Archives

ካብ ብዓል ጣፍ፡ ብዓል ኣፍ

“ካብ ብዓል ጣፍ፡ ብዓል ኣፍ” እትብል ብሂል መስደም ወይ ግርምቢጥ ንዝዀነ ተርእዮ ንምግላጽ ተገልግል። ኪኢላ-ዘረባ ዝዀነ ሰብ ግን ጭብጢ ዘይብሉ፡ ኣብ ልዕሊ ጭብጢ ዘለዎ ሰብ፡ ጸብለልነት ከርእይ ኣብ ዝህቅነሉ እዋን ንምግታኡ እትዝውተር ብሂል እያ።
ካባ ቍውም-ነገር ብሂል ናብ ኣጸሓሕፋ ብምስጋር ናብ እዛ እትስዕብ እስከ ነቕልብ፤

“ካብ በዓል ጣፍ፡ በዓል ኣፍ”።

ካብ ምቕላብ ቀጺልና ንእዚኣን ንእታ ቀዳመይቲን ብጽሕፈት፡ ብኣደማምጻን ብመልእኽቲን ንዳህስስ፤

  1. ብጽሕፈት – ኣብ ጽሕፈት እንተ ኣቕለብና፡ ኣብ’ታ ቀዳመይቲ “ብዓል” ብ “ብ-ሳድስ-ፊደል”፡ ኣብ’ታ ካልአይቲ ከኣ “በዓል” ብ “በ-ግእዝ-ፊደል” ተጻሒፈን ግሁድ ፍልልይ ኣለወን።
  2. ብኣደማምጻ – ኣብ ንባብ፡ ካብ ርቀት ኣደማምጻ “ብዓል”ን “በዓል”ን እተላዕለ ፍልልይ ኣደማምጻ ዳርጋ ኣይክሰተለንን።
  3. በመልእኽቲ – ኣብ ትሕዝቶ መልእኽቲ እንተ ኣቕለብና፡ ካብ ትግባረ-ትሕዝቶ ምሉእ-ሓሳብን ካብ ምልከት ትግርኛን እተላዕለ፡ መልእኽተን ነብሰ-ብሩህ ኰይኑ፡ ፍልልይ የብለንን።

ኣብ ላዕሊ ብዝቐረበ ዳህሳስ፡ “ብዓል”ን “በዓል”ን ተወራረስቲ ድየን፧ እንተ ዘይኰና፡ ኣየነይተን እያ እታ ቅንዕቲ፧ ዝምድናአን ንምብራህ መዝገበ-ቃላታዊ መግለጺአን እንሆ፤

በዓል – ካብ ግሲ “በዓለ” ዝነቐለ ስም ኰይኑ ኣብ እተወሰነ ወርሓት፡ ዕለት ወይ እዋን ከቢሩ ዚውዕል መዓልቲ እዩ። ንኣብነት – በዓለ-ማርያም፡ በዓል ናጽነት።
ኣብ’ዚ ተወሳኺ ኪስትብሃል ዝግብኦ “ብዓል” ዝብል ቃል ኣብ ረባሓታ-ግሲ “በዓለ” ቅድመ-ጥብቆታት “ይ” ኣዛማዲን “ም” ስማዊን ኪሊቀቦ እንከሎ ከም ዝኽሰት እዩ። ምስ እቲ ቀጺሉ ዚግለጽ “ብዓል” ዝብል ቃል ዝምድና የብሉን። ንኣብነት – ይብዓል – እቲ ዕለት ከም ዝኽበር ይዅን (ከም ይብላዕ)፡ ምብዓል – ናይ በዓል ተግባር (ከም ምብላዕ) ከምኡ’ውን ይበዓል – ትዛዝ (ከም ይበላዕ)።

ብዓል – ናይ ሓደ ነገር ዋንነት ወይ ናይ ምህላው (ንጽል) ንምግላጽ ዚዝውተር ቅድመ-ጥብቆ ከምኡ’ውን ዝርዝር ናይ ብዙሕ ሰባት ንምጥቃስ ኣብ ክንዲ “እኒ” ዚዝውተር ቃል እዩ። ንኣብነት – ብዓል-ገመል፡ ብዓል-ኣመል (ገመል ዝውን፡ ኣመል ዘለዎ ሰብ)፣ ብዓል ኣብርሃም (እኒ ኣብርሃም)፡ ብዓል መን (እኒ መን) እዩ። ናይ “ብዓል” ብዙሕ “ሰብ” እዩ። ንኣብነት፤ ሰብ-ገመል፡ ሰብ-ኣመል።

መደምደምታ፤ “ብዓል”ን “በዓል”ን ተወራረስቲ ቃላት ኣይኰናን፡ ክልተ ዝተፈላለያ ትርጉም ዘለወን እየን። እታ ብሂል ንዋንነት ስለ እተመልክት እቲ ቅኑዕ ኣጸሓሕፈኣ እቲ ብ”ብዓል” ዝተጻሕፈ እዩ።

ኣብ ዝቕጽል፡ “ዝብኢስ ክሳዕ ዝደለዎ ይሕንክስ” እትብል ብሂል ክትቀርብ እያ።

ኣርኣያ ካሳ
15 ለካቲ 2015

Advertisements

ብዙሓት እናረኣዩኻ ብላዕ፡ ሓደ እናረኣየካ ኣይትብላዕ

ቅድሚ ናብ ርእሰ-ነገር ምእታው፡ እረማ
ኣብ ዝሓለፈ እታው (30 ታሕሳስ 2014)፡ ሳልሳይ ሕጡበ-ጽሑፍ፡ ሰዋስውኣዊ ጌጋ (ዘይምስምማዕ ብዓል-ቤትን ግሲን) ኣሎ። እቲ ስሕተትን መአረምታኡን ኣብ ታሕቲ ብጕሉሕ ተመልኪቱ ኣሎ።
ጌጋ፤
ኣብ ስነ-ጽሑፍ፡ ቃላት ብእቲ እሩም ቅርጾም ኪጸሓፉ ይግባእ፣ ስለ ዘይደናግር ከም ዘርከበ ምጽሓፍ ንደረጃን ምዕባለን ስነ-ጽሑፍ ይዕንቅጽ እዩ።
እሩም፤
ኣብ ስነ-ጽሑፍ፡ ቃላት ብእቲ እሩም ቅርጾም ኪጸሓፉ ይግባእ፣ ስለ ዘየደናግሩ ከም ዘርከቡ ምጽሓፍ ንደረጃን ምዕባለን ስነ-ጽሑፍ ይዕንቅጽ እዩ።

ናብ ርእሰ-ነገርና ንመለስ።

ሕመረት እዛ “ብዙሓት እናረኣዩኻ ብላዕ፡ ሓደ እናረኣየካ ኣይትብላዕ” እትብል ብሂል ንጽጕም ሓግዝ እዩ። እቲ ቀጥታዊ ኣቀራርባ ጽሑፋ ዝእምቶ፡ ንሓደ ሰብ ተባሂሉ ዝተቐረበ ምግቢ፡ ንብዙሓት ምክፋል “ንኣፍ ጠልቆም፡ ንኸብዲ ሓጥያት” ኰይኑ ንሓደ’ኳ ኣየዕግብን። ስለ’ዚ ሓደ ሰብ ንበይኑ ኪበልዕ ቅቡል እዩ። እንተኾነ፡ ንሓደ ሰብ ወይ ንካብ ሓደ-ንላዕሊ ዝዀኑ ሰባት ተባሂሉ ዝተቐረበ ምግቢ ተወሳኺ ሓደ ሰብ ኬዐንግል ይኽእል እዩ። ስልዚ ከኣ “ሓደ እናረኣየካ ኣይትብላዕ” እተባህለ። እቲ ውስጠ-ሚስጢራ ከኣ፡ ሓደ ወይ ውሑዳት እንክጽገሙ ስቕ ኢልካ ምርኣይ ዓገብ’ዩ፡ ሓገዝካ ኣወፊ ዝብል ምዕዶ ሰናይ ተግባር እዩ።

ኣብ ሰዋስውኣዊ ትንተና ዝቐረበት ምሉእ-ሓሳብ እስከ ነድህብ። እዛ ብሂል ብ “ብዙሓት እንዳ ረኣዩኻ ብላዕ፡ ሓደ እንዳ ረኣየካ ኣይትብላዕ” ተጻሒፋ ምርኣይ ልሙድ እዩ፣ ከምኡ’ውን “ረኣየ” ብ “ርኣየ” ክጸሓፍ ይግብኦ። ቅድም ዳህሳስ “እንዳ”ን “እና”ን እንሆ፤

ሓይሊ-ልማድ ጓዕጺጽዎ “እና” ብ “እንዳ” ተተኪኡ ኪጸሓፍን ከም ቅቡል ኪውሰድን ይርከብ። ኣብ ዝርርብ፡ ኣብ ትሕዝቶ መልእኽቲ ብምትኳር፡ ፍልልይ ምርድዳእ ኣይኽሰትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ወዝባዊ ንባብ ጽሑፍ። እንተዀነ “እና”ን ”እንዳ”ን ተወራረስቲ ቃላት ኣይኰኑን። ክልተ ዝተፈላለየ ትርጕም ዘለዎም ቃላት ኰይኖም ሓዲኦም ተውሳኽ-ግሲ እቲ ካልኣይ ከኣ ስም እዩ። ዋላ መልእኽቱ ርዱእ እንተዀነ፡ ፍልልዩ ንዝርድኦ ሰብ ከንብብን ክሰምዕን እንከሎ ሕርኽርኽ ይብሎ’ዩ። ሰዋስውኣዊ ድህሰሳኦም ምስ ኣብነታቱ እንሆ፤

“እና” (ቅድመ-ጥብቆ) ተወሳኽ-ግሲ እዩ። ክልተ ትርጕም ኣለዎ፤
ሀ. ኣገባብን ኵነትን ንምግላጽ ዚዝውተር። ንኣብነት – እናሰሓቐ ኣትዩ ። ተዓዘብ – ‘እንዳ ሰሓቐ ኣትዩ’ ዝብል ሙሉእ-ሓሳብ ጌጋ እዩ።
ለ. ምድግጋም ንምግላጽ ዚዝወተር። ንኣብነት – እናኪመጽእ ሓለዋት ይህበኒ (ኪመጽእ፡ ኪመጽእ እንከሎ)።

“እንዳ” ስም እዩ። ክልተ ትርጕም ኣለዎ፤
ሀ. ዝተፈላለየ ቦታት/ነገራት ዜምልክት 1. ቤት፡ ሰፈር፡ መንበሪ 2. መቐመጢ፡ መትሓዚ፡ መዕቖሪ፡ 3. ሸቐጥ፡ ኣገልግሎት ንግዲ፡ ዕዳጋ ዝካየደሉ ቦታ።
ንኣብነት – እንዳ ኣብርሃም (ኣብርሃም ዝነብረሉ/ዝውንኖ ቤት)፡ እንዳ ጨው/በርበረ (ጨው/በርበረ ዝቕመጠሉ ኣቕሓ)፡ እንዳ ሻሂ (ሻሂ ዝሽየጠሉ ቦታ)።
ለ. ጃንዳ፡ ዓሌት፡ ማይ-ቤት የመልክት (ብዙሕ – እንዳታት)።
ከምኡውን “እንዳ” ከም ክንዲ-ስም የገልግል እዩ። ንኣብነት – “እንዳ ማርያም ተሳሊመ” ኪጸሓፍ እንከሎ “እንዳ” ን “ቤተ-ክርስትያን” ዚትክእ ምዃኑ ብግሲ “ተሳሊመ” ብሩህ እዩ። “እንዳ ሚካኤል ከይደ” ኪበሃል እንከል ግን ብሩህ ኣይኰነን፡ መልእኽቲ ዘነጽር ተወሳኺ ሓበሬታ የድልዮ። ምኽንያቱ እቲ “እንዳ” ን”ቤት” ሚካኤል ዝተብህለ ሰብ ወይ ከኣ ን”ቤተ-ክርስትያን” ቅዱስ ሚካኤል ኬመልክት ስለ ዝኽእል።

ረኣየ ወይ ርኣየ ፧

ሱር-ግሲ ‘ረኣየ’፡ “ኣ” ጓዕጺጽዎ ንምጥዕዓም-ድምጺ እንተ ዘይኰይኑ ብመጐት “ርኣየ” ኢልካ ኪጸሓፍ ኣለዎ። ን’ረኣየ’ን ከምኡ ዝኣመሰሉን ሱር-ግሲታ ስለ-ምንታይ ብሳድስ-ፊደል ኪጅምሩ ከምዘለዎም ቅድሚ ሕጂ ዝቐረበ መጐት ኣሎ (ኣርኣያ ካሳ፡ 2013)። እዚ ከኣ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ኣብ ዓምዲ ልሳናትን ተዛረብቶምን” ካብ ዝወጹ ዓንቀጻት ዝተበገሰ እዩ። ንምክትታሉ ንኽጥዕምን ከም መያይጢ ‘ኣርእስቲ’ ንኬገልግልን ኣብ ዝቕጽል እታው ንበይኑ ኪቐረብ እዩ።

መወከሲ-ጽሑፍ

ኣርኣያ ካሳ (2013 መስከረም 9)። ዓምዲ ልሳናትትን ተዛረብቶምን ወ ባህሪ ኣደማምጻ (ዘይተሓትመ)።

ኣብ ዝቕጽል፡ ”ረኣየ ወይ ርኣየ ፧” ብዝብል ኣርእስቲ እቲ ቅኑዕ “ርኣየ” ምዃኑ ኪግለጽ እዩ።

ኣርኣያ ካሳ
18 ጥሪ 2015

ምስ ህዝብኻ መዓት ዳርጋ ገዓት

ሕመረት እዛ “ምስ ህዝብኻ መዓት ዳርጋ ገዓት” እትብል ብሂል ምትብባዕ፡ ሓልዮት፡ ምቅርራብን ምትሕግጋዝን እዩ። ሓደ ንብዙሓት ዝትንክፍ ሓባራዊ ጸገም ከም ንዉሱናት ዝወረደ ሕማቕ ዕጫ ኣይርኣይን። ብኣንጻሩ፡ ንእቲ ጸገም ንምፍታሕ ኰነ ሳዕቤኑ ንምድዕዓስ ኩሉ ጽጉም ኢደይ-ኢድካ ብምባል ሓባራዊ ቈላሕታ ኬንብር ምርኣይ ባህርያዊ እዩ። እቲ ሕማቕ ኵነት፡ ብናይ ሓባር ጻዕሪ ኰነ ብባህርያዊ ኵነት፡ ምስ ሓለፈ ናይ ሓባር ተመክሮን ተዘክሮን ይኸውን።

ንእግረ-መንገዲ፡ ኣብ’ዛ ብሂል ዝርከባ ክልተ ቃላት፡ “መዓት ገዓትን”፡ ብሰዋስውኣዊ ዓይኒ ኪድህሰሳ እየን። እዚ ዳህሳስ ኣብ ብቅርጺን (ጽሕፈት) ብኣደማምጻን ዝኽሰት ምድንጋር ዘተኰረ እዩ። ከምኡ’ውን ንእዚ ዝኽሰት ምድንጋር መጐታዊ ፍታሕ ኪቐርብ እዩ። እስከ በብሓደ እዘን ክለተ ቃላት ይረኣያ፡ ፈለማ “መዓት”፤

መዓት”፡ ብቅርጺ “መዓት” ከምኡ’ውን ‘ማዓት’ ኰይኑ ኪጸሓፍ ይርአ። ብኣደምምጻ፡ ካብ ርቀት-ድምጺ እተላዕለ፡ ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ምሉእ-ሓሳብ፡ ኣብ ክልተኦም ዳርጋ ፍልልይ ኣይክሰትን፡ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ’ውን ኣየደናግርን። ኣብ ስነ-ጽሑፍ፡ ቃላት ብእቲ እሩም ቅርጾም ኪጸሓፉ ይግባእ፣ ስለ ዘይደናግር ከም ዘርከበ ምጽሓፍ ንደረጃን ምዕባለን ስነ-ጽሑፍ ይዕንቅጽ እዩ። ካብ ክልተኡ ግን ኣይናይ’ዩ እቲ ቅኑዕ፧ መልሲ ዝርከብ ንካልኦት ተመሳሳልቲ ቃላት ኣወዳድቖም ብምዕዛብ እዩ። እሰክ ንእዞም ዚስዕቡ ንተዓዘብ፤ መርገም፡ መብጽዓ፡ መሃረብ፡ መሳልል፡ መሳርያ፡ መሻጢ፡ መባእ፡ መኣዝን፡ መሬት …። ኵሎም፡ ብዘይ ጽልዋ እቲ ሲዒቡ ዝመጽእ ፊደል፡ ብግእዝ-ፊደል ይጅምሩ። ካብ እዚ ብምብጋስ ከኣ እቲ ቅኑዕ ቅርጺ “መዓት” ኪኸውን ይግባእ። ፊደል “ዓ”፡ ከም “መጠዓዓሚ ድምጺ”፡ ንእቲ ቅድሚኡ ዘሎ ግእዝ-ፊደል ናብ ራብዕ-ፊደል ናይ ምቅያር ጽልዋ ከም ዘሎዎ ኣብ ካልኦት ተመሳሰልቲ ቃላት እውን ይገሃድ እዩ። ኣብ ከምዚ መዋጥር ክኣትዉ ዝኽእሉ ገለ ንምጥቃስ፤ መዓልቲ፡ መዓር፡ መዓርግ፡ መዓስ፡ መዓንጣ። ‘ማዓት’ ምስ ኣደማምጻ “መዓት” ቅርበት ዘለዎም እምብር ትርጉም ኣልቦ ቃል እዩ።

ብተወሳኺ፡ መዓት (ስም) ድርብ መዝገበ-ቓላታዊ ትርጉም ሒዙ ይርከብ። ሓደ ካብ ትርጕሙ፡ ከምቲ ኣብ’ዚ ብሂል ዝሓዘሎ፡ ኣሉታዊ መልእኽቲ እዩ፣ ከም መርገም፡ መቕዘፍቲ፡ ብርቱዕ ጕድኣት ዜመልክት ኵነት። ኣብነት፡ “ካብ መዓቱ ይሰውረና”። ካልኣይ ትርጕሙ፡ ብልማድ ዓቐን ንዘይብሉ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ዝዀነ ነገር ንምግላጽን ከም መግለጺ መወዳድርቲ ኣልቦን ይዝውተር’ዩ። ኣብነት፡ “መዓት ህዝቢ ተኣኪቡ”፣ “ክጽብቕ መዓት እዩ”። ኣብ ስነ-ሑፍ፡ እቲ ኣሉታዊ ትግባረኡ ጥራይ ይዘውተር።

እታ ካልአይቲ ቃል፡ “ገዓት”፤

ብቅርጺ፡ “ገዓት” ከምኡ’ውን “ግዓት” ክትጸሓፍ ልሙድ እዩ። ብኣደምምጻ፡ ካብ ርቀት ድምጺ እተላዕለ፡ ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ምሉእ-ሓሳብ፡ ኣብ መንጎ እዘን ቃላት ፍልልይ ኣይክሰትን፡ መልእኽተን’ውን ብእቲ ዝተተግበረሉ ምሉእ-ሓሳብ ተመሊኹ ርዱእ ይኽወን። ብትርጓመ መዝገበ-ቓላት ግን እዘን ቃላት ክልተ ዝተፈላለያ እየን። ሓንቲአን “ስም” እታ ካልአይቲ ከኣ “ግሲ (ትእዛዛዊ)” እየን። ኣየነይቲ “ግሲ”፧ ኣየነይቲኸ “ስም”፧ ብኸመይ ይልለያ፧

እዞም ብቅርጺን ብትርጕምን ፍሉያት ዝዀኑ፡ ብኣደምምጻ ግን ክንጸሩ ዘይኽእሉ ቃላት ንምልላይ ምስ ካልኦት፡ ተመሳሳሊ ቅርጺ ዘለዎም፡ ብኣደማምጻ ዘየደናግሩን ትርጕሞም ንጹር ዝዀኑን ቃላት ብምንጽጻር እዩ። ብዝበለጸ፡ ቃላት ካብ ሱር-ግሲኦም ጅሚርካ ረባሓታኦም ብምድህሳስ እዩ ዝንጸር።

ናይ “ገዓት/ግዓት” ሱር-ግሲ “ገዓተ” እዩ። ናይ “በልዐ” ካልኣይ-ኣካል፡ ተባዕታይ-ጾታ፡ ትእዛዝ ረባሕታ “ብላዕ” እዩ። ከምኡ’ውን ናይ “ጸሓፈ“ – “ጽሓፍ“፡ ናይ “ሓለበ“ – “ሕለብ“። እቲ ጀማሪ ግእዝ-ፊደል ናብ ሳድስ-ፊድል ምቕያር ተዓዘብ። ብተዛማዲ ከኣ ናይ “ገዓተ“ – “ግዓት“ ኢልካ ኪጸሓፍ መጐታዊ እዩ። ስለዚ “ግዓት“ ግሲ (ትእዛዛዊ) እዩ፣ “ገዓት” ከኣ ስም ምዃኑ ንምስትብሃል ኣብ ላዕሊ ብዛዕባ ”መዓት” ዝተጻሕፈ ምውካስ ይከኣል። ኣብነት፡ “ኣታ ዓርከይ፡ ንድራርና ዝኸውን ገዓት ግዓት (ብሕጺሩ – ‘ንድራርና ዝኸውን ግዓት’)”። ንእዚ መጐት ዘይኽተል ሱር-ግሲ ከኣ እንሆ፤ ደቀሰ – ደቅስ (ትእዛዛዊ)፡ ድቃስ (ስም)።

ኣብ ዝቕጽል፡ “ብዙሓት እናረኣዩኻ ብላዕ፡ ሓደ እናረኣየካ ኣይትብላዕ” እትብል ብሂል ክትቀርብ እያ።

ኣርኣያ ካሳ
30 ታሕሳስ 2014

ዋላ ትንፈር ጤል’ያ ኢለካ’ለኹ

መንቀሊ እዛ “ዋላ ትንፈር ጤል’ያ ኢለካ’ለኹ” እትብል ብሂል፡ ትርኽ ክልተ ኣዕሩዕኽ እዩ።

ክልተ ኣዕሩኽ ኣማዕድዮም ገለ ነገር ረኣዩ። ንእቲ ዝረኣይዎ ነገር እንስሳ ምዃኑ ተሰማምዑ። እንተ ዀነ እንታይ ዓንይነት እንስሳ ምዃኑ ኣብ ዝግምትሉ እዋን ግን ኣይተቓደዉን። ሓደ ኣባጕምባሕ’ዩ ይብል፡ እቲ ሓደ ከኣ ጤል’ያ ይብል። ድሕሪ ነዊሕ፡ “ኣብጕምባሕ’ባ፡ ጤል’ባ” ኢልካ ምውጣጥ፡ እቲ ካልኣይ እምኒ ኣልዒሉ ናብ’ቲ እንስሳ ዘለዎ ኣንፈት ሰንደወ። እቲ እንስሳ ከኣ ነፈረ። “ርኤኻ! እታ እንስሳ ነፊራ። ጤል እንተ ትኸውን ኣይምነፈረትን” በሎ። እቲ ቀዳማይ፡ ቍልቍል ዝኣፉ፡ “ዋላ ትንፈር ጤል’ያ ኢለካ’ለኹ” ኢሉ መለሰሉ።

እዛ ጥሩፍ ኣበሃህላ ብሓፈሽኡ ንቕጽና፡ ዝቐረበ እንተ ቀረበ ብመርትዖ ዘይምእማን ንዝረአ ባህሪ ንምግላጽ ዝዓለመት እያ። እንተዀነ ኣብ መንጎ ክልተ ዝተፈላለይ ርእይቶ ንዝርአ ጋግ ናይ ምጽባብ ወይ ናይ ምርዳድእ ዓቕሚ ምስ ዝሕርብት ከም መህደሚ እያ እተገልግል። መብዛሕቱ ግዜ በቲ “ኣነ ዝበልክዎ ስለምንታይ ዘይተሰምዐ” ዝብል ወገን እያ ትቐረብ።

ኣብ ዝሓለፈ (እታው 9 ነሓሰ 2014) ምስ “ከይንሰማማዕ ተሰማሚዕና” ክትተእሳሰር ከም ዝፍተን ተጠቒሱ ነይሩ። እዚ ከኣ ኣብ ክንዲ “ዋላ ትንፈር ጤል’ያ ኢለካ’ለኹ” ኢልካ ትተፋነንን ንእቲ ርክብ ሕድሕድ ተኽሕንን፡ እቲ ዝሓሸ ነቲ ጕዳይ ኣዋጣሪ ብዘይኰነ መንገድ ምዕጻው እዩ። እዚ ከኣ “ንስኻ ጤል ትብላ ኣነ ኸኣ ኣባጕንባሕ እብላ፡” በዛ ጉዳይ ኣብ ናይ ሓባር መደምድምታ ክንብጽሕ ከም ዘይንኽል ንሰማማዕ፡ ናብ ካልእ ነገር ከኣ ንስገር ብምባል እዩ።

ኣብ ዝቕጽል፡ ”ምስ ህዝብኻ መዓት ዳርጋ ገዓት” ዝብል ብሂል ኪቐረብ እዩ።
ኣርኣያ ካሳ
27 ነሓሰ 2014

ከይንሰማማዕ ተሰማሚዕና

እዛ ኣበሃህላ፡ “ንከይንሰማማዕ ተሰማሚዕና” (“ን” መጻ. ኣብ ክንዲ “ምእንቲ”)፡ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ኣብ ኣርብዓታት፡ ኣብ ምውሳን መጻኢ ኤርትራ ኣብ ዝነበረ ቍርቍስ፡ ከም ዝበልዋ እትነገር ኣፈ-ታሪኽ እያ። እንተዀነ፡ ቅድሚ 200 ዓመታት፡ ካብ’ቲ ኣቶ ወልድኣብ ኢሎምዎ ዝተባህለሉ እዋን፡ ብእንግሊዝኛ ከም ዝተቀልቀለት ሓበሬታ ከም ዘሎ “ዊከፕድያ” ይሕብር። ኣበሃህላኣ፡ ብእግሊዝኛ እወታዊ (ንከይንሰማማዕ ንሰማማዕ – ህልዊ)፡ ብትግርኛ ከኣ ኣሉታዊ (ከይንሰማማዕ ተሰማምዕና – ሕሉፍ) ተስምዕ።

ኣሉታዊ ትግባረኣ፡ ሓደ ጉዳይ ተላዒሉ ምርድዳእ ምስ ዝሰኣን ክንረዳዳእ ክእለት ከም ዘይብልና፡ ቅቡል ወሲዱ፡ ጭብጢ ዘቕርብ እዩ። ውጽኢቱ ህልኽን ቅርሕንቲን ኰይኑ ሓባራዊ ርድኢት ንዘለዎም ዕማማት ብምትሕብባር ከይትግበሩ ይዕንቅጽ።

እቲ እወታዊ ትርጉም ግን፡ ኣብ ሓደ ኣካታዒ ጉዳይ፡ ኣብ ናይ ሓባር ርድኢት ምስ ዘይንበጽሕ፡ “ናተይ-እባ፡ ናተይ-እባ” እዩ እቲ ቅኑዕ እናተባሃሃልና ኣይንዋጠጥ፣ ዘይነበረ ቅርሕንቲ ኣይነምጽእ። ኣብቲ ጉዳይ ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ከም ዘለናን ኣብ ሓደ ነጥቢ ክንብጽሕ ዘይምኽኣልናን ከም ርዱእ ወሲድና፡ ናብ ካልእ፡ ብሓባር እንረዳድኣሉ ጉዳይ ንስገር እዩ። ውጽኢቱ ከኣ ሓባራዊ ርድኢት ንዘለዎም ዕምማት ከም ዝሰላሰሉ ይገብር።

እዛ “ንከይንሰማማዕ ተሰማሚዕና” እትብል ብሂል ምስ ኣብ ዚመጽእ ግዜ እትድህሰስ፡ “ዋላ ትንፈር ጤል’ያ ኢለካ’ለኹ” እትብል ብሂል፡ ክትተኣሳሰር ኪፍተን እዩ።

ኣርኣያ ካሳ
9 ነሓሰ 2014

ምብላዕ ምብልዑስ ዝብኢ ዓድና ይብልዓዮ

ምብላዕ ምብልዑስ ዝብኢ ዓድና ይብልዓዮ
ኣብ ዝሓለፈ እታው (29 መጋቢት 2014 )፡ ብሂል “’ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቈላ’፡ በለት ኣድጊ” ዝብል ብ ኣንደበት ኣድጊ ዝወጸ ቀሪቡ። ብሂል “ምብላዕ ምብልዑስ ዝብኢ ዓድና ይብልዓዮ” እውን ኣብ ኣድጊ ዝተመርኰሰት እያ። እዛ ኣበሃህላ ሓልዮትን ቅርሕንቲን ብሓባር ተአንግድ።
ዛንታ መንቀሊ ብሂል ከም’ዚ ዝስዕብ’ዩ፤ ደቂ ሓደ ዓዲ፡ ኣብ ዕዳጋ ውዒሎም ንዓዶም ክመለሱ እንከለዉ፡ ኣብ መንገዲ ሓደ ኣድጊ ይሞቶም። ብሞት ኣድጊ ሓዚኖም ኣብ ክንዲ ገዲፎሞ ወይ ‘ቀቢሮሞ’ ዝኸዱ፡ ዝብኢ ጐደቦ-ዓዲ ንኸይበልዖ፡ ንዓዶም ጐሲሶም ንኽወስድዎ ይሰማምዑ።
እቲ ሓልዮታዊ መልእኽቲ – ሓደ ነገር ንሕና ዘይንጥቀመሉ እንተዀይንና፡ ኣብ ክንዲ ዝባኽን፡ ካልእ ናትና ወገን ዝኾነ ይጠቐምሉ ዚብል እዩ። እቲ ቅርሕንታዊ መልኽቲ ከኣ – ሓደ ነገር፡ ዘይረብሕ፡ ጐዳኢ’ውን ይዅን፡ ጐደቦ-ዓዲ (ጓና)፡ ባህ ከይብሎም፡ ንውሰዶ ዚብል እዩ። እዚ ዳሕራይ መልእኽቲ መስደምም ዝግብሮ፡ ካብ ሞት ኣድጊ፡ ምእላይ ዝሞተት ኣድጊ ዘሕዝንን ዘድክምን ምዃኑ ዝገልጽ፡ “ኣድጊ ካብ ‘ምማታ’ ምጕታታ” ዝብል ብሂል ከም ዘሎ ምስ ዝዝክር እዩ።
ኣድጊ፡ ብፍላይ ኣብ’ቲ ድሑርን ትሑትን ዝዓቕሙ ሕብረተ-ሰብ፡ ከም መጽዓኛ ዘበርክቶ ልዑል ኣገልግሎት እኳ እንተ’ሎ፡ መብዛሕቱ ግዜ መመሰል ኣሉታዊ ኵነት – ከም ኣብዲ፡ ሰኸም፡ ጾታዊ ምንእኣስ፡ … – እዩ ዝዝውተር።
ካብ ኩሉ ዝገርመኒ፡ ሕጂ ክዝክሮ እንከልኹ ሳዕቤኑ እንታይኮን ኰይኑ ይኽወን ብምባል ዘተሓሳስበኒ፡ ኣብ መወዳእታ 50ታት፡ ኣብ መባእታ ቤት-ትምህርቲ ጥልያን፡ ኣስመራ፡ ን’ሰነፋት’ ዝግበር ዝነበረ ኣተሓሕዛ እዩ። ተምሃሮ ናብ ክፍሊ ብመስርዕ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ንእቶም ‘ሰነፋት’ ዝተባህሉ (ትሕቲ 10-ዓመት ዝዕድመኦም!)፡ ብወረቐት እተሰርሐ፡ ክልተ-ነዋሕቲ ኣእዛን ኣድጊ ዝቕርጹ፡ ቆቢዕ ኣውድዮም ኣብ መረባ ብመስርዕ ደው የብልዎም። እቶም ዝኣትዉ ተመሃሮ እና ኣላገጽሎምን እና ሰሓቕዎምን (“asino (ኣድጊ)” እናበሉ) ይኸዱ ነበሩ።
ዝተፈላለየ ኣገላልጻን መበቈልን እዚ ኣሉታዊ መመሰል ኣድጊ ንምድህሳስ ኣብ’ዚ ዚስዕብ ምኻድ።
http://en.wikipedia.org/wiki/Donkey#Cultural_references
ኣብ ዝቕጽል፡ “ከይንሰማማዕ ተሰማሚዕና” ዝብል ብሂል ኪቐረብ እዩ።
ኣርኣያ ካሳ
11 ሓምለ 2014

ድሕረይ ዳንዴር ኣይብቈላ በለት ኣድጊ

ድሕረይ ዳንዴር ኣይብቈላ በለት ኣድጊ
እዛ ብሂል እዚኣ ትምኒት ቀናእ መንፈስ ተንጸባርቕ። “ሳዕሪ” ኣብ ክንዲ “ዳንዴር” እውን ኣብ’ዛ ብሂል ይዝውተር እዩ። ኣብ’ዚ “ዳንዴር” ዝተሓርየሉ ምኽኒት ምስ እቲ ኣሉታዊ መልእኽቲ ብሂል ዝያዳ ስለ ዜድምዕ እዩ። ምስላን ግጥሚን፡ ንስምምዕ ረምታ፡ መጐት እሩም ጽሕፈት-ሰዋስው ኬፍርስ ቅቡል እዩ። ከምኡውን ቀጥታዊ-ጥቕሲ፡ ዋላ እሩም ኣይኹን፡ ከም እተባህለ ኪጸሓፍ ስለ ዘለዎ፡ ኪእረም ትጽቢት ኣይገበረሉን። ካብ’ዚኦም ወጻኢ ግን፡ ምልኡ-ሓሳባት ብእሩም ሰዋስው ኪጸሓፉ ይግባእ። እዛ ብሂል፡ ከም ቀጥታዊ ጥቕሲ፡ “’ድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቈላ፡’ በለት ኣድጊ” ተባሂላ ኪትጸሓፍ ቅቡል እዩ። እንተ ዀነ ከም ርእሳ ዝኸኣለት ምሉእ-ሓሳብ ኪትጸሓፍ እንተ ዀይኑ ቅድመ-ጥብቆ መስተዋድድ “ብ” የድልያ። “ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቈላ፡ በለት ኣድጊ” ኢልካ ኸኣ ትጽሓፍ። መልእኽታኸ፧
ኣብ’ዚ ኣበሃህላ “ብድሕረይ” ማለት ሓደ ሰብ ካብ’ቲ ዝነብረሉ ቦታ፡ ብሞት ወይ ናብ ካልእ ቦታ ብምኻድ፡ ምእላይ ማለት እዩ። መልእኽቲ ብሂል፡ “ኣነ እንተ ዘይረባኹስ ካልእ’ውን ኣይርባሕ” ዝብል ቀናእ-መንፈስ ዝሓደሮ ትምኒት ሰብ ትገልጽ። ኣነ ተረባሒ እንተ ዘይኰንኩ ዋላ ዘይረብሕ ነገር፡ ከም ዳንዴር፡ እውን ኣብ’ቲ ኣነ ዝነብረሉ ዝነበርኩ ቦታ ኣይፈጠረ። ብኣንጸር እዚ፡ “ብድሕረይ ይጥዓሞም/ይጥዓመን” ዝብል ሰናይ ትምኒት ተመራጺ እዩ።
ኣብ ዝቕጽል፡ ብሂል “ምብላዕ ምብልዑ’ስ ዝብኢ ዓድና ይብልዓዮ” ዝብል ብሂል ኪቐረብ እዩ።
ኣርኣያ ካሳ
29 መጋቢት 2014