እዩ።

–ኣርኣያ ካሳ

ስደት መሰነይታ ውርደት!

ምምዕባልን ምዕቃብን ቋንቋ ኣብ ንጻረ ትርጕምን ኣጠቓቕማን ቃላቱ ይምርኰስ። ኣብ’ዚ፡ ግጉይ ኣጠቓቕማ “ስደት”ን መተካትኡን ኪድህሰስ እዩ። ሰባት፡ ብልማድ ይኹን ብዘይምሕሳብ፡ ካብ ሃገሮም/መበቈሎም ወጻኢ ንዝነብርሉ ቦታ ብስደት ክሰምይዎ ይስማዕ። ንእቶም (ነቶም) ኣብኡ ዝወለድዎምን ዘዕብይዎምን ደቆም ኣብ ስደት ይነብሩ ከም ዘልዉን ስደተኛታት ምዃኖምን ይእምቱሎም/ይምህርዎም። ነዚ ኣመልኪተ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሓደ መርበብ-ኢንተርነት ዝጸሓፍክዎ፡ ኣመዓራርየ አቕርብ።

ስደት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብዓጸባ፡ ካብ ንቡር መነባብሮ ቦታ ተመዛቢልካ ኣብ ካልእ ቦታ (ኣብ ውሽጢ/ወጻኢ ሃገር) ምኻድ፡ ምስ ረሃወ (በቲ ኣብ ቦታ-ስደት ዝተረኸበ ኰነ ኩነታት ንቡር-መነባብሮ ምስ ተመሓየሸ) ናብ ንቡር ቦታ ምምላስ ዜመልክት ግዜኣዊ ምቕያር ቦታ እዩ። ብተወሳኺ ስደት ዚብል ቃል ኣሉታዊ ኵነታት ናብራ ይገልጽ። ብስደት ዝጀመረ ግዜኣዊ ምዝንባል ቀዋሚ ኣይኸውንን ማለተ ግን ኣይኰነን። ቀዋምነት ዚዀነሉ ብ ልምዲ/ሕጊ እቲ ዘአንገደ ቦታ/ሃገር ይውሰን። ኣብ’ዚ ጽሑፍ ኣትኵሮ ዝተዋህቦ ንኣብ ምዕራብ-ኤውሮጳን ሰሜን-ኣመሪካን ንዝነብሩ እዩ።

ብዝተፈላለየ ምኽንያት – ዓጸባ፡ ዑቕባ፡ ስራሕ፡ ትምህርቲ – ናብ ምዕራብ-ኤውሮጳን ሰሜን-ኣመሪካን ብግዜኣዊነት ኣትዮም መዋእል ዘቝጸሩ፡ ንብረትን ሓዳርን ዝመስረቱ ኣለዉ። ኣብ መብዛሕቱ ምዕራብ-ኤውሮጳን ሰሜን-ኣመሪካን ተወሊዶም ዚዓብዩን ዚመሃሩን፡ ዝዓበዩን ዝተማህሩን፡ ቈልዑ ስደተኛ ዘይኰኑስ ምሉእ መሰል ዘለዎም ዜጋታት እቲ እተወለድሉ ሃገር፡ ቀወምቲ እምበር ግዝያዊ ነበርቲ ኣይኰኑን። ነዚ ኵነት ዚገልጽ ብቑዕ ቃል ክሳብ ዝርከበሉን ካብ’ቲ ቀንዲ ትርጕም ስደት ንኽፍለን፡ ነቶም መበቈሎም ኪፈልጡን ምስ መበቈሎም ጽኑዕ ምእትሳር ንኽህሉ ዚጽዕሩን ሰባት ኣብ “ዲያስፖራ” ዝነብሩ ምባል ይምረጽ (ካብ “ፈለሰ” ዝብል ሱር-ግሲ ተካኢ ቃል እንተ ዝመሃዝ ዝበለጸ ምዀነ)። ሰብኣዊ መሰል ብምግፋፍ ዝኽሰት ምዝንባል – ዑቕባነት እዩ። ከምኡ’ውን ኣብ “ወጻኢ ዝነብሩ” ዝብል ኣበሃህላ ከም “ስደት”፡ ነቶም ቈልዑ፡ መሰል ትውልዶም ስለ ዝነፍግን ኣብ ዕለታዊ ናብርኦም ተንጽሎን ቅልውላውን ዜሕድርን ኪኽወን ስለ ዝኽእል ካብ ምዝውታሩ ምቕቃብ ይምረጽ።
–ኣርኣያ ካሳ

ስለምንታይ ትግርኛ፧

ስለምንታይ ትግርኛ፧ እዚ ብነፍሲ-ወከፍ መምህር/ወላዲ ኣብ ዲያስፓራ ክምለስ ዘለዎ ሕትቶ እዩ።

“ቋንቋይ ስለ ዝዀነ” ብቑዕን ኣኻሊን መልሲ ኣይኮነን። ኪኖ እዚ ኣርሒቑ ዝጥምትን ነቲ ተምሃራይ (ቈልዓ) ሕመረት ዝገብርን ኪኸውን ይግባእ። ከም ኣብነት ኪጥቀሱ ዚኽእሉ፤ መበቈል ንምፍላጥ፡ ርእሰ ተኣማንነት ንምጥራይ፡ ዓቕሚ ሕብረ-ቋንቋ ንምድላብ፡ ባህልን-ልምድን ንምልውዋጥ፡ ኣኽባሪን ተቐባሊን ፍልልያት ደቅሰብ ንምዃን፡ ወዘተ.

ምስ እዚ ተለቂቡ ነፍሲ-ወከፍ ኪምለሶ ዘለዎ ሕትቶ፡ “ነዚ ዕላማ ኣብ ሸቶኡ ከብጽሖ እንታይ ስጉምቲታት ክወስድ ይግብኣኒ፧” ዝብል እዩ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝቐረበ ሕትቶ ኣብ ዝቕጽል ኪደህሰስ እዩ።

–ኣርኣያ