Archives

ዝምድና ግእዝን ትግርኛን “ካብ ብወረ፡ ብእተነጸረ”

ዝምድና ግእዝን ትግርኛን
“ካብ ብወረ፡ ብእተነጸረ”
ኣርኣያ ካሳ
2ይን መወዳእታን ክፋል

ኣብ ዝሓለፈ (1ይ ከፋል)፡ ብዘይ መርትዖ ንዝቐረበ ድምዳመ ርዕመት-ቓላት ትግርኛ ኣብ ሕትቶ ዘእቱ ቀሪቡ። ብተወሳኺ፡ ብኣንጻሩ ዝተረኸበ ኣፈናዊ ዳህሳስ ዝያዳ ኣእማኒ ከም ዝኾነ ኣርባዕተ ጭብጢታት ተዘርዚሮም፣ ክልተ ካብ’ቶም ኣርባዕተ ጭብጢታት ከኣ ቀሪቦም ነይሮም። ኣብ’ዚ፡ እቶም ዝተረፉ ክልተን ድምዳመ ጽሑፍን ይቐርቡ፣ እንሀዉ ድማ፤

(ሐ). ትግርኛ ካብ ግእዝ ኮነ ካብ ካልእ ቋንቋ፡ ብሳድስ ዚወድእ፡ ዝተለቅሖ ቃል ናብ ሳልስ ይቕይር ዝብል ድምዳመ: መርትዖ ኣይቀረበሉን። እተን (ብተኪአ) ዝቐረባ ኣብነታት ሚዛናዊያን ኣይኮናን፣ እንታይ ደኣ፡ ንእቲ ኣቐዲሙ ዝተደምደመ ከም ዚሰማማዓ ኮይነን እየን ቀሪበን። ንነባቢ ኣፋፍኖት ንምሃብን ንዝያዳ ምርምር ንምዕዳምን፡ ኣፍረስቲ ኣብነታት ኪቐርቡ እዮም። እቶም ዝቐርቡ ኣብነታት ካብ እታ መጽሓፍ (መባእታ ሰዋስውን ስነ-ጽሑፍን ትግርኛ) እተወስዱን ብወገነይ ዝኣከብክዎምን ቃላት እዮም። ኣብ እቶም ዘቕርቦም ቃላት፡ ኣብ ውሽጢ ሓጹር ዝኣተወ ቃል እንተ ኣሎ፡ ብያታዊ ስርዓተ-ጽሕፈትን ብግእዝን እዩ። እንተ ዘየሎ ግን ብዘመናዊ ስርዓተ-ጽሕፈትን ብያታዊ ስርዓተ-ጽሕፈትን ኣጽሓሕፍኦም ሕደ እዮም ማለት እዩ። ኣብ ትግርኛ ክልተ ዓይነት ስርዓተ-ጽሕፈታት ኣሎዉ፣ መግለጺኦም ኣብ እታው 6 ነሓሰ 2015 ዘፊሩ ኣሎ።

ኣብ ገጽ 125 እታ መጽሓፍ፡ ተኪአ ተስፋይ ዝጠቐሶም 15 ስማት ኣሎዉ። ካብ’ዚኦም እቶም ዝበዝሑ (11) ሳድሶም ዚዕቅቡ እዮም። ንሳታም ከኣ፡ ናብ ሳልስ ዝቕየሩ ብምጕላሕ እነሀዉ፤ ህይወት (ሕይወት)፡ ልጓም፡ ስገም፡ ንጉስ (ንጉሥ)፡ እምኒ (እብን)፡ ቍሪ (ቍር)፡ ኵዕንቲ (ኵዕንት)፡ ክዳን፡ ዝባን (ዘባን)፡ ዝናብ (ዝናም)፡ ድባብ፡ ግራት (ገራህት)፡ ጒንዲ (ጕንድ)፡ ጥምቀት፡ ጽላል (ምጽላል) እዮም።

ኣብ ርእሲ እቲ ብተኪአ ተስፋይ ንመጐቱ ዘፍርስ ዝቐረበ ጭብጢ፡ ብወገነይ ዝኣከብክዎም፡ ብሳድስ ዝወድኡ ቃላት-ግእዝ፡ ኣብ ሓሙሽተ ጕጅለታት መቒለ አቕርብ። ካብ እዚኣቶም፡ ናብ ትግርኛ ኪርዕሙ እንከለው፡ ዝበዝሑ ሳድሶም ከም ዚዕቅቡ ከርእይ እየ። እቶም ሓሙሽተ ጕጅለታት እዞም ዚስዕቡ እዮም፤
(1). ኣብ መባእታ ሰዋስው ዝርከቡ ስነ-ቓላት (2). ስማት መዓልቲታት ሰሙን፡ (3). ስማት ኣዋርሕ ዓመት (4). ስማት ኣካላት-ሰብ (5). መዓርጋዊ ኣቆጻጽራን እዮም።

(1). ስነ-ቓላት ሰዋስው፤ ካብ’ተን ትሽዓተ (9) ቀንዲ ስነ-ቓላት ሰዋስው፡ ብዘይካ ሓንቲ (ቃል-ኣጋንኖ)፡ መበቈለን ካብ ግእዝ እየን፣ ኵላተን ከኣ ብሳድስ ይውድኣ። ናብ ትግርኛ ኪርዕማ እንከለዋ፡ ብዘይካ ሓንቲ (ግሲ (ግሥ))፡ ኵላተን (7) ብሳድስ ይውድኣ። እቲ ብተኪአ ዝቐረበ መጐት ኣእማኒ ንኪኽውንን ትግርኛዊ ላዛ ንኽሕዛን (ዝበዝሓ) ናብ ሳልስ ክቕይራ ነይርወን። ሰዋስዊ፡ ስሚ፡ ክንዲ-/ተወላጠ-ስሚ፡ ቅጽሊ፡ ግሲ፡ መስተዋድዲን፡ መስተጻምሪን (መስተፃምር) ኪበሃላ ነይረወን። እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ከም ዘይኮነ ብሩህ እዩ።

(2). ስማት መዓልቲታት-ሰሙን፤ እተን ሸውዓተ (7) መዓልቲታት ሰሙን መበቈለን ካብ ግእዝ እዩ፣ ኵላተን ከኣ ብሳድስ ይውድኣ። ናብ ትግርኛ ኪርዕማ እንከለዋ፡ ብዘይካ ሓንቲ (ዓርቢ)፡ ኵላተን (6) ብሳድስ እየን ዝወድኣ። እቲ ብተኪአ ዝቐረበ መጐት ኣእማኒ ንኺኽውንን ትግርኛዊ ላዛ ንኽሕዛን (ዝበዝሓ) ናብ ሳልስ ክቕይራ ነይርወን። ሰኑዪ፡ ሰሉሲ፡ ረቡዒ፡ ሓሙሲ፡ ዓርቢ፡ ቀዳሚ፡ ሰንበቲ ክበሃላ ነይርወን። እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ከም ዘይኮነ ብሩህ እዩ።

(3). ስማት ኣዋርሕ-ዓመት፤ እተን ዓሰርተው-ክልተ (12) ኣዋርሕ-ዓመት መበቈለን ካብ ግእዝ እዩ፣ ካብኣተን፡ ሸሞንተ (8) ብሳድስ ይወድኣ። ናብ ትግርኛ ኪርዕማ እንከለዋ፡ ብዘይካ ክልተ ብሳልስ ዝውድኣ (ጥቅምቲ፡ ጥሪ)፡ እተን ዝተረፋ ሽዱሽተ (6) (መስከረም፡ ሕዳር (ኅዳር)፡ ታሕሳስ (ታኅሣሥ)፡ ለካቲት፡ መጋቢት፡ ግንቦት) ሳድሰን ይዕቅባ።

(4). ስማት ኣካላት ሰብ፤ ኣብ’ዚ ዝርዝር 40 ስማት ኣካላት-ሰብ፡ ብግእዝ፡ ተጠቒሶም ኣለዉ። ካብኦም፡ እቶም ብዛድስ ዝውድኡ ቃላት-ግእዝ፡ ናብ ትግርኛ ኪርዕሙ እንከለዉ፡ እቶም ሳድሶም ዚዕቅቡ ይበዝሑ (26)።፤ ልሳን፡ ልሳናት፡ ቢ (ልብ)፡ ሓሞት (ሐሞት)፡ ሕንብርቲ (ሕንብርት)፡ መልክዕ (መልክእ)፡ ርእሲ (ርእስ)፡ ኣርእስቲ (አርእስት)፡ ስኒ (ስን)፡ ኣስናን (አስናን)፡ቅርኒብ (ቅርንብ)፡ ብርኪ (ብርክ)፡ ኣብራኽ (አብራክ)፡ ኣምዑት (አማዑት)፡ ኣፍ (አፍ)፡ ኣካል (አካል)፡ እዝኒ (እዝን)፡ ኢድ (እድ)፡ ኣእዛን (አእዛን)፡ እግሪ (እግር)፡ ኣእጋር (አእጋር)፡ ኣጻብዕ (አጻብዕ)፡ ክሳድ (ክሣድ)፡ ከርሲ (ከርሥ)፡ ከንፈር፡ ከናፍር፡ ኵሊት፡ ኰላሊት (ኵልያት)፡ ኵርናዕ፡ ዓይኒ (ዐይን)፡ ኣዕይንቲ (አዕይንት)፡ ደም፡ ገጽ፡ ገጻት፡ ጡብ (ጥብ)፡ ኣጥባት (አጥባት)፡ ጸጕሪ (ጸጕር)፡ ጽፍሪ (ጽፍር)፡ ኣጽፋር።

(5). መዓርጋዊ ኣቆጻጽራ፤ ካብ ቀዳማይ ክሳዕ ዓስራይ ዘለዉ ዓሰርተ (10) መዓርጋዊ-ኣቆጻጽራ መበቆሎም ግእዝ እዩ። ብፊደል ኪጽሓፉ እንከለዉ፡ ኵሎም፡ ብሳድስ ይውድኡ፣ ከም ዘለውዎ ከኣ ናብ ትግርኛ ርዒሞም እዮም። እዚኣቶም፤ ግእዝ፡ ካዕብ፡ ሳልስ (ሣልስ)፡ ራብዕ፡ ሓምስ (ኃምስ)፡ ሳድስ፡ ሳብዕ፡ ሳምን፡ ታስዓይ (ታስዕ)፡ ዓስራይ (ዓሥር/ ዓሥራይ) እዮም።

ኣብ ላዕሊ፡ ካብ ቍጽሪ 1 ክሳዕ ቍጽሪ 5፡ ከምኡ’ውን እቶም ብተኪአ ዝቐረቡ፡ ብሳድስ ዝውድኡ 88 ቃላት-ግእዝ፡ ናብ ትግርኛ ኪርዕሙ እንከለዉ፡ 75% (66) ሳድሶም ኪዕቅቡ እንከለዉ፡ 25% (22) ጥራይ ናብ ሳልስ ተቐይሮም። ኣብ’ዚ፡ እዞም 88 ቃላት እኹላት መምዘኒ እዮም ዚብል ደምዳሚ ርእይቶ የብለይን፡ ንእቲ ብ“ይብሃል” ዝቐርብ ሓበሬታ ኣብ ሕትቶ ዘእቱ ግን ኣእማኒ መጐት ኣቕሪበ እብል።

መ. ቅጥዒ ዘይብሉ ኣረዓዕማ ትግርኛ፤
ትግርኛ ካብ ግእዝ ኮነ ካብ ካልእ ቋንቋታት፡ ብዘይ ቅጥዒ፡ ቃላት የርዕም። ኣብ መእተዊ (1ይ ክፋል) ዝቐረበ ትዕዝብቲ ገብረ ኢየሱስ ክፍሌ (2001)፡ ንእዚ ሓሳብ የራጕድ። ንቅጥዒ-ኣልቦ ርዕመት ቃላት ግእዝ፡ ኪትጫበጠሉ ብዘይከኣል መንገዲ፡ “ላዛ” ወይ “ባህሪ” ትግርኛ “ዝሓገጎ” ዝብል መጐት ይቐርበሉ እዩ። እዚ ዓይነት መጐት ንትግርኛ ኬስፋፍሕ እምበር ንኸይዓብይ ዚጕዕጽጽ እዩ፣ ምኽንያቱ “ላዛ” ካብ-ሰብ ናብ-ሰበ ዚፈላለይ ባዕላዊ ስምዒት ኮይኑ ኣእማኒ መጐት ኪቐርበሉ ስለ ዘይክኣል። ኣብ’ዚ ዛዕባ ዘተኮረ ተወሳኺ ዳህሳስ፡ ኣብ “ትግርኛ ኣይተሓናፈጽ እናበልና ኣይንሓንፍጽ” ብዚብል ኣርእስቲ፡ ኣብ እታው 26 ሰነን 1 መስከረምን 2017 ኣሎ።

ትግርኛ ካብ ግእዝ ብዘይ ቅጥዒ ቃላት ከም ዜርዕም ብእዞም ዚስዕቡ ነጥቢታት ኣብነታት ኪቐርቡ እዮም፤ (1) ዘይምዕሩይ ርዕመት ቃላት (2) ዘይምዕሩይ ምምልካት ዋንነት (3) ዘይምዕሩይ ምምልካት ጾታ።

(1) ዘይምዕሩይ ርዕመት ቃላት – (ሀ) “ርእስ/አርእስት”፡ (ለ) “አራዊት” (ሐ)“አብ”፤

(ሀ). ትግርኛ፡ ካብ ግእዝ፡ “ርእስ”ን “አርእስት”ን ብ “ርእሲ”ን “ኣርእስቲ”ን ኣርዒሙ፣ እንተኾነ፡ ን“ኣርእስቲ” ከም ብዙሕ “ርእሲ” ዘይኮነስ ከም ንጽል ቃል (ሰነ-ቓል ጽሕፈት) ይጥቀመሉ፣ ንብዙሕ ከኣ፡ “ኣርእስቲታት” (ብዙሐ-ብዙሕ) ይጥቀም። ንብዙሕ “ርእሲ” (ካብ ጽሕፈት ወጻኢ)፡ ኣብ ክንዲ “ኣርእስቲ”፡ “ኣራእስ/ርእሲታት” ይብል። ኣ. “ኣርእስቲ መጽሓፍ ኣይተዋህበን”፣ “ካብ ሓደ ርእሲ ክለተ ኣራእስ (ርእሲታት) ይሓይሽ”።

(ለ). ትግርኛ፡ ካብ ግእዝ ብዙሕ “አራዊት” (ንጽል “አርዌ”)፡ ከም ዘለዎ “ኣራዊት” ኣርዒሙ፡ ግን ከም ንጽል ቃል ይትግብሮ። ኣ. “ኣራዊት በሊዕዎ።”

(ሐ). ትግርኛ፡ ካብ ግእዝ “አብ”፡ ንጽል “ኣቦ” ወሲዱ፡ ንብዙሕ ከኣ “ኣቦታት” ወይ ብዙሕ ግእዝ “አበው” ይጥቀም። እንሓንሳእ ን“ኣበዎ” ከም ንጽል ወሲዱ፡ ትርጉም ኣልቦ ብዝኾነ ብዙሕ “ኣበዋት” ይጽሕፍ። ኣ. “ኣበው ዘጽንሑልና ክቡር ባህሊ”፣ “ምስላ ኣበዋት ምጥቃስ ልሙድ እዩ።”

(2). ዘይምዕሩይ ምምልካት ዋንነት – ግእዝ፡ ዋንነት ንምምልካት ብውጹእ፡ ነቲ መወዳእታ ፊደል ሓደ ቃል (መብዛሕትኡ ግዜ “ስም”)፡ ናብ ፊደል-ግእዝ ብምቕያር ከም ቅድመ-ጥብቆ ዋንነት ይጥቀም። ትግርኛ ግን ንገሊኡ ብምቕያር፡ ንገሊኡ ከኣ ብዘይ ምቕያር፡ ኣገባብ ግእዝ ምምልካት ዋንነት፡ ብዘይተመዓራራዪነት የርዕም። ኣብነታት፤

(ሀ). ትግርኛ፡ ካብ ግእዝ “ቤት” ከም ዘለዎ ወዚዱ፡ ንብዙሕ ከኣ “አብያት” ወሲዱ፡ ግን ብ“ኣባይቲ” የርዕም። ትግርኛ ንቅድመ-ጥብቆ ግእዝ፡ “ቤተ” ወሲዱ፡ ከም ዘለዎ “ቤተ-ክርስቲያን” ይጽሕፍ። ብተዛማዲ፡ “ቤተ-ትምህርቲ” ኣብ ክንዲ ዝጽሕፍ፡ “ቤት-ትምህርቲ” ይጽሕፍ። ኣብ ብዙሕ ከኣ፡ ኣብ ክንዲ ብመጐት “ቤታት ትምህርቲ”፡ ነቲ ቅድመ-ጥብቆ ግእዝ፡ “አብያተ” ወሲዱ፡ “ኣብያተ- ትምህርቲ” ይጽሕፍ።

(ለ). ትግርኛ ካብ ግእዝ ዝተራዕሙ ቅድመ-ጥብቆ ስማት ንገሊኦም ብብዝሒ ምድግጋም ብዘይሕርኽርኽ ከም ቅቡላት (ለ.1) ኪወስድ እንከሎ፡ ንገሊኦም ከኣ ሕርኽርኽ ስለ ዝብልዎ (ለ.2) ስም/ክንድስም ድሕረ-ጥብቆ ይውስኸሎም (ለ.3)። ኣብነታቶም ስዒቡ ይቐርብ፤

(ለ.1). ቅቡላት ቅድመ-ጥብቆታት፤ ሃይለ፡ ቦኽረ፡ ወልደ፡ ገብረ፡ ኣርኣያ፡ ባርያ። እዚኣቶም፡ ኣብ ግእዝ፡ እቲ ዚግለጽ ወይ ዝወነን ስም ኪስዕቦም ኣለዎ። ኣ. ኀይለ ማርያም፡ ወልደ አብ፡ ገብረ እግዚአብሔር፡ አርአያ ሥስሴ፡ ባርያ ጋብር።

(ለ.2) ሕርኽርኽ ዝብሉ ቅድመ-ጥብቆታት፤ ጸጋ፡ ዑቕባ (ስም ወዲ)፡ ተስፋ፡ ምሕረተ። እዚኣቶም ከም እቶም ኣብ ላዕለኢ (ለ.1) ዘሎዉ እኳ እንተኾኑ፡ ኣይተለምዱን። ኣብ’ዚ፡ “ጸጋ”፡ “ዑቕባ”፡ “ምሕረት” ልሙዳት ስማት ደቂ-ኣንስትዮ እየን።

(ለ.3) ትግርኛ፡ ንእዞም ሕርኽርኽ ዝብልዎ (ለ.2)፡ ከም ግእዝ ድሕረ-ጥብቆ ብምውሳኽ ወይ ብምቕይያር ከም ቅቡላት ይገብር፤ ጸጋዘኣብ፡ ጸጋይ፡ ዑቕባዝጊ፡ ዑቕባይ፡ ዑቕቡ (ዑቕባኡ)፡ ተስፋማርያም፡ ተስፋይ፡ ተስፉ (ተስፋኡ)፡ ምሕረተኣብ ይብል።

(3). ዘይምዕሩይ ምምልካት ጾታ፤ ኣብ ግእዝ፡ ውጹእ ጾታ ዜመልክቱ ቃላት፡ ትግርኛ ከርዕሞም እንከሎ ንጾታዊ መዓላኦም ግምት ከይሃበ ይወስድ። (ኣብ’ዚ “ጾታ” ዚብል ቃል ብግእዝ ምስ ትርጕምን ትግባረን ትግርኛ ሕደ ኣይኮነን። ኣብነት ግጉይ ርዕምት ቃላት ኣብ እታው 1 መስከረም 2017 ኣሎ)
ኣብነታት ዘይምዕሩይ ርዕመት ጾታ እነሀዉ፤

(ሀ). ብግእዝ፡ “ብዙኅ” ክንዲ-ስም ድሕረ-ጥብቆ ዘይብሉ፡ ብትግርኛ “ብዙሕ” እዩ። ክንዲ-ስም ድሕረ-ጥብቆ (“አት/አን”) ኪልቀበሉ እንከሎ፡ ብግእዝ “ብዙኀት” ንብዝሒ ኣንስ ዝጾታአን፡ “ብዙኃን” ከኣ ንብዝሒ ተባዕት ዝጾትኦም ነገራት ዜመልክቱ ቃላት እዮም። ትግርኛ ግን ን“ብዙኀት” ጥራይ ኣርዒሙ፡ ከም “ብዙሓት”፡ ጾታ ዘይፈልይ ገይሩ ይጥቀመሉ። ን“ብዙኃን” ከም ፍሉይ ቃል፡ “ብዙሓን/ብዙሃን” ብምጽሓፍ፡ ከም ስነ-ቓል ኬገልግል ርዒምዎ – “መራኸቢ-ብዙሃን” ኣብ ክንዲ “መራኸቢ-ብዙሕ” የውዕሎ።

(ለ). ግእዝ፡ ን“መምህርን መምህርትን” ዝብሉ ቃላት ብጾታ እንኪፈልይ፡ ትግርኛ ግን ንእቲ ተባዕት-ጾታ ግእዝ፡ “መምህር”፡ ርዒሙ፡ ከም ሓባራዊ፡ ጾታ ዘይፈልይ ገይሩ ይጥቀመሉ። ኣብ ብዙሕ፡ ግእዝ ተመዓራራዪ “መምህራን፡ መምህራት” ዚብሉ፡ ንተባዕትን ኣንስን ጾታታት ዚፈልዩ ቃላት ይጥቀም፣ ትግርኛ ግን፡ ንእቲ ተባእት-ጾታ ግእዝ፡ ን“መምህራን”፡ ጥራይ ወሲዱ፡ ከም ሓባራዊ፡ ጾታ ዘይፈልይ ገይሩ ይጥቀመሉ። ኣ. “መምህር ጸዊዕሙኒ”፡ “መምህር ጸዊዐናኒ”፡ “ኣብ’ቲ ዋዕላ ብዙሓት መምህራን ነይረን”፡ “ኣብ ቤት.ት ምድላው መምህራን ወዲኡ”

(ሐ). “ምሁር/ምህርት” ንዝብሉ ንጽል ቃላት ግእዝ፡ ትግርኛ ጾታ ከም ዝፈልዩ ብ“ምሁር/ምህርቲ” የርዕም። ኣብ ብዙሕ ግን ኣብ ክንዲ ብተመዓራራዪ፡ “ምሁራን/ምሁራት” ዚብል፡ ጾታ ዘይፈልይ ን“ምሁራን”ን “ምሁራት”ን ከም ተበራራይቲ ቃላት ይጥቀመሎም። ኣ. “ምህርቲ እያ”፡ “ምሁር እዩ”፡ “ምሁራት እዮም (ደቂ-ተባዕትዮ ጥራይ)”፡ “ምሁራን እየን”

(መ). ትግርኛ፡ ኣብ መደረ ንሰማዕቲ እንኪጥቀስ፡ ካብ ግእዝ ብዝተራዕሙ፡ ጾታ ዝፈልዩ፡ “ክቡራንን ክቡራትን” ይብል። ኣብ ዕለታዊ ርክብ ግን፡ እቲ ኣንስ-ጾታ፡ “ክቡራት” ዝብል ቃል ንኽልተኡ ጾታ ይጥቀመሉ። ኣ. “ክቡራት ኣሕዋተይ ሓግዙኒ”

ሓፈሻዊ ገምጋም
ኣብ እዚ ጽሑፍ (ዝምድና ግእዝን ትግርኛን “ካብ ብወረ፡ ብእተነጸረ”) ዝቐረበ ሓተታ፡ ግእዝ ኣብ ልዕሊ ትግርኛ ዓብይ ጽልዋ ከም ዘለዎ የብርህ። ኣቐዲሙ ከም ዝተጠቕሰ፡ ኣፍካ መሊእካ ትግርኛ ብግእዝ ተዓብሊሉ እዩ ወይ ውላዱ እዩ ኪበሃል ግን፡ ኣየኖት ቃላት መሰረቶም ትግርኛ ኣየኖትከ ቃላት-ልቓሕ ዝብል ዳህሳስ ክካየድ ኣለዎ። እዚ ግእዝ ኣብ ልዕሊ ትግርኛ ዓብላሊ ተራ ከም ዘለዎ ዚመስል ተርእዮ፡ ብኸመይ ኪግለጽ ይኽእል፧ ምናልባት፡ ግእዝ ናቱ ፊደላት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሃይማኖት እውን ሒዙ ንትግርኛ ብምቕራቡ ዶኾን ካብቲ ምንጩ ኣመዛቢልዎ፧ ዓብይ ጽልዋ ግእዝ ይሃልዎ እምበር፡ ትግርኛ፡ ከም ህያው ቋንቋ፡ ብኸባቢ ዝጽሎ (ዝጽለው)፡ ዝተፈላለዩ ‘ላህጃታት’ ዚሓቍፍ ቋንቋ እዩ። እዚ ህላወ ላህጃታት ነቲ ብስም “ላዛ”፡ “ባህሪ”፡ ዝቐርብ መጐት እሩም-ጽሕፈት የህስሶ። ግእዝ ግን ከም ጽሑፋዊ ቋንቋ ጥራይ ንዘመናት ተዓቒቡ ሰለ ዝጸንሐ፡ ብጽልዋ ከባቢ ፍልልይ ኣየተኣታተውን። ንትግርኛ ኬማዕብል ዘይመሰነ ጽሕፈትን ሃብታም ቃላትን ኣሎውዎ። ትግርኛ ዚመልኽ፡ ንግእዝ ህያው መራኸቢን ንኸውን ዓብይ ብልጫ ኣሎዎ።

እንታይ ይገበር፧
ምርምር ቋንቋ ሞያ እዩ፣ እቲ ቋንቋ፡ ቋንቋኻ ኪኸውን እንከሎ ቅሩብ ሚዛናዊ ንኸይትከውን ኪደፋፍእካ ይኽእል እዩ። ቋንቋኻ ስለ ዝኾነን ክትዛረቦ ስለ ዝዓበኻን ጥራይ ግን ብዓል ሞያ ቋንቋ ኣይገብረካን። ኣብ’ዚ ጽሑፍ ንኽንጸር ዝተፈተነ፡ ብመጽናዕቲ ዘይተደገፉ፡ ኣድማዕቲ ዘይኮኑ፡ ኣርእስቲ ዘይሓለዉ ርእይቶ ሰው ምባል ረብሓ የብሉን ዝብል እዩ። ኣብ ትግርኛ ዘተኮረ ዘተ እንክልዓል፡ ርእሰ-ነገሩ ሓልዩ ይቕረብ። ፍልይ ዝበለ፡ ንሓበሬታ ኣድላዪ ዝኸውን እንተ’ሎ፡ ከም ድሕረ-ባይታ ኣብ መእተዊ/መቕድም ይእቶ። ዝተፈላለዩ ከባቢኣዊ ላህጃታት፡ ኣብ ቃላትን ኣደማምጻን ኪፈላለዩ ይኽእሉ እዮም፡ እሩም ምዕሩይን ጽሕፈት ግን ኣብ ሰዋስዉ ስለ ዝምርኮስ፡ ንኹሎም ማዕረ እዩ።

ኣብ መንጎ ቋንቋታት ምልቕቓሕ ቃላት ንቡር እዩ። እቲ ምልቃሕ ግን መተካእታ ዘለዉ ቃላት ኪኽወን ኣይግባእን። ከምኡ’ውን፡ ቃላት-ልቓሕ ብብዝሒ ዘለውዎ ቋንቋ ካብ ዘይብሉ ይሓምቕ ማለት ኣይኮነን። ኣብ ዓለምና እቲ ዓብላሊ ዘሎ ቋንቋ፡ ዓብላሊ ዝኾነሉ፡ ካብ’ዚን ካብ’ቲን ብዘርዓሞም ቃላት እዩ። ትግርኛ ንኽምዕብል፡ ደረጃኡ ዝሓለወ ንኪኸውን፡ ኣብ ውድዕ ዝተመስረት፡ ንጹር መምርሒ ዘለዎ ኣገባብ ኪኽተል ይግባእ። ኣብ ውዱዕ ዝተመርኮሰ ምፍላጥ መበቈል ቋንቋ፡ ታሪኹ ንምስናድ፡ ምዕባሌኡ ንምቕያስን ንምግምጋምን ይሕግዝ። ኣፍኣዊን ጭብጢ ዘይብሎም ጓንጓ ዝኾኑ ቃላት ምድግጋም፡ ካብ “ይብሃል” ዝምስረት መጐት ግን ኣድማዒ ኣይከውንን። ትግርኛ ብጽፈት ንኽምዕብል፡ ግእዝ ዓብይ ግደ ኣሎዎ። ግእዝ፡ ከም ጽሑፋዊ ቋንቋ ጥራይ ንዘመናት ተዓቒቡ ስለ ዝጸንሐ፡ ቃላቱን ሓረጉን ኣይመሰኑን፣ ኣብ’ቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝርከበሉ ዝተፈላለዩ ቦታታት (ቤተ-ክህነት)፡ ብጽልዋ ከባቢ ፍልልያት ኣየተኣታተውን፣ ንትግርኛ ዜማዕብል ሃብታም ቃላታት ኣሎውዎ። ትግርኛ ዚመልኽ፡ ካብኡ ንኽምሃር ጥራይ ዘይኮነስ ንግእዝ ህያው መራኸቢ ንኸውን ዓብይ ብልጫ ኣሎዎ።

ውከሳ
ተክአ ተስፋይ፡ (2014)። መባእታ ሰውስውን ስነ-ጽሑፍን ትግርኛ፡ ኣስመራ፡ ኣሕተምቲ ሕድሪ።
ገብረ ኢየሱስ ክፍሌ (አ/)፡ (2001)። ታሪኽ ትውልዲ ልሳን ግእዝ፡ ቀዳማይ ክፍሊ። ኣስመራ፡ ቤት ማሕተም ኣሰር።

–ኣርኣያ ካሳ

መዘክር፡ ኣብ’ዚ ጽሑፍ፡ ብምስትውዓል፡ ኣብ ክንዲ ቅድመ-ጥብቆ “መ” ኣእትየ፡ “መደምደምታ፡ መደምደሚ” ዝጽሓፍ፡ ቅድመ-ጥብቆ ኣልየ፡ “ድምዳመ፡ ድምዳመታት” ጽሒፈ ኣለኹ። እሩም ምዓላ ዝተፈላለዩ ቅድመ-ጥብቆታት ከም ብዓል “መ-ም-ኣ-ተ” ዝኣመሰሉ፡ ኣብ ካልእ እዋን ክድህስሶም እየ። –ኣርኣያ
ዝቕጽል እታው ሓተታ “ናይ” ኪኸውን እዩ። ክሳዕ ሽዑ ሰናይ ምክታታል ዝሓለፉ እታዋት። –ኣርኣያ

Advertisements

ዝምድና ግእዝን ትግርኛን፡ “ካብ ብወረ፡ ብእተነጸረ”

ዝምድና ግእዝን ትግርኛን
“ካብ ብወረ፡ ብእተነጸረ”
ኣርኣያ ካሳ

ገብረ ኢየሱስ ክፍሌ (2001)፡ ዘይምዕሩይ ርዕመት ቃላት ግእዝ እንኪነቅፍ ዝጸሓፎ ጽማቕ ከመ መእተዊ አቕርብ። ኣብ ገጽ 6፡ ከም’ዚ ዚስዕብ (ኣመዓራርየ ዝጸሓፍክዎ) ትሕዝቶ ይርከብ፤

ገለ ጽሓፍቲ ወይ ተዛረብቲ፡ ንእቲ ዝጽሕፍዎ ወይ ዝዛረብዎ ክብደት ወይ ጣዕሚ ንምሃብ፡ ቃላት ግእዝ ከተኣታትዉ ንርኢን ንሰምዕን ኣለና። ወይልኦም ቃላት ግእዝ፡ ኣብ ዘይቦታኦምን ኣብ ዘይፍለጥሉ ቦታን ኣትዮም ኬውደኽድኹ ይርኣዩ ኣለዉ። ጽሓፊ ወይ ተዛራቢ፡ ንእቶም ዘተኣታተዎም ቃላት ግእዝ፡ ትርጕሞም ንኽህብ ምስ ዝሕተት፡ ዝህቦ መልሲ፡ ብይመስለኒ እምበር፡ ብእቲ ቅኑዕ ትርጕሞም ኪህብ ኣይትዕዘብን። እዚ ከኣ ካብ ምሳሕ፡ ንኩላሶ ከም ምምራጽ ዚቕጸር ምልቝማጽ እዩ።

ናብ ቀንዲ መንቀልየ ክሰግር እየ።

ኣብ ዝሓለፈ እታው፡ እዚ ዚስዕብ ጥቕዕሲ ተኪአ ተስፋይ መበገሲ ንክኸውን ተጠቒሱ ነይሩ፤

ተኪአ ተስፋይ (2014)፡ “… ትግርኛ፡ ብሳልስ ዝውድእ ቃል ምስቲ ብሳልስ ዚጅምር ብቝጽሪ ኺወዳደር ከሎ፡ ዝያዳ ኸም ዚብርክት … ብጀካ’ዚ፡ ነቲ ኻብ ግዕዝ ወይ ካብ ካልእ ናይ ባዕዲ ቋንቋ ዝረዓሞን ዝተለቅሖን ብሳድስ ዚውድእ ዝነበረ ስም ከይተረፈ፡ ናብ ሳልስ ብምቕያር ፍሉይ ናይ ትግርኛ ባህሪ ኼልብሶ ይስማዕ።” ይብል (ገጽ 128) ። ከም ኣብነት ን “ዕዝሊ፡ ቦምቢ፡ ታንኪ፡ ስፖርቲ … “ ይጠቅስ (ምድማቕ ናተይ)። ቀጺሉ ኣብ መንጎ ትግርኛን ግእዝን ኣብ ኣደማምጻ ቃላት ዝፈልዮም፡ ግእዝ ብሳድስ፡ ትግርኛ ከኣ ብሳልስ ፊደል ይወድኡ ይብል። ከም መርትዖ ከኣ ን “ልቢ፡ ሕብሪ፡ መንግስቲ፡ … “ የቕርብ (ምድማቕ ናተይ)። ቃላት ትግርኛ ብሳልስ፡ ግእዝ ከኣ ብሳድስ ምውድኦም፡ ትግርኛን ግእዝ ሓባራዊ ምንጪ (ምድማቕ ናተይ) ምህላዎም የረጋግጽ እምበር ትግርኛ ካብ ግእዝ ከም ዝወረሶ መርትዖ ኪኸውን ኣይክእልን ብምባል ይድምድም። “ብተወሳኺ፡ ኣብ ግዕዝ ጥራይ ዚርከብ ብሳድስ ዚወድእ ቃል ናብ ትግርኛ ኺርዓም ምስ ዚድለ፡ በዚ ናይ ‘ላዛ’ ዝምድና ብቐሊሉ ንምልቃሕ ይክኣል (ምድማቕ ናተይ)።” ብምባል ይምዕድ (ገጽ 128)።

እስከ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ጽሑፍ ነጥቢ-ብነጥቢ ይዳህሰስ።

1. “ትግርኛ ካብ ግእዝ ኮነ ካብ ካልእ ቋንቋ፡ ብሳድስ ዝወድእ፡ ዝተለቅሖ ቃል ናብ ሳልስ ይቕይር” ዚብል መምርሒ ኣእማኒ ጭብጢ ኣይቀረበሉን። እቶም ከም ኣብነታት ዝቐረቡ ቃላት (ዕዝሊ፡ ቦምቢ፡ ታንኪ፡ ስፖርቲ ወዘተ…ካብ ዕዝል፡ ቦምብ፡ ታንክ፡ ስፖርት ወዘተ…) ገምጋም ክተቕረበሎም ዘይትኽእል፡ እኹላት ወከልቲ ኣይኮኑን። ብኣንጻሩ፡ ትግርኛ፡ ብፍላይ ካብ ግእዝ ንዝተለቅሖም ቃላት፡ ከም ዘርከበ ብዘይ ቅጥዒ ከም ዘርዕም ብዙሕ ኣብነታት ኪጥቀሱ ይከኣሉ እዮም። ካብኦም’ውን፡ እቶም ሳድስ ዚዕቅቡ ቃላት-ልቓሕ፡ ካብ’ቶም ሳልስ ዚቕይሩ እንተ ዘይበዚሖም ኣይውሕዱን። ኣፈናዊ ጭብጢታት፡ ንዝተፈላለዩ ረቛሒታት ዝውክሉ፡ ኣብነታት ኣብ ታሕቲ ኪቐርቡ እዮም። (እቲ “ዕዝሊ” ንማህሌት ዝጠቅስ እተኾይኑ፡ ተጸውዖ-ስም ስለ ዝኾነ፡ ብ“ዕዝል” ኪጽሓፍ ነይርዎ)

2. “ትግርኛ ብሳልስ፡ ግእዝ ከኣ ብሳድስ ምውድኦም፡ ትግርኛ ካብ ግእዝ ከም ዝወረሰ መርትዖ ኣይኮነን” ኢልካ ብዘይ ጭብጢ ኪንጸግ ኣይግባእን። ካብኡ ሓሊፉ፡ ሓባራዊ ምንጪ ግእዝን ትግርኛን ከይተጻዕደ፡ ዓንኬላዊ መጐት ብምጥቓም፡ ኣቐዲሙ ንዝተነጸገ መራጐዲ ንኽክውን፡ “ሓባራዊ ምንጮም ካልእ ቋንቋ እዩ” ምባል ኣእማኒ ኣይኮነን።

3. “ኣብ ግዕዝ ጥራይ ዚርከብ ብሳድስ ዚወድእ ቃል ናብ ትግርኛ ኺርዓም ምስ ዚድለ፡ በዚ ናይ ‘ላዛ’ ዝምድና ብቐሊሉ ንምልቃሕ ይክኣል” ዚብል፡ “ላዛ” ዝመዐቀኒኡ መምርሒ ባዕላዊ እዩ። ባዕላዊ ዜብሎ፡ “ላዛ” ኣብ ዝምዒት ዝተመርኰሰ ስለ ዝኾነ እዩ። ንሓደ ሰብ ዚብርሆ፡ ንሓደ ካልእ ከኣ ቅጭ ዘምጽኣሉ ኪኽወን ስለ ዚኽእል። በተወሳኺ፡ እቶም ዛጊት ካብ ግእዝ ናብ ትግርኛ ርዒሞም ዘሎዉ ቃላት እንተ ዘርዝርና፡ እቶም ዚብዝሑ ሳድሶም ዝዕቅቡ ይመስሉ። ኣብነታት ከም ዝቐርቡ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ኣሎ።

ካብ’ዚ ቀጺሉ፡ ንእቶም ኣብ ላዕሊ ብዘይ መርትዖ ዝቐረቡ ድምዳመታት፡ ኣብ ሕትቶ ዘእቱ፡ ብተወሳኺ፡ ብኣንጻሩ ዝተረኸበ ኣፈናዊ ዳህሳስ ዝያዳ ኣእማኒ ከም ዝኾነ፡ ጭብጢታት ኪወሃብ እዩ። ብኸም’ዚ ዚስዕብ ከኣ ይቐርብ፤

(ሀ) ግእዝ ንገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ቋንቋ እዩ።
(ለ) ትግርኛን ግእዝን፡ ብስርዓተ ጽሕፈቶም፡ ዝተፈላላዩ ቋንቋታት እዮም።
(ሐ) ትግርኛ፡ ቃላትን ረባሕታ-ቓላትን ብዘይ ቅጥዒ ካብ ግእዝ ይልቃሕ።
(መ) ኣብነታት ትግርኛ ብዘይ ቅጥዒ ዘርዓሞም ቃላት-ግእዝ።

(ሀ). ልሳነ-ግእዝ ንገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ፡ ካልእ ምንጪ ዘይብሉ፡ ቋንቋ እዩ። ዲልማን (1899)፡ ግሪኽኛ (ፅርዕ)፡ ልሳነ-ኣሶር፡ ኣራምይስጥ፡ እብራይስጥን ዓረብኛን ብሰፊሑ ብምድህሳስን ምስ ግእዝ ብምውድዳርን፡ ንግእዝ ሓደ ካብቶም ጥንታውያን (“ክላሲካል”) ቋንቋታት’ዩ ይብሎ። ልሳነ-ግእዝ ኣብ ላዕሊ ካብ ዝተጠቕሱ ቋንቋታት ዝረዓሞም ቃላት እኳ እንተ ሃለዉዎ፡ እዚ ርዕመት’ዚ ካብ’ቲ ንቡር ምልቕቓሕ ቋንቋታት ዘይሓልፍ እዩ፡ ይብል ዲልማን። እዚ ከኣ ልሳነ-ግእዝ ጽግዕተኛ ወይ ውላድ ካልእ ቋንቋ ከም ዘይኮነ እዩ ዝእምት። ብኣንጻር እዚ ክረአ እንከሎ፡ ትግርኛ ብቐጥታ ይዅን ብተዘዋዋሪ፡ ብዙሓት ቃላቱ፡ ረባሕታኦም እንከይተረፈ፡ ካብ ግእዝ ከም ዝመጹ ጽሓፍቱ ይጠቕሱ፡ እቶም ትግርኛ ዘርዓሞም ቃላት ምንጮም ካብ ግእዝ ምዃኑ ጽሓፍቱ ይምስክሩ። እዚ ዘረጋግጾ ነገር እንተ’ሎ፡ ጽሕፈት ትግርኛ በዚ ሕጂ ሒዝዎ ዘሎ መልክዕ፡ ኣሰር ናቱ ፍሉያት መለለዪ እኳ እንተ’ሎውዎ፡ ብቓላት ግእዝ ዝተዓብለለ ይመስል። ኣፍካ መሊእካ ተዓብሊሉ ኪበሃል ግን ኣየኖት ቃላት መሰረቶም ትግርኛ ኣየኖትከ ቃላት-ልቓሕ ዝብል ዳህሳስ ይሓትት። ፍሉይ መለለዪ ትግርኛ ቀጺሉ ይቐርብ እዩ።

(ለ). ፍሉይ፡ ካብ ግእዝ፡ መለለዪ ትግርኛ

ዕድመ ትግርኛ መዘና ግእዝ ኪኸውን ይኽእል፣ ምስ ግእዝ ዝዳረግ ዕድመ ጽሑፍ ግን የብሉን። ጽሑፋት ግእዝ ብውሕዱ ክልተ-ሽሕ ዓመት ኪገብር እንከሎ፡ ጽሕፈት ትግርኛ ግን ኣብ መበል-ዓሰርተው-ሰለስተ ክፍለ-ዘመን ጀሚሩ ኣኳ እንተ ተባህለ፡ እተን ዝርካበን ጽሑፋት ኣብ መበል-ዕስራ ዘመን ዝተቐልቀላ እየን። በዚ ከኣ ብምትእምማን፡ ግእዝን ትግርኛን፡ እተወዳድረሉ መጫበጢ ዝኸውን ሰነድ የለን። እዚ ይዅን ደኣ’ምበር ትግርኛ፡ ካብ ግእዝ ዝፈልዮ፡ ናቱ መለለዪ ረቛሒታት ኣሎውዎ። ንኣብነት፤

1.ትግርኛ ካብ ግእዝ ብኣሰራርዓ ምሉእ-ሓሳባት ፍሉይ እዩ። ኣብ ትግርኛ፡ ተሳሓቢ ምሉእ-ሓሳብ ብግሲ ይዛዘም፡ ኣብ ግእዝ ግን ግሲ ቀቅድሚ እቲ ተሳሓቢ ይመጽእ። (ኣብነት ደድሕሪ ቍ.2 ኪቐርብ እዩ)

2. ትግርኛ፡ ኣኽብሮትኣዊ ክንዲ-ስም (እዞም/እዘን ንስኹም/ንስኽን፡ ንሶም/ንሰን፡ ኣቱም/ኣትን) ኪህልዎ እንከሎ፡ ግእዝ ግን ምሓዛዊ እምበር ኣኽብሮትኣዊ ክንዲ-ስም የብሉን – ንስኻ/ንስኺ (አንተ/አንቲ)፡ እዚ/ንሱ/ እዛ//ንሳ (ውእቱ/ይእቲ) ይብል።

ንኣብነታት ፍሉይነት ኣሰራርዓ ምሉእ-ሓሳባትን ኣኽብሮተ-ምሓዛዊ ክንዲ-ስም፤

ብግእዝ – አቡየ ውእቱ በቤት።
ብትግርኛ – ኣቦይ ኣብ ገዛ ኣሎዉ። ኣቦይ ኣብ ገዛ ኣሎ

ብግእዝ – አይድዐኒ ምንት ውእቱ ስምከ።
ብትግርኛ – ስምኩም መን ምዃኑ ንገሩኒ። ስምካ መን ምዃኑ ንገረኒ

ግእዝ፡ አደመኒ ሊተ ሥነ ገጽኪ ልሑይ
ትግርኛ፡ ምልኩዕ ጽባቐ-ገጽክን፡ ንኣይ ባህ-ኣበለኒ። ምልኩዕ ጽባቐ-ገጽኪ፡ ንኣይ ባህ-ኣበለኒ (ማረኸኒ)።

ብግእዝ – ዝንቱ ብእሲ ውእቱ መምህር።
ብትግርኛ – እዞም ሰብኣይ መምህር እዮም። እዚ ሰብኣይ መምህር እዩ።

ብግእዝ – ዛብእሲት ይእቲ መምህርት። (ጾታ ንዝምልከት ኣብ መ.3 ኣሎ)
ብትግርኛ – እዘን ሰበይቲ መምህር እየን። እዛ ሰበይቲ መምህር እያ።

3. ትግርኛ ተደጋሚ ድምጺ ሆህያት የብሉን (እተን ሸውዓተ ሆህያት ሓደ-ፊደል ነፍስ ወከፈን ፍሉይ ድምጺ ኣለወን)። ግእዝ ግን ሕደ ድምጺ ዘለዎም ሆህያት ኣለዎ (ሀ/ሃ፡ ሐ/ሓ፡ ኀ/ኃ፡ አ/ኣ፡ ዐ/ዓ) (ኪደነ ወልድ ክፍሌ (1948ግ)፡ ኣብ “መጽሓፈ ሰዋስው ወግስ”፡ እዚ ምድግጋም ሆህያት፡ ድሒሩ ዝተኣታትወ፡ ጌጋ፡ እዩ ይብል)

4. ኣብ ግእዝ ዘየሎ ድምጺ (ሸ/ዐ/ሐ/ጨ …) ኣብ ትግርኛ ኣሎ።

5. ኣብ ግእዝ ዘየሎዉ ፊደላት (ሸ/ጨ …) ኣብ ትግርኛ ኣሎዉ።

ኣብ ዝቕጽል እታው ዚቐርቡ፤
(ሐ) ትግርኛ፡ ቃላትን ረባሕታ-ቓላትን ብዘይ ቅጥዒ ካብ ግእዝ ይልቃሕ።
(መ) ኣብነታት ትግርኛ ብዘይ ቅጥዒ ዘርዓሞም ቃላት-ግእዝ።

ውከሳ
ተክአ ተስፋይ፡ (2014)፡ መባእታ ሰውስውን ስነ-ጽሑፍን ትግርኛ፡ ኣስመራ፡ ኣሕተምቲ ሕድሪ።
ኪዳነ ወልድ ክፍሌን (አለቃ)፣ ኣሕታሚ – ደስታ ተክለ ወልድ (1948ግ)። መጽሐፈ፡ ሰዋስው፡ ወግስ፡ ወመዝገበ፡ ቃላት፡ ሐዲስ። አዲስ አበባ፡ አርቲስቲክ ማተሚያ ቤት።
Dillman, A.[አጉስት ዲልማን] (1899), Ethiopic grammar, 2nd Ed. [ሰዋስው ልሳነ-ኢትዮጵያ፡ 2ይ ሕታም]Revized by Carl Bezol; translated by James Crchon. Eugene, OR: Wipf & Stock.
ገብረ ኢየሱስ ክፍሌ (አ/)። (2001)። ታሪኽ ትውልዲ ልሳን ግእዝ፡ ቀዳማይ ክፍሊ። ኣስመራ፡ ቤት ማሕተም ኣሰር።

–ኣርኣያ ካሳ

ልሳነ ግእዝ፡ ንምምዕባል ትግርኛ

ልሳነ ግእዝ፡ ንምምዕባል ትግርኛ

ቅድሚ ሕጂ፡ “ቀለም ብቐለም ብዘይ ቃል-ዓለም ‘ካብ ብወረ፡ ብእተነጸረ’” ብዚብል ኣርእስቲ፡ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ፡ ካብ 9 መጋቢት 2016 ዝጀመረ፡ ኣርባዕተ ክፋል ዝሓዘ ጽሑፍ ኣሕቲመ ነይረ። እተን ክልተ (23 መጋቢት: 2ይ ክፋል፣ 06 ሚያዝያ፡ 3ይ ክፋል) ኣብ ዝምድና ግእዝን ትግርኛ ዘተኮራ ነበራ። ቀንዲ መንቀልየይ ዝነበረ፡ ኣብ ልሳነ-ግእዝ ዘተኮረ-ብሂል ንምብዳህ፣ ካብ “ይብሃል” ነቒሉ ናብ “እዩ” ዝሰግር፡ ብምድግጋሙ ከኣ ከም ቅቡል ዝውሰድን ከም መርትዖ ዝቐርብን ኣበሃህላ ኣብ ሕትቶ ንምእታው ነበረ። ኣብ መደምደምታ እውን፡ “እንታይ ይገበር፧” ዚብል ሕትቶ ኣቕሪበ፡ ብኸፊለ ከም’ዚ ክብል ባዕለይ መሊሰዮ፡ “ምርምር ቋንቋ ሞያ እዩ፣ እቲ ቋንቋ፡ ቋንቋኻ ኪኸውን እንከሎ ቅሩብ ሚዛናዊ ንኸይትከውን ኪደፋፍእካ ይኽእል። ቋንቋኻ ስለ ዝኾነን ክትዛረቦ ስለ ዝዓበኻን ጥራይ ብዓል ሞያ ቋንቋ ኣይገብረካን።”

ኣብ’ዚ “ብሎግ” ንልሳነ-ግእዝ ብዝምልከት ንዘቕርቦም ጽሑፋት ከም ድሕረ-ባይታ ኪኾናኒ፡ ንእተን ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ዝቐረባ ዓናቕጽ፡ ኣመዓራርየ፡ ደጊመ ክቕርበን እየ። ካብ’ቲ ሽዑ ዝነበረኒ ርእይቶ፡ ናብ ግእዝ ዓንዲ-ሕቖ ጽሕፈት ትግርኛ እዩ ዚብል ርእይቶ ከም ዝሰገርኩ፡ ብቐጻሊ ዘቕርቦ ዳሕሳስ ኪኽውን እዩ። ምዕባለ ትግርኛ ዝመንቀሊኡ ዳህሳስ ግእዝ፡ ዝበዝሕ ግዜ፡ ኣብ ቅዱሳን ጽሑፋት ዝተመርኰሰ ዚገብሮ፡ እቶም ኣዝዮም ብዙሓት ዝረካቦም ጽሑፋት፡ ብግእዝ ዝተጻሕፉ ብዃኖም ጥራይ እዩ። ብቋንቋ ኣመሳሚሰ፡ ኣብ እምነት ዝተመርኰስ ስብከት ኣየተኣታቱን እየ። ቅዳሓት ንምርታዕ ዝመንቀሊኡ፡ ኣብ ትግርኛ ዘተኰረ፡ ዝመልኮም ካልኦት ቋንቋታት (እንግሊዝኛን ኣምሓርኛን) እውን ክጥቀስ እየ። ዝኾነ ተሳታፊ፡ ንትግርኛ ዜደንፍዕ፡ ብዝመልኮ ቋንቋ (ካብ ድርዳረ ማህደረ-ቓላት ወጻኢ) መግለጺ ኬቕርብ ይኽእል እዩ። እቶም ትግርኛን ግእዝን ግን ብፊደል ግእዝ ይጸሓፉ።

መባእታ ልሳነ-ግእዝ ንኽመልኽ ዝሓገዛኒ ብምዕራባውያን ዝተሓትማ መጽሓፍቲ እየን። ኣብ ኤርትራ ዝተሓትማ፡ ዝፈትሽክወን መጽሓፍቲ ሓገዝቲ ኮይነን ኣይረኸብክወንን። እተን ዝበዝሓ እውን፡ ኣብ መዝገበ-ቓላት ዘድሃባ ኮይነን ብጽፈት ዝተጻሕፋ ኣይኮናን። ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ንዝተጻሕፋ ሓሙሽተ መዝገበ-ቓላት፡ ሐዲስ ገብረ መስቀል (2014)፡ ኣብ ሽዱሽተ ክፋላት፡ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ፡ ገምጋመን ኣቕሪቡለን እዩ፣ ኣብ መእውተዊ ከኣ ከም’ዚ ይብል፡ ፡ “ … [እዘን] መጻሕፍቲ ብኣዳለውተን ወገን ዋላ’ኳ ዓቢዪ ተበግሶ እንተኾነ ቍጽሪ ኣልቦ ጌጋታት ሓቚፈን ናብ ህዝቢ ተዘርጊሐን ኣለዋ።” ይብል (ሓዳስ ኤርትራ፡ 6 ነሓሰ 2014።)

መባእታ ልሳነ ግእዝ ንኽምሃር ዝሓገዛኒ መጽሓፍቲ፤
Dillmann, A.[አጉስት ዲልማን] (1899), Ethiopic grammar .[ሰዋስው ልሳነ-ኢትዮጵያ], 2nd Ed. Revised by Carl Bezold; translated by James Crichton. Eugene, OR: Wipf & Stock. (ንልዕሊ መባእታ ትምህርቲ ግእዝ ዝኾነት፡ ቃላት ግእዝ፡ ብፊደል ግእዝ፡ መግልጺ ብእንግሊዝኛ)

Mercer, S. [ሳሙኤል መርሰር] (1920). Ethiopic grammar with chrestomathy and Glossary [ሰዋስው ልሳነ-ኢትዮጵያ ምስ መላመዲ ንባብን ማህደረ-ቓላትን]. London: Oxford University press. (ንመባእታ ግእዝ፡ ቃላት ግእዝ፡ ብግእዝ፡ መግለጺ ብእንሊዝኛ)

Lambdin. T. [ቶማስ ላምዲን] (1978) Introduction to classical Ethiopic (Geez) [መባእታ ግእዝ]. Harvard Semitic Studies Scholars Press. (ንመባእታ ግእዝ፡ ቃላት ግእዝ ብሮማዊ ፊደል፡ መግለጺ ብእንግሊዝኛ)

Weininger, S. [ስተፋን ወኒንጀር] (1993). Geez. Munchen: Lincom Europa. (ቃላት ግእዝ ብግእዝን ብሮማዊ ፊደልን፡ መግለጺ ብእንግሊዝኛ።

መዝገበ-ቓላት
Leslau, W. [ወልፍ ለሳው] (2010). Concise dictionary of Geez . Wiesbaden: Harrassowitz Verlag (እታው (ብያታዊ መስርዕ) ቃላት፡ ብግእዝ ፊደል፡ ትርጕም ብእንሊዝኛ)

ኪዳነ ወልድ ክፍሌ (አለቃ)፣ ኣሕታሚ – ደስታ ተክለ ወልድ (1948ግ)። መጽሐፈ፡ ሰዋስው፡ ወግስ፡ ወመዝገበ፡ ቃላት፡ ሐዲስ። አዲስ አበባ፡ አርቲስቲክ ማተሚያ ቤት። (ብግእዝ ፊደል፡ እታው (መስርዕ ኣበገደ) ብ’ግእዝ’፡ መግለጺ ብኣምሓርኛ)

ዛንታ እስክንድር ዓብይ
Budge, Wallis (1896). The life and exploits of Alexander the Great. Vol I the Ethiopic text. (Revised 1968). N.Y. Bronx: Benjamin Bloom Inc. (ሽዱሽተ መጽሓፍቲ ዝሓቘፉ፡ ሓደ ቅጺ ብግእዝ፡ ሓደ ካልእ ቅጺ ከኣ ትርጕም ብእንግሊዝኛ)

ዝቕጽል እታው፡ “ዝምድና ግእዝን ትግርኛን” ኮይና፡ መንቀሊኣ እዛ እትስዕብ ካብ መጽሓፍ ሰዋስው ተኪአ ተስፋይ ዝተወደት እያ፤

ተኪአ ተስፋይ (2014)፡ “… ትግርኛ፡ ብሳልስ ዝውድእ ቃል ምስቲ ብሳልስ ዚጅምር ብቝጽሪ ኺወዳደር ከሎ፡ ዝያዳ ኸም ዚብርክት … ብጀካ’ዚ፡ ነቲ ኻብ ግዕዝ ወይ ካብ ካልእ ናይ ባዕዲ ቋንቋ ዝረዓሞን ዝተለቅሖን ብሳድስ ዚውድእ ዝነበረ ስም ከይተረፈ፡ ናብ ሳልስ ብምቕያር ፍሉይ ናይ ትግርኛ ባህሪ ኼልብሶ ይስማዕ።” ይብል (ገጽ 128)። ከም ኣብነት ን “ዕዝሊ፡ ቦምቢ፡ ታንኪ፡ ስፖርቲ … “ ይጠቅስ (ምድማቕ ናተይ)። ቀጺሉ ኣብ መንጎ ትግርኛን ግእዝን ኣብ ኣደማምጻ ቃላት ዝፈልዮም፡ ግእዝ ብሳድስ፡ ትግርኛ ከኣ ብሳልስ ፊደል ይወድኡ ይብል። ከም መርትዖ ከኣ ን “ልቢ፡ ሕብሪ፡ መንግስቲ፡ … “ የቕርብ (ምድማቕ ናተይ)። ቃላት ትግርኛ ብሳልስ፡ ግእዝ ከኣ ብሳድስ ምውድኦም፡ ትግርኛን ግእዝ ሓባራዊ ምንጪ (ምድማቕ ናተይ) ምህላዎም የረጋግጽ እምበር ትግርኛ ካብ ግእዝ ከም ዝወረሶ መርትዖ ኪኸውን ኣይክእልን ብምባል ይድምድም። “ብተወሳኺ፡ ኣብ ግዕዝ ጥራይ ዚርከብ ብሳድስ ዚወድእ ቃል ናብ ትግርኛ ኺርዓም ምስ ዚድለ፡ በዚ ናይ ‘ላዛ’ ዝምድና ብቐሊሉ ንምልቃሕ ይክኣለ።” ብምባል ይምዕድ (ገጽ 128)።

–ኣርኣያ ካሳ

ትግርኛ ኣይተሓናፈጽ እናበልና ኣይንሓናፍጽ፡ ግእዝ ዓንዲ-ሕቖ ትግርኛ እዩ -2

ትግርኛ ኣይተሓናፈጽ እናበልና ኣይንሓናፍጽ፡ ግእዝ ዓንዲ-ሕቖ ትግርኛ እዩ
ካልኣይን መወዳእታን ክፋል

(ለ) ኣብ ዓምዲ “ቅኑዕ-ግእዝ” ዝኣተዉ ቃላት-ግእዝ ምስ መዛምድቶም ቃላት ትግርኛ
ኣብ’ዚ ዚድህሰሱ እቶም ኣብ ዓምዲ “ቅኑዕ-ግእዝ” ዝኣተዉ ቃላት-ግእዝ ዝተባህሉ እዮም። ኣቀራርባኦም ብኸም’ዚ ዚስዕብ ይኽውን፤ 1. ምእራም ዘየድልዮም ቃላት 2. ካብ ቀንዲ ትርጕም ግእዝ ተፈልዮም ዝረዓሙ ቃላት 3. ብግጉይ እተተርጐሙን ብጌጋ ሆህያት እተጻሕፉን ቃላት ግእዝ እዮም።

(ለ.1) ፍሉጣትን ልሙዳትን ቃላት፡ ምቅይያር ሆህየ እንተ ዘይኮኑ፡ ከም ሓደስቲን ኣደናገርቲን ንምእራም ኮነ ንምምሃር ኣብ ጽሑፍ ኪቐርቡ ዘይነበሮም፤ “መስኮት፡ ሳእን፡ ጉባኤ፡ ኣየር፡ አብ፡ ኃጢአት፡ ርስሐት፡ ጠረጴዛ፡ ሠረገላ፡ ልዕልና” ዚብሉ ይርከቡ።

(ለ.2) ብግእዝ ካልእ ትርጕም እንከለውዎም ግን ከም ስነ-ቓል ናብ ትግርኛ ዝረዓሙን ዝተለምዱን ቃላት፡ ሕጂ ንድሕሪት ተመሊስካ ምትግባሮም ዜጸግሙ ቃላት፤
1. “ሰዋስው” ብመሳልል ዝትርጐም እኳ እንተኾነ ከም ስነ-ቓል፡ ንኣገባብ ቅጥዒ ኣጸሓሕፋ ርዒሙ እዩ።
2. “መጽሔት” ብመስትያት ዝትርጐም እኳ እንተኾነ እቲ “መጽሔት” ዚብል ቃል ንሓደ ጥርኑፍ ጽሑፍ ርዒሙ፡ “መስትያት” ከኣ ልሙድ ኮይኑ እዩ።
3. “ሥነ” ብትግርኛ “ጽባቐ ናይ” ዝተርጐም እኳ እንተኾነ ብ “ስነ” ከም ቅ.ጥ. ንኣገባብ፡ መጽናዕቲ፡ ኪነት … ርዒሙ እዩ። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ታሕቲ ኣሎ (ለ.3 ቍ.10)።
4. “መዋዕል” ብ”መዓልታት” ዝተርጐም እኳ እንተኾነ፡ ትግርኛ ን”ዕ” ብ”እ” ብምቕያር ን”ንውሓት ግዜ” “ዕደመ” የውዕሎ ኣሎ። ብኡ ግን ኣይተደረተን፡ ተደጋጋሚ ምሕጽንታ ዝቐረበሉን ዘይተኣረመን “መዋእለ ህጻናት” ዚብል ግጉይ ሓረግ ይትግበር ኣሎ።

(ለ.3) ብግጉይ እተተርጐሙን ብጌጋ ሆህያት እተጻሕፉን ቃላት ግእዝ፤
1.ን “ሐሰ/ሓሰ” ብ “ኣይኮነን”፤ “ሐሰ/ሓሰ” ቃለ-ኣጋንኖ ኮይኑ ናብ ብትግርኛ፡ ብ“እግዚኣብሄር ኣይግበሮ!” ኪትርጐም ይከኣል። “አኮ” ዚብል ቃል ግእዝ ብ “ኣይኮነን/ኣይፋሉን” ኪትርጐም ብቑዕ ቃል ይኸውን።

2. ን “ስእለ ምድር” ብ“ስእሊ ምድሪ”፤ “ስእለ” – ብፊደላት “ሳት”ን “አልፍ”ን ኪጸሓፍ እንከሎ ካብ “ሰአለ” ግሲ ተበጊሱ ናብ ትግርኛ ብ “ሓተተ” “ለመነ” ይትርጐም። እቲ ኣብ’ዚ ተደልዩ ዘሎ “ስእሊ-ምድሪ” ቃል ምስ “ስእሊ” ዝተተሓሓዘ ብግእዝ ብፊደላት “ሠውት”ን “ዐይን”ን እዩ ዚጸሓፍ፣ ብ “ሥዕለ ምድር” ተጻሒፉ እቲ ትግርኛ ከኣ፡ ብያታዊ ስርዓተ-ጽሕፈት፡ ብ“ሥዕሊ-ምድሪ” ኪጽሓፍ ነይርዎ።

3. ን“ጠፈረቤት” ብ“ሰንቀ”፤ “ጠፈረ” (ግሲ) ሓደ ካብ ትርጕሙ ንገዛ ሸፈነ ኮይኑ “ጠፈር” (ስም) ከኣ እቲ ሽፋን እዩ። “ጠፈር” እኹል እዩ፡ ድሕረ-ጥብቆ “ቤት” ኣድላዪ ኣይኮነን።

4. ን “ተግቢጥ” ብ“ዓይኒምድር”፤ “ተግቢጥ” ንዓይኒ-ምድሪ ኣይትርጕምን። “ገቢጥ/ገብጥ” ቅሓር ወይ ቅርጸት-ከብዲ እዩ፣ “ተግቢጥ” ከኣ ብሳዕቤኑ ዝኽሰት ውጽኣት እዩ። ን“ዓይኒምድሪ”፡ ብግእዝ ዝሓሸ ቃል “ምኵሳሕ” ኮይኑ ኣብ ታሕትቲ፡ ቁ.5 ተመልከት።

5. ን“ቤተምኵሳሕ” ብ“ለባም”፤ “ቤተምኵሳሕ” ድርብ “ቤት” ሓቊፉ ግጉይ ረባሕታ ኮይኑ። ግሲ “ኰስሐ” ማለት ‘ደገ/ቀልቀል’ ወጽአ፡ ሓርአ ኮይኑ፡ “ምኵሳሕ” (ስም) ንእቲ ቦታ እትሓርኣሉ ዜመልከት፡ ቤት እዩ። ስለ’ዚ ቅድመ-ጥብቆ “ቤተ” ኣድላዪ ኣይኮነን። ካብ’ቲ ስም “ኵስሕ” (‘ቀልቀል’) ተበጊስካ ግን “ቤተ-ኵስሕ” (ቤት ‘ቀልቀል’) ምባል ብሰዋስው እሩም ይኸውን። ኣብ ክንዲ ድርብ-ቃል ግን ስለ ዘሎ፡ “ምኵሳሕ” ተመራጺ ይኸውን። “ምኵሳሕ” ን“ሽቓቕ” መብረ-ቃል ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ “ለባም” ዚብል ቃል ኣብ’ዚ ቦታ የብሉን፡ ኣብ ላዕሊ (ሀ ቁ. 2)፡ ብዛዕባ “ለባም” ዝተጻሕፈ ተመልከት።

6. ን “ተውኔት” ብ“ምውስዋስ ኣካላት”፤ “ተውኔት” ምውስዋስ ኣካላት ኣይኮነን፣ ካብ ግሲ “ዋነየ” ዝወጸ ስም እዩ። ትርጕም “ዋነየ” ተጻወተ፡ ተዘናግዐ፡ ሳዕስዐ እዩ። ካብ እዚ ተበጊስካ “ተውኔት” ከም ጸወታ፡ “መካነ-ተወኔት” ከኣ ሜዳ/ቦታ-መጻወቲ/መሳዕስዒ ኮይኑ ኪረዓም ይከኣል። ከምኡ’ውን “ተዋናዪ” ንተዋሳኢ መብረ-ቃል ኪኸውን ይኽእል። ፍሉይ ርዕመት “ተዋስኦ” ኣብ ታሕቲ (ሐ.1) ተመልከት።

7. ን “ርስሐት” ብ“ርስሓት”፤ “ርስሐት” ብ“ርስሓት” ኪጽሓፍ ዘለዎ ብዘመናዊ ስርዓተ-ጽሕፈት እዩ። ብያታዊ ስርዓተ-ጽሕፈት ግን ከም ዘለዎ ቅኑዕ እዩ። ብፍላይ ሄኖክ፡ ያታዊ ስርዓተ-ጽሕፈት ስለ ዝጥቀም፡ እቲ ቀዳማይ እዩ ቅኑዕ።

8. “ማክያ” ብ“ርስሐት”፤ “ማክያ” ምስ ርስሓት ርክብ ዘለዎ “ጽያቐ”እምበር ብ “ርስሓት” ኣይትርጐምን። ብግእዝ ከኣ “ንቅፈት” ይብሃል። ኣብ ትግርኛ እንተ ዝርዕም ግርም ምኾነ። ንኣብነት፡ “እዛ ነጻላይ ቡን ፈሲስዋስ እቲ ንቕፈት (ጽያቐ) ምጽራይ ኣብዩኒ።”

9. ን“መርሀ ግብር” ብ“መደብ መርሃ ግብር”፤ “መርሀ ግብር” ካብ ግእዝ “መርሐ” “ግብር” ን ዝረዓመ ትግርኛ እምበር ግእዝ ኣይኮነን። ብትግርኛ፡ ብያታዊ ስርዓተ-ጽሕፈት፡ ከኣ ብ“መርሐ ግብር” እዩ ዝጽሓፍ። ትግርኛ፡ ንኽለተ ቃላት ግእዝ ኣጣሚሩ ዝመስርሖ ናብ ግእዝ ኪርዕም እንተ ዘይኮይኑ ብግእዝ “መርሀ ግብር” ኣይብሃልን።

10. ን“ሥነ ፍልጠት” ብ “ሥነ ጥበብ” ፤ “ሥነ ፍልጠት” ትግርኛ ብ “ሥነ ጥበብ” ግእዝ ኣይትርጐምን። ኣብ’ዚ ድርብ ጌጋ ርዕመት ይፍጸም ኣሎ። ትግርኛ፡ ን“ሥነ” ዚብል ቃል ግእዝ፡ ካብ እቲ ቀንዲ ትርጕሙ ፈልዩ ከም ቅድመ-ጥብቆ ን“ኣገባብ፡ መጽናዕቲ” ኣርዒሙ ኣብ ክእረመሉ ዘይኽል ኵነት ኣብጺሕዎ ኣሎ። ሕጂ ከኣ እዚ ሙሱን ትግርኛ ተመሊሱ ንግእዝ ከማስን ይፍተን ኣሎ። ናይ “ሥነ” ግሲ “ሠነየ” እዩ። ትርጕም “ሠነየ” ፡ ብትግርኛ፡ “ሰናይ ኮነ፡ ጸበቐ፡ ግቡእ ኮነ” እዩ፣ “ሥነ” ከኣ “ሰናይ ናይ …” (ከም ቤተ – ቤት ናይ፡ ቤተ ክርስትያን – ናይ ክርስትያን ቤት) ማለት እዩ። ካልኦት ረባሕታ “ሠነየ”፤ “አሠነየ” – ኣጸበቐ፡ “ሠናይ” – ጽቡቕ፡ “ሥን” – ጽባቐ። እዚ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ “ስነ-ጽባቕ” (ሥነ-ሥን) ኪበሃል ከሎስ ናይ ጽባቐ ጽባቐ ማለት ዶ ይኸውን፧ (ንፍሽኽታ)።

11. “ጉባኤ አድያም” ፤ “ጉብኤ አድያም” ዚብል ጥሙር ቃል ግእዝ ግጉይ እዩ። “አድያም” ማለት ከባቢ፡ ደረት፡ ወረዳ፡ ኣውራጃ፡ ውሱን-ቦታ እዩ። ካብ’ዚ ተበጊስካ፡ ብትግርኛ “ጉብኤ ኣድያም” “ጉብኤ ከባቢ” “ጉብኤ ዞባ” ኪትብል ዘይቅኑዕ እዩ። ተወሳኺ ኣብ ላዕሊ (ሀ.18) ተመልከት።

12. “ስሕበት” ትግርኛ ናብ ግእዝ ንምርዓም እንተ ዘይኮይኑ “ስሕበት” ግጉይ ግእዝ እዩ። ካብ ግእዝ “ሰሐበ” ናብ ትግርኛ፡ ብያታዊ ስርዓተ-ጽሕፈት ከም ዘለዎ፣ ብዘመናዊ ስርዓተ-ጽሕፈት ከኣ ብጀኻ ሆህየ “ሐ” ብ “ሓ” ምቕያር ናብ ትግርኛ ርዒሙ እዩ። ካብ “ሰሓበ” ተበጊሱ “ስሕብት” ዚብል ረባሕታ-ስም ን”gravity” ቅኑዕ እዩ። ብግእዝ “gravity” እንተ ተደልየ፡ ረባሕታኡ ካብ ግእዝ ይውጻእ። ኣብነታት ረባሕታ “ሰሐበ” – “አስሐበ”፡ “ተስሐበ”፡“መስሕብ” ይርከቡ። ስለ’ዚ ን gravity ብቅኑዕ ኪትርጕም ዚኽል ቃል “መስሕብ” እምበር “ስሕበት” ኣይኮነን።

13 “መስሕብ” ግእዝ ንትግርኛ፤ “መስሕብ” ግእዝ ናብ ትግርኛ ን magnet እንተ ረዓመ ካብ “ስሕበት” ስለ ዝፈልዮ ጠቓሚ እዩ።

14. “ዓጸደ” ብ”ዐጸድ” ይጽሓፍ፣ ከምኡ’ውን ዐጸደ-ሐምል ን garden፡ ዐጸደ-ንጉሥ ን court; palace፡ ዐጸደ-ቀምሕ ን orchard፡ ዐጸደ-ወይን ን vineyard እንተ ዝርዕሙ ትግርኛ ምሃብተመ። “ኣጸደ ህጻናት” ኪበሃል እንከሎስ “ደምበ ህጻናት” ንምባል ዶ ይኸውን፧ ካብ “መዋእለ ህጻናት”ስ ይሓይሽ።

15 “ዳህነ” ግእዝ ብፊድለ-ሆይ፡ “ድኃን” ትግርኛ ብፊደአል-ኅርም ተጻሒፎም። ክልተኦም ብፊደል-ኀርም ኪጸሓፉ ነይርዎም እቲ ቅኑዕ ከኣ “ድኅነ/ድኀነ” እዩ።

16. ን“ተሓጋጋዚ መኪና” ብ“ረድአሀዳፍ”፤ ካብ “ረድአሀዳፍ” ዝብል ድርብ-ቃል፡ እቲ “ረድአ” ዚብል ግሲ ብትግርኛ “ሓገዘ፡ ረድአ፡ ተምሃራይ ኮነ” ኮይኑ ምስ እቲ “ተሓጋጋዚ” ዚብል ቃል ብቑዕ ትርጉም ይኸውን። እቲ “ሀዳፍ” ዚብል ቃል ኪርከብ ኣይተኻእለን። ምስ “ሀዳፍ” ብምድማጽ ዝቀራርቡ “ሐዳፍ” “ኀዳፍ” ን ግን ኣለዉ፡ ምስ “መኪና” ግን ዘራኽብ የብሎምን። “ሐዳፍ” ክሳድ ኪኸውን እንከሎ “ኀዳፍ” ከኣ መቕዘፊ-ጃልባ እዩ። ስለ’ዚ “ተሓጋጋዚ መኪና” ብ“ረድአሀዳፍ ኣይትርጐምን።

16. ን “መርጡል” ብ“መረባዕ/መርጡል”፤ “መርጡል” (tabernacle) ዝብል ቃል ዓይነት ድንኳን ኮይኑ ከም ተንቀሳቓሲ ቤተ-ጸሎት (ታቦት) ዜገልግል ዝነበረ እዩ። “መርጡል” ከም ዘለዎ ናብ ትግርኛ ምርዓምን መብረ-ቓል “መረባዕ” ኪኸውንን ዘይቅኑዕ እዩ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ላዕሊ (ሀ ቁ.12) ተወከስ።

17. ን“አቃቂር” ብ”ቀመም”፤ ፈለማ እቲ ፊደል-አልፍ ብፊደል-ዐይን ኪጽሓፍ ኣለዎ። “ዐቃር” ንጽል፡ “ዐቃቂር” ከኣ ብዙሕ ይኸውን። ትርጉም “ዐቃር” ፈውሲ፡ መድሃኒት፡ ቀመም እዩ። “ዐቃቂር” ከኣ ብ“ቀመማት” ኪትርጐም ይግባእ።

18. ን “ምጣኔሀብት”ብ“ምጣኔ ሃብቲ/ቁጠባ”፤ ኣብ’ዚ ትግርኛ ናብ ግእዝ ንምርዓም እንተ ዘይኮይኑ “ምጣኔሀበት” ዚብል ጥሙር ቃል ግእዝ ግጉይ እዩ። ግእዝ “መጠነ” ብትግርኛ “ዓቀነ፡ ገመተ” እዩ፣ ግእዝ “ሀብት” ከኣ ብትግርኛ “ህያብ” እዩ። ስለዚ ግእዝ “ምጣኔ ህብት” ብትግርኛ “ግምት/ዓቐን ህያብ” ይትርጐም፣ እዚ ከኣ ምስ “ቁጠባ” ርክብ የብሉን። ብትግርኛ “ሃብቲ”፡ ብግእዝ “ብዕለ” ይብሃል።

ምንጪ “እለቄጥሩ” ኪርከብ ኣይተኽእለን።

(ሐ) ምርዓም ቃላት ግእዝ ናብ ትግርኛ

ግእዝ ሃብታም ምንጪ ቃላት ትግርኛ እዩ። ሓድሽ ኵነት ተፈጢሩ ወይ ቅድሚ ሕጂ ካብ ባዕዲ ይዅን ብጌጋ ዝረዓመ ንምእራምን ንምትካእን፡ ቃላት ካብ ግእዝ ሃሰስ ምባል ንምዕባለ ትግርኛ ሓጋዚ እዩ። እዚ ኮይኑ ግን ብዘይ ገለ መጐትን መግልጺን፡ ቃላት ኣራሪኻ ማህደረ-ቓላት ምድርዳር ኣይምሃሪን፡ ንምርዓሙ እውን የጸግም። እቶም ኪርዕሙ ዝድህሰሱ ቃላት ኣቐዲምካ ትርጕሞምን ረባሕታኦምን ገሊጽካ፡ ኪርዕሙሉ ዝኽእሉ ኣብነት ምሉእ-ሓሳብ ጽሒፍካ ምቕራብ ምሃሪ ይኸውን።

ኣብ’ዚ፡ ከም መበገሲ፡ ንእዞም ዚስዕቡ ዝርዝራት ንምጽራይ አቕርብ (እቶም ብቀይሕ-ቀለም ወይ ከኣ ካብ ሓጹር ወጻኢ ዘሎዉ ቃላት ግእዝ እዮም። እቶም ብጸሊም-ቀለም ወይ ኣብ ውሽጢ ሓጹር ዘሎዉ ቃላት-ትግርኛ እዮም)።
ኣቀራርባኦም፤
1. ካብ እቲ ቀንዲ ትርጕሞም ተፈለዮም፡ ናብ ትግርኛ ዝረዓሙ ቃላት ግእዝ 2. ግእዝ ዝመበቆሎም ግን ብምሉእ ረባሕታኦም ዘይትግበሩ ቃላት 3. ግእዝ ዝመበቆሎም ግን ሆህያቶም ዝተቐያየሩ ቃላት 4. ሕደ ዝጸሓፉ ግን ብግእዝን ብትግርኛን ትርጕሞም ርክብ ዘይብሎም ቃላት እዮም።

1. ግእዝ ዝመበቆሎም ቃላት፡ ካብ እቲ ቀንዲ ትርጕሞም ተፈለዮም፡ ናብ ትግርኛ ርዒሞም ክእረምሉ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ ዝብጽሑ ምልላይ። ንኣብነት፤
ሐወለ (ሓወሰ፡ ኣሕበረ)
ሐወሰ (ኣንቀሳቐሰ፡ ነቕነቐ፡ ብሰላሕታ ከደ)
መጽሔት (ጸሓየ፡ ግሉጽ-ኮነ፡ ‘መስትያት’)፡
ሥነ ( ጽባቓ ናይ … (ኣብላዕሊ – ለ.3 ቍ.10 – ተወከስ))።
ረትዐ (ትኽ-በለ፡ ቅኑዕ-ኮነ፡ እሙን-ኮነ) አርተዐ (ትኽ-ኣበለ፡ ኣቕነዐ)
ረዓመ (ዓው-በለ፡ ጨደረ፡ ነጐደ)።
ሰዋስው (መሳልል)፡
አንቀጽ ብ”ዓንቀጽ” (ማዕጾ፡ ኣፍደገ፡ ምዕራፍ)
ወሥአ (መለሰ፡ ተዛረበ) ተዋሥኦ/ተዋሥኦት (መደረ፡ ተኻትዐ፡ ተጻረረ)
ዘግሐ (ዓጸወ)
ጾታ (ተርታ፡ መስርዕ፡ ወገን፡ ክፍሊ፡ ዓይነት)፡ ጾታ ሕዝብ (ተራ ህዝቢ)፡
ፈለጠ (ፈለጸ፡ ፈለየ፡ ነጸረ) ፍልጠት (ምፍላጽ፡ ምፍላይ፡ ምንጻር)

2. ግእዝ ዝመበቆሎም ግን ብምሉእ ረባሕታኦም ዘይትግበሩ ምልላይ።
ንኣብነት፤
ሐይወ (ብህይወት ሃለወ)፡ ሐይወ እምቀቲል (ካብ ሞት ኣምለጠ)፡ አሐየወ (ብህይወት ሓዘ)፡ አስተሓየወ (ናብ ህይወት መለሰ)፡ ሕያው/ሕያውት (ህያው)፡ ሕይወት (ህይወት)፡ ማሕያዊ (ህይወት ዚህብ፡ መድሕን)
ዐርገ (ደየበ)፡ ምዕራግ (መደየቢ፡ መደየቢ-መንገዲ፡ መሳልል)፡ ማዕርግ (ደረጃ፡ መደያይቦ፡ ክብሪ (ንሰብነት))።
ኰነነ (ኰነነ፡ ፈረደ፡ ገዝአ፡ ሓይሉ-ኣርኣየ)፡ መኰንን (ገዛኢ፡ ፈራዲ፡ ላዕለዋይ ብዓል-ስልጣን)።
ሰለጠ (ምሉእ- ፍጹም- ውዱእ-ኮነ)።
ሠለጠ (ስልጣን-ሓዘ፡ ሓይሉ-ኣርኣየ፡ ሓለቓ-፡ ገዛኢ-ኮነ)፡ ሥልጣን (መዝነት፡ ሓይሊ፡ ሓላፍነት፡ ስልጣን)።
ወጠነ (ጀመረ)፡ ጥንት (መጀመርታ)።

3. ግእዝ ዝመበቆሎም ግን ሆህያቶም ዝተቐያየሩ ምልላይ።
ወለጠ (ለወጠ)፡ ዘይተቐይረ ተውላጠ (ተውላጠ-)።
ጐንደየ (ደንጐየ)፡ አጐንደየ (ኣደንጐየ)፡ ተጐናደየ (ተደናጐየ)፡ ጐንድዮ (ምድንጓይ)

4. ሕደ ዝጸሓፉ ግን ብግእዝን ብትግርኛን ትርጕሞም ርክብ ዘይብሎም ቃላት ምልላይ።
ንኣብነት፤
ሀብት (ህያብ ካብ ወሀበ)፡
ሀደመ (ከቢድ-ደቀሰ፡ ኣዘንተወ)።
ሐወረ/ሖረ (ከየደ/ከደ – ኣብ ታሕቲ ከየደ ተመልከት)
መሠጠ (ቀዳደደ፡ ቈረጸ፡ መንጠለ፡ ጨወየ)፡
ረወጸ/ሮጸ (ጐየየ- ኣብ ታሕቲ ጐየየ ተመልከት)፡
ነከየ (ጎድአ፡ ኣሕመመ፡ ኣዕነወ)፡
ነቢት (እትንበ – ኣንስ-ጾታ ናይ ነብይ)
ከየደ (1. ረገጸ/ድሃኸ – መኼዳ 2. ምስክረነት ተቐበለ – ኪዳን)
ጐየየ/ጐየ (ሃደመ)

ኣርኣያ ካሳ
1 መስከረም 2017

ሄኖክ ገብረሚካኤል (መሪ/)፡ (5 ጥቅምቲ 2016)። “ቋንቋ ትግርኛ ኣይተሓናፈጽ”። ኣስመራ፡ ሓዳስ ኤርትር፡ ገጽ 6.
ንመወክሲ ኣብ ጋዜጣ ዝወጸ ሰሌዳ

ትግርኛ ኣይተሓናፈጽ እናበልና ኣይንሓናፍጽ፡ ግእዝ ዓንዲ-ሕቖ ትግርኛ እዩ

እዛ እትስዕብ ርእይቶ ኣብ ከብሐይ ዕቅብቲ ዝነበረት እያ። ኣመሓይሸ፡ ኣብ ቃልዕ ዘውጻእክሉ ምኽንያታት፡ ካብ’ታ ጽሕፍቲ ሄኖክ ዝተበገሰ ሕትቶ ንምምላስ፡ ግእዝን ትግርኛን ብዝምልከት ዝቐረበ ዘይእሩም ምልቕቓሕ ቃላት ንምግታእን ንምምዕባል ትግርኛ ዳግም ንግእዝ ንምፍታሽን እዮም። እቲ ኣብ ካልኣይ ክፋል ዚቐርብ “ምርዓም ቃላት ግእዝ” ብቐጻሊ ዝምለሶ ኣርእስቲ እዩ።

ትግርኛ ኣይተሓናፈጽ እናበልና ኣይንሓናፍጽ፡ ግእዝ ዓንዲ-ሕቖ ትግርኛ እዩ
ቀዳማይ ክፋል
ኣርኣያ ካሳ፡ ካልጋሪ፡ ካናዳ 2016
ktaraya@shaw.ca

ብሄኖክ ገብረሚካኤል፡ ኣብ “ሓዳስ ኤርትራ”፡ 5 ጥቅምቲ 2016 ዝወጸት ጽሑፍ፡ ኣርእስታ “ቋንቋ ትግርኛ ኣይተሓናፋጽ” ይብል። ካብ’ታ ኣርእስቲ ጽሑፍ ተበጊሰ ዝነበረኒ ትጽቢት፡ እቲ ኣብ ምትሕንፋጽ ትግርኛ እተኻየደ ምርምር፡ ኣበይ ከም ዝተኸስተን እቶም ግጉያት ተባሂሎም እተጠቕሱ ቃላት መጐት መኣረምታኦምን ንምንባብ ነበረ። እቲ ዝቐረበ ግን ብዘይ ትግብረ-ትሕዝቶ (context) ድርዳረ ማህደረ-ቓላት ጥራይ እዩ። ብተወሳኺ ምስ ምትሕንፋጽ ትግርኛ ርክብ ዘይብሉን ንምንታይ ከም ዝተወሰኸ መግለጺ ዘይተዋህቦን ቃላት ግእዝ ዝሓዘ “ቅኑዕ ግእዝ” ዚብል ዓምዲ ኣትዩ ይርከብ። ንመወከሲ፡ ቅዳሕ እቲ ዝተዋህበ ሰሌዳ ኣብ ታሕቲ (ደድሕሪ ካልኣይ ክፋል) ኣሎ።

ድኽመት እዛ ጽሕፍቲ ግን ኣብ ምድርዳር ማህደረ-ቓላት ጥራይ ኣይኮነን። ግጉይ ትርጕማትን ኣቀራርባን እውን ኣለዋ። እተን ተመሪጸን ዝቐረባ 45 ቃላት፡ ብሓፈሻኡ ንእቲ እታ ጽሕፍቲ ዝተበገሰትሉ ዕላማ – ምትሕንፋጽ – ኣይወቕዓን። እተን እታዋት፤ (ሀ) ገሊአን ኣበየናይ ጽሑፍ ሰፊረን ንቡር መራኸቢ ከም ዝኾና ኣብነታት ኣይቀረበለንን። (ለ) ገሊአን ግህሰት ሰዋስው እምበር ምንጨን ባዕዲ ኣይኮነን። (ሐ)ግእዝ ዝመበቆለን ቃላት ብዘይ መጐት ኪረዓማ ተፈቲነን። (መ) ቃላት ትግርኛን ትግርኛ ካብ ግእዝ ዝመስርሖም ቃላትን ከም ግእዝ ኣብ ትሕቲ “ቅኑዕ ግእዝ” ሰፊሮም።

ብዛዕባ ምትሕንፋጽ ቋንቋ ዘለኒ ርእይቶ ቅድሚ ሕጂ ገሊጸ እየ። እዚ ከኣ “ትግርኛ ንኽምዕብል ብዘይ ምሕዋስ ካልእ ቋንቋ ይጸሓፍ” ይብል። ብዝተኻእለኒ መጠን ከይሓዋወስኩ ንኽጽሕፍ ሕርድግ እብል እየ። ምትሕውዋስ ካልእ ቋንቋ ኣብ ዝትግብረሉ ግዜ፡ ንነበብተይ ኣቐዲመ እሕብር እየ። እዛ ብሄኖክ ዝቐረበት ጽሕፍቲ ቀንዲ መበገሲታ “ምትሕንፋጽ” ቋንቋ ስለ ዝኾነትን ስለ እትሓናፍጽን ኣነ እውን ክሓዋውስ እየ።

ኣብ’ዛ ጽሕፍቲ ዘሎኒ ርእይቶ ኣብ ሰለስተ ከፊለ ከቕርቦ እየ። ንሳቶም ከኣ፤ (ሀ) ኣብ’ቲ ዝቐረበ ሰሌዳ ዚርከቡ ዘይቅኑዓት እተባህሉ ቃላት ትግርኛ። (ለ) ኣብ ዓምዲ “ቅኑዕ-ግእዝ” ዝሰፈሩ ቃላት ግእዝ ምስ መዛምድቶም ትግርኛ – ብዘይ መጐት ናብ ትግርኛ ዝረዓሙን ግጉያትን ቃላት። (ሐ) ምርዓም ቃላት ግእዝ ናብ ትግርኛ እዮም።

ቅድሚ ናብ ዳህሳስ ምእታው ግን እዘን ዚስዕባ ክልተ መግለጺታት ከቕርብ፤ (1) መብርሂ ስነ-ቓል ስርዓተ-ጽሕፈት (1.1) መብርሂ ስርዓተ-ጽሕፈትታት (1.2) ብሄኖክ ዝቐረበ ምትሕንፋጽ ስርዓተ-ጽሕፈት። (2) ብዛዕባ “ጊጉይ” እትብል ቃል።

(1) መብርሂ ስነ-ቃል ስርዓተ-ጽሕፈት
ስርዓተ-ጽሕፈት ማለት፡ ቃላት ብኣይኖት ፊደላት ከም ዚጽሓፉ ዝገልጽ ኣገባብ ጽሕፈት እዩ። ክልተ ዓይነት ስርዓተ-ጽሕፈታት ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ ያታዊ-ስርዓተ ጽሕፈትን ዘመናዊ ስርዓተ-ጽሕፈትን እዮም። መብርሂኦም ይስዕብ።

(1.1) መብርሂ ስርዓተ-ጽሕፈትታት
1. ያታዊ ስርዓተ-ጽሕፈት ትግርኛ ኣብ ግእዝ ዝተመርኰሰ እዩ። ፊደላት ኣየጕድልን፡ ‘ኣመላውያን’ ፊደላት (ሆይ፡ ሐውት፡ ኀርም፡ አንበሳን ዐይንን) ከኣ ግእዞምን ራብዖምን ሕደ ድምጺ ኣለዎም። ግእዝ ዝመበቆሎም ቃላት ኣጽሓሕፋኦም ከም እቲ ብግእዝ ዚጽሓፍ እዩ። እዚ ኣገባብ ጽሕፈት ንምትግባር፡ ቃላት ግእዝ፡ ብግእዝ ብኸመይ ከም ዝጽሓፉ ምምላኽ ግድነት እዩ። ብቤተ-ክርስትያን ተዋህዶ ዚጽሓፍ ትግርኛ፡ ንእዚ ስርዓተ-ጽሕፈት ዝኽተል ይመስል።

2. ዘመናዊ ስርዓተ-ጽሕፈት ንያታዊ ስርዓተ-ጽሕፈት ምምሕያሽ ይገብር። ኣብ ዘመናዊ ስርዓተ-ጽሕፈት ኩሎም ፊደላት ብሸውዓት ፍሉያት ድምጺታት ይድመጹ፣ ብተወሳኺ ሕደ ዝድምጾም ግን ዝተፈላለይ ቅርጺ ንዘለዎም ፊደላት ንሓዲኦም ጥራይ (ሳት፡ ጸደይ) ይትግብር። ብኀርም ዚጽሓፉ ቃላት ግእዝ፡ ንገሊኦም ብሆይ፡ ንገሊኦም ከኣ ብሐውት ይጽሕፍ (ኣብነታት ኣብ arayakt.wordpress.com ይርከብ)። ብተወሳኺ፡ ግእዝ ዝምንጮም ቃላት፡ ጀመርቲን ኣብ ማእከል ዚርከቡን ኣመላውያን-ፊደላት ግእዝ እንተኾይኖም፡ ናብ ራብዕ ቀይሩ ይጽሕፎም፣ ኣብ መወዳእታ ቃል እንተኾይኖም ግን ግእዞም ይዕቅብ። ኣብ’ዚ ስርዓት’ዚ ብድምጺ ዝውከል ኣወላዋሊ ቅርጺ-ፊደል የልቦን።

(1.2) ብሄኖክ ዝቐረበ ምትሕንፋጽ ስርዓተ-ጽሕፈት
ኣብ’ዛ ዓንቀጽ ምድብላቕ ያታዊ ስርዓተ-ጽሕፈትን ዘመናዊ ዘመናዊ ስርዓተ-ጽሕፈትን ትግርኛ ይግሃድ እዩ። ጭብጢ ምትሕንፋጽ ፊደላት ኣብ’ቲ ድርሰትን ኣብ’ቲ ሰሌዳን ይርከቡ። ሄኖክ፡ ኣብ ጽሕፈቱ ንፊደላት ኀርም፡ ሠውትን ፀጳን ከም እኒ ‘መድኃኒት’ (ኀርም)፡ ሥነ-ፍልጠት (ሠውት)፡ ‘መዋዓሊ’ ሕፃናት (ፀጳ) ስለ ዝትግብር ከም ተኸታሊ ያታዊ ስርዓተ-ጽሕፈት ትግርኛ ወሲደዮ ኣለኹ (ንምሉእ ዝርዝር ተጸውዖ-ስም ፊደላት ግእዝ ኣብ arayakt.wordpress.com ተወከስ)።

ኣብ ላዕሊ ካብ ዝቐረበ ትዕዝብቲ ብምብጋስ፡ ግእዝ ዝመበቈሎም ቃላት፡ እንኮላይ ኣመላውያን ፊደላት (ሀ/ሃ፡ ሐ/ሓ፡ ኀ/ኃ፡ አ/ኣ፡ ዐ/ዓ) ዝሓቝፉ ቃላት፡ ብያታዊ ስርዓተ-ጽሕፈት ኪጽሓፉ ይግባእ። ሄኖክ ግን ንእዚ ኣይኽተልን፡ ያታዊን ዘመናዊን ስርዓተ-ጽሕፈት ይሓናፍጽ እዩ። ኣብ’ቲ ድርሰትን ኣብ እቲ ሰሌዳን ዝርከቡ ኣብነታት ምትሕንፋጽ ቀጺሎም ይቐርቡ።

ኣብ ድርሰት ዝርከቡ፤ “ሓሳብካ፡ ሓሊፉ ኣሃዛት ትንሳኤ፡” ዚብሉ ብዘመናዊ ስርዓተ-ጽሕፈት ቅኑዓት ይርከቡ። ከም’ቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ፡ ሄኖክ ያታዊ ስርዓተ ጽሕፈት ስለ ዚጥቀም፡ ብ “ሐሳብካ፡ ኅሊፉ፡ አኀዛት፡ ትንሣኤ” ገይሩ ኪጽሕፎም ነይርዎም።

ኣብ ሰሌዳ ዝርከቡ፤ ኣብ ትሕቲ ቅኑዕ ትግርኛ ዚብል ኣርእስቲ እዞም ዚስዕቡ ክልተኡ ስርዓተ-ጽሕፈትታት ብምሕውዋስ ተጻሒፎም ይርከቡ፤
ድኃንኩን፡ ስእሊ ምድሪ፡ ምጣኔ ሃብቲ፡ ዓይኒ ምድሪ፡ ቤት መድኃኒት፡ ‘ሓጢአት’፡ ሥነ-ፍልጠት። ።

ብያታዊ ስርዓተ-ጽሕፈት፡ “ሥነ-ፍልጠት” ጥራይ ብቅኑዕ ተጻሒፉ ኣሎ፣ እቶም ዝተረፉ ግጉያት እዮም። ብኸም’ዚ ዚስዕብ ከኣ ኪጸሓፉ ነይርዎም፤ ድኀንኩን፡ ቤት መድኀኒት፡ ሥዕሊ ምድሪ፡ ምጣኔ ሀብቲ፡ ዐይኒ ምድሪ፡ ኀጢአት (መዘክር፡ “ሠዐለ”ን “ሰአለ”ን ክልተ ዝተፈላለዩ ቃላት እዮም፣ “ሠዐለ” ዝብል ቃል ግእዝ፡ ብትግርኛ ቀብአ፡ ቀረጸ፡ ሰኣለ ማለት እዩ፣ “ሰአለ” ዝብል ቃል ግእዝ ከኣ፡ ብትግርኛ ለመነ፡ ሓተተ ማለት እዩ፣ ከምኡ’ውን ን‘ኀጢአት’ ንዚምልከት ዳህሳስ ኣብ ታሕቲ (ሀ.1) ተመልከት።)

(2) “ጊጉይ”
ኣብ’ቲ ብሄኖክ ዝቐረበ ሰሌዳ፡ ኣብ ኣርእስቱ ዘለዉ ቃላት ብትግርኛ እዮም፡ ዝርዝሮም ከኣ፤ “’ጊጉይ’ ትግርኛ፡ መበቈል ቋንቋ፡ ቅኑዕ ትግርኛ፡ ቅኑዕ ግእዝ” ይብል። እታ “ጊጉይ” እትብል ቃል ኣብ ኣርእስቲ ሰሌዳን ኣብ ካልኣይ-ዓምዲን ትርከብ። ጽሕፈት “ጊጉይ” ቅንዕቲ ረባሕታ ግእዝ እመበር ቅንዕቲ ረባሕታ ትግርኛ ኣይኮነትን፣ ትርጕማ ከኣ “ዝተጋገየ” (ክንዲስም ኣብ ውሽጢ ግሲ ኣሎ) እዩ። ብግእዝ፡ ሱር-ግሲ “ጌገየ” ኮይኑ ረባሕታ-ስም ከኣ “ጌጋይ” ይኸውን፣ ብትግርኛ ከኣ፡ ሱር-ግሲ – “ተጋገየ/ጌገየ”፡ “ግጉይ” ከኣ ስም ይኸውን። (ብ”ተ” ዝጅምሩ ግሲታት ረባሕታ እምበር ሱር ኣይመስሉን፡ ንዝርዝር ሓተታ ሓዳስ ኤርትራ፡ ግንቦት 17፡ 2017 ገጽ 6 ምውካስ)። እቲ “ስም”፡ ኣብ ረባሕታ ትግርኛ፡ ብሆህያት “ሳድስ-ካእብ-ሳድስ” ብምጽሓፍ እሩም ይኸውን። ንእዚ ንምርጓድ ተወሳኺ ኣብነታት እንሀዉ፤ ኣረመ – እሩም፡ ዓተበ – ዕቱብ፡ ገረመ – ግሩም፡ በለጸ – ብሉጽ። ስለዚ ተጋገየ/ጌገየ – ግጉይ ብምጽሓፍ፡ ብትግርኛ ኣሩም ይኸውን።

ካብ እዚ ቀጺሉ ካብ’ታ ዓንቀጽ ዝተበገሱ ትዕዚብቲታትን ርእይቶን ይቐርቡ። ኣቀራርባኦም ከም እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ እዩ።

(ሀ) ኣብ እቲ ሰሌዳ ዚርከቡ ዘይቅኑዓት እተባህሉ ቃላት ትግርኛ
ካብ’ዚ ንታሓቲ ዝርዝር ዘይቅኑዓት እተባህሉ ቃላትን ዘይቅኑዓት ምዃኖም ዝነጽግ ምኽንያትን መአረምታኦምን ይቐርብ።

1. ን”ሓጥያት” ናይ ትግርኛ ብ “‘ሓጢኣት’”፤ እቲ ግሲ-ግእዝ “ኅጥአ”፡ ብግሲ-ትግርኛ “ሓጠየ” እንተ ርዒሙ፡ “ሓጥያት” ቅኑዕ ይኸውን፣ ረባሕታኡ – ሓጥየ፡ ሓጢኻ፡ ሓጢኺ፡ ሓጥዩ፡ ሓጥያ፡ … ሓጥያተኛ ይኾኑ። ካብ ግሲ-ግእዝ “ኀጥአ”፡ ግሲ-ትግርኛ “ሓጥአ” እንተ ርዒሙ፡ ረባሕታኡ – ሓጢአ፡ ሓጢኻ (ሓጢእካ)፡ ሓጢኺ (ሓጢእኪ)፡ ሓጢኡ፡ ሓጢኣ፡ … ሓጢኣተኛ ይኾኑ።

2. ን“ሽንቲ ቤት” ብ“ለባም”፤ “ለባም” ኣቕሓ እምበር ቤት ኣይኮነን። እዚ ን“ቤት ሽንቲ” ኣይትርጕምን፣ ን vase ወይ ከኣ ን urinal ዝብሉ ቃላት እንግሊዝኛ ኬገልግል ይኽእል።

3. ን”ሽቓቕ” ናይ ‘ጥልያን’ ብ“ዓይኒ-ምድሪ”፤ “ሽቓቕ” ካብ ዝመጾ ይምጽእ፡ ኣብ ትግርኛ ርዒሙ እዩ። ከምኡ’ውን “ዓይኒ-ምድሪ” መብረ-ቓል “ሽቓቕ” ኮይኑ ፍሉይ መዓላ ኣለዎ። “ዓይኒ ምድሪ” ንመጸራረዪ ዘይብሉ ቤት (pit latrine/outhouse) እንተ ኣገልገለ የሀብትም። መብረ-ቃል “ሽቓቕ” ካብ ግእዝ እንተ ተደልየ፡ “ምኵሳሕ” ኪወሰድ ይከኣል። ብዛዕባ “ምኵሳሕ”፡ ኣብ ታሕቲ (ለ.3 ቁ. 5) ተመልከት።

4. ን“እሺ” ናይ ኣምሓርኛ ብ”ሕራይ”፤ “እሺ”ትግርኛ እዩ። “እሺ”ን “ሕራይ”ን ጽልዋ ከባቢ ገዲፍካ፡ ንጹር መዓላ ኣለወን። “እሺ” ኣኽብሮትኣዊ፡ ንዓበይቲ፡ ንሰበ-ስልጣን ዝወሃብ መልሲ ኮይኑ፡ “ሕራይ” መሓዛዊ፡ ንመቕርብ ይውዕል።

5. “መደያይቦ/መሳልል”፤ “መደያይቦ” ሓፈሻዊ ንመደየቢ ዝኸውን ነገር ዚገልጽ ኮይኑ፡ መሳልል ሓደ ኣብነት መደያይቦ እዩ።

6. ን“ጫማ” ናይ ኣምሓርኛ ብ“ሳእኒ”፤ “ጫማ” ኣብ ትግርኛ ርዒሙ እዩ፣ መብረ ሳእኒ ጥራይ ዘይኮነስ ን”ሃጸያዊ-መዐቀኒ” ንውሓት (Imperial unit – foot/feet) ትርጕም እውን የገልግል እዩ።

7. ን“ሰሚናር” ናይ እንግሊዝኛ ብ”ኣኼባ”፤ “ሰሚናር” ተኣኪብካ ንእትዝትየሉ ጕዳይ መግልጺ እምበር ንኣኼባ ኣይትርጉምን። “ሰሚናር” እንተ ተጸሊኡ “ዘተኣዊ-ኣኼባ” ብቑዕ መግለጺ ይኸውን።

8. “‘መካበብያ’/ደምበ (ደጐል)፤ “ደጐል” (fence) ን “ደመበ” (compound) ዘካብብ ዝተዃነየ ሓጹር እምበር “ደምበ” ኣይኮነን። ከምኡ’ውን “መካበቢ” ን“ደጐል” መብረ-ቓል ይኸውን እምበር ን“ደምበ” ኣይትርጕምን።

9. ን”ኣይሮፕላን፡ ኣየር” ናይ ጥልያን/እንግሊዝኛ ብ”ነፋሪት፡ ኣየር”፤ ኣየር፡ ኣየር እዩ ንነፋሪት ወይ ንኣይሮፕላን ኣይትርጕምን። “ነፋሪት፡ ኣየር” ትርጕም ኣልቦ ጥሙር ቃል እዩ። “ነፋሪት” ንዝኾነት ኣብ ኣየር እትነፍር ነገር የመልክት። መተካእታ “ኣይሮፕላን”፡ ተመዓራራዪ ባቡር-ምድሪ ወሲድካ ባቡር-ሰማይ ከም መብረ-ቓል ኪውሰድ ይከኣል።

10. ን“መስትያት” ናይ ኣምሓርኛ ብ“መጽሔት”፤ “መስትያት” ካብ ዝመጾ ይምጻእ ንነዊሕ እዋን ስለ ዝረዓመ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ዘይእረመሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። እቲ “መጽሔት” ዚብል ቃል ግእዝ እውን ናብ ትግርኛ ብዓይነት ጽሑፍ (magzine) ስለ ዝረዓመ፡ ኣብ’ዚ እዋን ናብ’ቲ ምንጪ-ትርጕሙ ምምላስ የጸግም። ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ታሕቲ (ለ.2 ቍ. 2) ተመልከት።

11. ን“ማክያ” ናይ ጥላያን ብ“ርስሓት”፤ “ማክያ” ምስ “ርስሓት” ርክብ ዘለዎ ብ“ጽያቐ” ኣምበር ብ“ርስሓት” ኣይትርጐምን። ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ታሕቲ (ለ.3 ቍ. 8) ተመልከት።

12.ን“ቪላ” ናይ ጥልያን ብ“መረባዕ”፤ “መረባዕ” ብኣርባዕተ መኣዝናቱ ብእምኒ ወይ ብሕጡብ ተሰሪሑ ብዚንጎ እተኸድነ ሓደ-ክፍሊ ገዛ ኪኸውን እንከሎ፡ “ቪላ” ከኣ ናቱ መካባብያ ዘለዎ፡ ብዙሓት ክፍሊታትን መጸራረዪን ዝሓቘፍ፡ ህንጻ እዩ። “መርጡል” ኣብ’ዚ ቦታ የብሉን።
“መርጡል” (tabernacle) ዝብል ቃል ዓይነት ድንኳን ኮይኑ ከም ተንቀሳቓሲ ቤተ-ጸሎት (ታቦት) ዜገልግል እዩ። እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኣብ ዝወጽሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ዘዝኸድዎ ቦታ፡ ሓንቲ ፍልይቲ ድንኳን ተኺሎም ዝጽልዩላ ዝነበረ መጽለሊት፡ ደብተራ መርጡል ትበሃል። ኣብ’ዚ ደብተራ ማለት ድንኳን ማለት እዩ ። ስለ’ዚ “መርጡል” ምስ ትርጉም “ቪላ” ምትሕሓዙ ዘይቅኑዕ እዩ። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ታሕቲ (ለ.3 ቁ 16) ተመልከት።

13. “ገጸ-በረኸት” ናይ በረኸት ገጽ ወይ ከኣ “በረኸተ-ገጽ” ናይ ገጽ በረኸት፡ ኣየናይ ገላጺ/ኣመልካቲ ዋንነት ኣየናከ ተገላጺ/ወናኒ ኣደናጋሪ ይመስል (ንዝያዳ ሓበሬታ – ኣብ ታሕቲ ንቍጽሪ 19 ምውካስ)። ብግእዝ “ገጸ-በረኸት” ብትግርኛ “ህያብ” እሩም ትርጕሙ እዩ።

14. ን“ስፖርት” ናይ እንግሊዝኛ ብ“ምውስዋስ ኣካላት”። ምውስዋስ ኣካላት (physical exercise) ንተፈላለዩ ምንቅስቓስ-ኣካላት ኪገልጽ እንከሎ ስፖርት፡ ብትግርኛ፡ ብውድድር ንዝካየድ ውዱብ/ዘይውዱብ ንጥፈታት ከም ብኵዕሶ (እግሪ፡ ሰኪዐት፡ መርበብ፡ …) ዝካየድ ውድድራት፡ ቅድድማት (እግሪ፡ ብሽግለታ፡ ፈረስ፡ …) ዝኣመሰሉ ሰፊሕ ንጥፈታት ዚሓቝፍ እዩ።

15. ን‘ፈተሪኖ’ ናይ ጥላያን ብ “ተሓጋጋዚ መራሕ መኪና”። “ፎተሪኖ” ኣብ ህዝባዊ-መጐዓዝያ ገንዘብ ተቐቢሉ ቅብሊት ዚህብ ኮይኑ ተሓጋጋዚ መራሕ መኪና ከኣ እቲ ብቋንቋ-ጥልያን “ኣይታንቲ” ዚባሃል እዩ።

16. ን“መኪና” ናይ ጥልያን ብ“መጓዓዝያ”። “መኪና” ኣብ ትግርኛ ርዒሙ እዩ፣ መጓዓዝያ (transportation) ከኣ ንዝኾነ እትጐዓዘሉ ነገር ከም መኪና፡ ኣውቶቡስ፡ ብሽግለታ፡ ዓረብያ፡ ሰረገላ፡ ወዘተ. የጠቓልል። መኪና ሓንቲ ኣብነት ናይ መጓዓዝያ እያ።

17. ን“ምዕባለ” ናይ ትግርኛ ብ“ዕብየት”። ክልተኦም ቃላት ፍሉይ መዓላ ኣለዎም። “ዕብየት” ካብ ሓደ ዝነኣሰ ወይ ዝወሓደ ናብ ዝዓበየ/ዝበዝሐ ምኻድ የመልክት። “ምዕባለ” ተመሳሳሊ ምቅይያር የርኢ እምበር ማሕበረ-ቍጠባውን ፖለቲካዊን ምቅይያር ይሓቍፍ እዩ። በተወሳኺ “ምዕባለ” ግጉይ እንተኾይኑ ስለ ምንታይ ደኣ ብጸሓፊ ይትግበር፧ “ምዕባለ ቴክኖሎጂ” ዝብል ጽሑፍ ኣብ 2ይ ዓምዲ፡ 2ይ ሕ.ጽ. ኣእትዩ ኣሎ።

18. ን”ሰብካ-ጉባኤ” ናይ ኣምሓርኛ ብ“ጉባኤ ኣድያም/ከባቢ/ዞባ”፤ “ኣድያም” ብሓጹር፡ ደረት ይትርጐም፣ ከምኡ’ውን እንተ ተደልየ ንከባቢ ወይ ‘ዞባ’ ኪርዕም ይኽእል ይኸውን። ኣብ ስነ-ቃል “ሰበኻ-ጉባኤ” ግን ቦታ የብሉን። “ጉባኤ ኣድያም” ኪጸሓፍ እንከሎ ናይ “ኣድያም ጉባኤ” ወይ “ምትእኽካብ ሓጹር/ደረት” ስለ ዜመልክት ቅኑዕ ኣይኮነን። ተወሳኺ ኣብ ታሕቲ (ለ.3 ቍ.11) ተመልከት።

19. ን“ሽንቲ ቤት: ጾመ-ልጓም፡ መድሓኒት ቤት፡ ብሕማም ምኽኒያት፡ ማቴዎስ ወንጌል” ጌጋታት ዝገብሮም ምንጮም ባዕዲ ብምዃኑ ዘይኮነስ ግጉይ ሰዋስውኣዊ መስርዖም እዩ። ከም’ዚኦም ዝኣመስሉ ሰዋስውኣዊ ስሕተታታ ኣብ ፈቐዶ መንግስታዊን ብሕታዊን ትካላት ተለጢፎም ይርኣዩ እዮም – ፊዚዮተራፒ ማእከል፡ መሰልጠኒ ማእከል፡ መኪና መቀያየሪ ኣቍሕቱ መሸጢ …።

ንእዚ ባዕለ-ድኽመት ጽሓፍቲ/ተዛረብቲ ትግርኛ ኣብ ክንዲ “ደፋኢ” ምንዳይ ጠንቂ “ጽድፈት” እሩም ሰዋስዉ ዘይምትግባር ምዃኑ ምስትውዓል የድልይ። መብዛሕቶም እዞም ድርብ-ቓላት ብ “ስም-ስም” ዝቖሙ ሓረጋት እዮም። እቲ ቀዳማይ “ስም” ገላጺ ወይ ዋንነት ዜመልክት ኮይኑ ኵሉሳዕ ቀቅድሚ ንእቲ ዜመልክቶ/ዚገልጾ “ስም” ኪጽሓፍ ይግባእ፣ ብጥምረት ኪንበብ ከኣ እቲ መላግቦ-ሕንጻጽ (-) ኣድላዪ እዩ።

ልሳነ-ግእዝ፡ ገላጺ ወይ ኣመልካቲ ዋንነት ስም፡ ቀቅድሚ እቲ ዜመልክቶ/ዚገልጾ ነገር ኪኸውን እንከሎ እታ መወዳእታ ፊደል ናይ እቲ ስም ብግእዝ-ፊደል ብምጽሓፍ ምዕሩይ ኣቀራርባ ይትግበር። ትግርኛ ግን ብዘይምትውዓል ከም ዘርከበ ይጽሕፍ፡ ብዙሕ ግዜ ብምድጋግም ከኣ ልሙድ ኮይኑ ኣብ ዘይእረመሉ ኵነት ይበጽሕ። እዞም ድርብ-ቓላት፡ “ቤተ-ክርስትያን” “ቤት ትምህርቲ” “ቤት ሻሂ” ኢልካ “ቤተ-ሽንቲ” ወይ “ቤት-ሽንቲ”፡ “ልጓመ-ጾም” ወይ “ልጓም-ጾም”፡ “ወንጌለ-ማቴዎስ” ወይ “ወንጌል-ማቴዎስ” … ብምጽሓፍ እሩማት ይኾኑ።

20. “ፋዘር፡ ማዘር፡ ብላክቦርድ” ዝብላ ቃላት ኣብ ኣየናይ ጽሑፍ ሰፊረን ንቡር መራኸቢ ከም ዝኾና ዚሕብር ዳህሳስ ኣይቀረበለንን። ኣብ ክንዲ ኣድማዒ ዘይኮነ “ቅኑዕ-ግጉይ” ኢልካ ማህደረ-ቓላት ምድርዳር፡ ብመጽናዕቲ እተሰነየ ጭብጢ እንተ ዝቐርብ ምሃሪ ምኾነ። ብመራኸቢ-ብዙሕ – ራድዮ፡ ተለቪዥን፡ ጋዜጣን ካልኦት ጽሑፋትን ምርኢታትን- ዚዝርጋሕ ዘሎ ምትሕንፋጽ ቋንቋታት ዘስደመም እዩ። ንእዚ ክስተት ምትሕንፋጽ ሰኒድካ ምቕራብን ኣብ ዕለታዊ ርክብ ሕድሕድ ዘኽትሎ ሃስያ ምብራህን ምይሃሪ ይኸውን። ሓደ ኣብነት፡ ብመራኸቢ-ብዙሕ ዝተዘርግሐ ምትሕንፋጽን ሳዕቤኑን ቀጺለ አቕርብ።

ኣብ ኣስመራ ዚፍኖ ራድዮ (ስም ኑቕጣ-ራድዮ ኣይዝክሮን)፡ ጸረ-ምትኻኽ ሽጋራ ኣብ ዘቃላሓሉ ‘መወዓውዒ’፡ “ጊፍት”ን “ሶሪ”ን ዚብላ ቃላት እንግሊዝኛ ኣካል እቲ ጽሑፍ ኮይነን ይስምዓ። እዛ “ጊፍት” እትብል ቃል እንግሊዝኛ፡ ትግርኛዊ ‘ላዛ’ ሒዛ ብ“ጊፍቲ” እናተደምጸት ትግርኛ እምበር ቃል ባዕዲ ኣይኮነትን ዚብሉ ኣጋጢሞምኒ። ግለጹልይ ኣብ ዝበልኩሉ ግዜ፡ “ጊፍቲ ደኣ’ሞ ጊፍቲ፣ እዚ’ኳ ወረቐት ጥቕልል ኣቢልካ ከም ህያብ እትህቦ’ንድዩ” ዝብል መልሲ ረኺበ። እታ ቃል፡ ቃል እንግሊዝኛ ምዃና ምስ ሓበርኩ፡ “ኣንታ! ኣንታይ ፈልጥናዮ ኢልካና’ኻ፡ ክበሃል ኢልና ኢና” ዚብል መልሲ ረኸብኩ። ኣብ’ታ ‘መወዓውዒት’ መልኽቲ ሽጋራ ሓደ ካልእ ኣሎ። ንሱ ከኣ፡ ንሽጋራ ከም መርዛም ቀመም እዩ ዚጠቕሳ። እዚ ግጉይ ሓበሬታ እዩ። ሽጋራ ብዝተፈላለዩ ቀመማት እተሰርሐት ውጽኢት እመበር ባዕላ ቀመም ኣይኮነትን። እታ ብምትሕንፋጽ ቋንቋታት ንገርሀኛታት ዝቐረበትን ዜደናገርትን መልእኽቲ ግን መርዛም እያ።

ዝቕጽል ካልኣይ ክፋል ኣብ ዝመጽእ ኣታው
ኣርኣያ ካሳ
26 ሰነ 2017

ዝምድና ግእዝን ትግርኛን “ካብ ብወረ፡ ብእተነጸረ”

ዝምድና ግእዝን ትግርኛን
“ካብ ብወረ፡ ብእተነጸረ”
ኣርኣያ ካሳ

ቅድሚ ሕጂ፡ “ቀለም ብቐለም ብዘይ ቃል-ዓለም ‘ካብ ብወረ፡ ብእተነጸረ’” ብዚብል ኣርእስቲ፡ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ፡ ካብ 9 መጋቢት 2016 ዝጀመረ፡ ኣርባዕተ ክፋል ዝሓዘ ጽሑፍ ኣሕቲመ ነይረ። እተን ክልተ (ካልኣይ ክፋል 23 መጋቢት፣ ሳልሳይ ክፋል 06 ሚያዝያ) ኣብ ዝምድና ግእዝን ትግርኛ ዘተኮራ ነበራ። ቀንዲ መንቀልየይ ዝነበረ፡ ኣብ ልሳነ-ግእዝ ዘተኮረ-ብሂል ንምብዳህ፣ ካብ “ይብሃል” ነቒሉ ናብ “እዩ” ዝሰግር፡ ብምድግጋሙ ከኣ ከም ቅቡል ዝውሰድን ከም መርትዖ ዝቐርብን ኣበሃህላ ኣብ ሕቶ ንምእታው ነበረ። ኣብ’ዚ “ብሎግ” ንልሳነ-ግእዝ ዚምልከት ጽሑፋት ንዘቕርቦም ከም ድሕረ-ባይታ ኪኾናኒ ኣመዓራርየ ደጊመ አቕርበን ኣለኹ።

ዝምድና ግእዝን ትግርኛን
ተኪአ ተስፋይ (2014)፡ “… ትግርኛ፡ ብሳልስ ዝውድእ ቃል ምስቲ ብሳልስ ዚጅምር ብቝጽሪ ኺወዳደር ከሎ፡ ዝያዳ ኸም ዚብርክት … ብጀካ’ዚ፡ ነቲ ኻብ ግዕዝ ወይ ካብ ካልእ ናይ ባዕዲ ቋንቋ ዝረዓሞን ዝተለቅሖን ብሳድስ ዚውድእ ዝነበረ ስም ከይተረፈ፡ ናብ ሳልስ ብምቕያር ፍሉይ ናይ ትግርኛ ባህሪ ኼልብሶ ይስማዕ።” (ገጽ 128) ይብል። ከም ኣብነት ን “ዕዝሊ፡ ቦምቢ፡ ታንኪ፡ ስፖርቲ … “ ይጠቅስ። ቀጺሉ ኣብ መንጎ ትግርኛን ግእዝን ኣብ ኣደማምጻ ቃላት ዝፈልዮም፡ ግእዝ ብሳድስ፡ ትግርኛ ከኣ ብሳልስ ፊደል ይወድኡ ይብል። ከም መርትዖ ከኣ ን “ልቢ፡ ሕብሪ፡ መንግስቲ፡ … “ የቕርብ። ቃላት ትግርኛ ብሳልስ፡ ግእዝ ከኣ ብሳድስ ምውድኦም፡ ትግርኛን ግእዝ ሓባራዊ ምንጪ ምህላዎም የረጋግጽ እምበር ትግርኛ ውላድ ግእዝ ኣይኮነን ብምባል ይድምድም።

እስከ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ጽሑፍ ነጥቢ-ብነጥቢ ይዳህሰስ።
1. ትግርኛ ካብ ግእዝ ኮነ ካብ ካልእ ቋንቋ፡ ብሳድስ ዝወድእ፡ ዝተለቅሖ ቃል ናብ ሳልስ ይቕይር ዝብል ኣእማኒ ጭብጢ ኣይቀረበሉን፣ እቶም ከም ኣብነት ዝቐረቡ ቃላት እኹላት ወከልቲ ኣይኮኑን። ብኣንጻሩ፡ ትግርኛ፡ ብፍላይ ካብ ግእዝ ንዝተለቅሖም ቃላት፡ ከም ዘርከበ ብዘይ ቅጥዒ ከም ዘርዕም ብዙሕ ኣብነታት ኪጥቀሱ ይከኣል። እቲ ሳድስ ዝዕቅብ ቃል-ለቓሕ ካብ’ቲ ሳልስ ዝቕይር እንተ ዘይበዚሑ ኣይወሕድን። ኣፈናዊ ጭብጢታት ኣብ ታሕቲ ኪቐርብ እዩ።

2. ትግርኛ ብሳልስ፡ ግእዝ ከኣ ብሳድስ ምውድኦም፡ ትግርኛ ካብ ግእዝ ከም ዝወረሰ መርትዖ ኣይኮነን ኢልካ ብዘይ ጭብጢ ኪንጸግ ኣይግባእን። ካብኡ ሓሊፉ፡ ሓባራዊ ምንጪ ግእዝን ትግርኛን ከይተጻዕደ፡ ዓንኬላዊ መጐት ብምጥቓም፡ ኣቐዲሙ ንዝተነጸገ መራጐዲ ሓባራዊ ምንጮም ካልእ ቋንቋ እዩ ምባል ኣእማኒ ኣይኮነን።

ቀጺሉ፡ ንእቶም ኣብ ላዕሊ ብዘይ መርትዖ ዝቐረቡ መደምደምታታት፡ ኣብ ሕቶ ዘእቱን ብኣንጻሩ ዝተረኸበ ኣፈናዊ ዳህሳስን ብኸም’ዚ ዚስዕብ ይቐርብ፤ (ሀ) ግእዝ ንገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ቋንቋ እዩ። (ለ) ትግርኛን ግእዝን ዝተፈላላዩ ቋንቋታት እዮም። (ሐ) ትግርኛ፡ ቃላትን ረባሕታ-ቓላትን ብዘይ ቅጥዒ ካብ ግእዝ ይልቃሕ። (መ) ኣብነታት ትግርኛ ብዘይ ቅጥዒ ዘርዓሞም ቃላት-ግእዝ።

ሀ. ልሳነ-ግእዝ ንገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ፡ ካልእ ምንጪ ዘይብሉ፡ ቋንቋ እዩ። ዲልማን (1899)፡ ግሪኽኛ፡ ልሳነ-ሶርያ፡ ኣራምይስጥ፡ እብራይስጥን ዓረብኛን ብሰፊሑ ብምድህሳስን ምስ ግእዝ ብምውድዳርን፡ ንግእዝ ሓደ ካብቶም ጥንታውያን (“ክላሲካል”) ቋንቋታት’ዩ ይብሎ። ልሳነ-ግእዝ ኣብ ላዕሊ ካብ ዝተጠቕሱ ቋንቋታት ዝረዓሞም ቃላት እኳ እንተ ሃለዉ እዚ ርዕመት’ዚ ካብ’ቲ ንቡር ምልቕቓሕ ቋንቋታት ዘይሓልፍ እዩ ይብል ዲልማን። እዚ ከኣ ልሳነ-ግእዝ ጽግዕተኛ ወይ ውላድ ካልእ ቋንቋ ከም ዘይኮነ እዩ ዝእምት። ብኣንጻር እዚ ክረአ እንከሎ፡ ትግርኛ ብቐጥታ ይዅን ብተዘዋዋሪ ብዙሓት ቃላቱ፡ ረባሕታኦም ከይተረፈ፡ ካብ ግእዝ ከም ዝመጹ ጽሓፍቱ ይጠቕሱ፡ እቶም ትግርኛ ዘርዓሞም ቃላት ምንጮም ካብ ግእዝ ምዃኑ ጽሓፍቱ ይምስክሩ። እዚ ዘረጋግጾ ነገር እንተ’ሎ፡ ትግርኛ በዚ ሕጂ ሒዝዎ ዘሎ መልክዕ፡ ኣሰር ናቱ ፍሉያት መለለዪ እኳ እንተ’ለውዎ፡ ብቓላት ግእዝ ዝተዓብለለ ይመስል። ኣፍካ መሊእካ ተዓብሊሉ ኪበሃል ግን ኣየኖት ቃላት መሰረቶም ትግርኛ ኣየኖትከ ቃላት-ለቓሕ ዝብል ዳህሳስ ይሓትት። ፍሉይ መለለዪ ትግርኛ ቀጺሉ ይቐርብ።

ለ. ፍሉይ መለለዪ ትግርኛ
ዕድመ ትግርኛ መዘና ግእዝ ኪኸውን ይኽእል፣ ምስ ግእዝ ዝዳረግ ዕድመ ጽሑፍ ግን የብሉን። በዚ ከኣ ብምትእምማን እተወዳድረሉ ጭብጢ የለን። እዚ ኮይኑ ግን ትግርኛ፡ ካብ ግእዝ ዝፈልዮ፡ ናቱ መለለዪ ረቛሒታት ኣለዎ። ንኣብነት፤

1.ትግርኛ ካብ ግእዝ ብኣሰራርዓ ምሉእ-ሓሳባት ፍሉይ እዩ። ኣብ ትግርኛ፡ ተሳሓቢ ምሉእ-ሓሳብ ብግሲ ይዛዘም፡ ኣብ ግእዝ ግን ግሲ ቅድሚ ተሳሓቢ ይመጽእ። (ኣብነት ደድሕሪ ቍ.2 ቀሪቡ ይስዕብ)

2. ትግርኛ ኣኽብሮትኣዊ ክንዲ-ስም (እዞም/እዘን ንስኹም/ንስኽን፡ ንሶም/ንሰን) ኪህለዎ እንከሎ፡ ግእዝ ግን ኣኽብሮትኣዊ ክንዲ-ስም የብሉን – ንስኻ/ንስኺ (አንተ/አንቲ)፡ እዚ/ንሱ/ እዛ//ንሳ (ውእቱ/ይእቲ) ይብል።
ንኣብነት፤
ብትግርኛ – ኣቦይ ኣብ ገዛ ኣለዉ። ኣቦይ ኣብ ገዛ ኣሎ።
ብግእዝ – አቡየ ውእቱ በቤት።
ብትግርኛ – እዞም ሰብኣይ መምህር እዮም። እዚ ሰብኣይ መምህር እዩ።
ብግእዝ – ዝንቱ ብእሲ ውእቱ መምህር።
ብትግርኛ – እዘን ሰበይቲ መምህር እየን። እዛ ሰበይቲ መምህር እያ።
ብግእዝ – ዛብእሲት ይእቲ መምህርት። (ጾታ ንዝምልከት ኣብ መ.3 ኣሎ)

3. ትግርኛ ተደጋሚ ድምጺ ሆህያት የብሉን (እተን ሸውዓተ ሆህያት ሓደ-ፊደል ነፍስ ወከፈን ፍሉይ ድምጺ ኣለወን)። ግእዝ ግን ሕደ ድምጺ ዘለዎም ሆህያት ኣለዎ (ሀ/ሃ፡ ሐ/ሓ፡ ኀ/ኃ፡ አ/ኣ፡ ዐ/ዓ)

4. ኣብ ግእዝ ዘየሎ ድምጺ (ዐ/ሐ/ጨ …) ኣብ ትግርኛ ኣሎ።
5. ኣብ ግእዝ ዘየለዉ ፊደላት (ሸ/ጨ …) ኣብ ትግርኛ ኣለዉ።

ሐ. ትግርኛ ካብ ግእዝ ኮነ ካብ ካልእ ቋንቋ፡ ብሳድስ ዝወድእ፡ ዝተለቅሖ ቃል ናብ ሳልስ ይቕይር ዝብል መደምደምታ መርትዖ ኣይቀረበሉን። እተን ዝቐረባ ኣብነታት ሚዛናዊ ኣይኮናን፡ እንታይ ደኣ ንእቲ ኣቐዲሙ ዝተደምደመ ከም ዚሰማማዓ ኮይነን እየን ቀሪበን። ንነባቢ ኣፋፍኖት ንምሃብን ንዝያዳ ምርምር ንምዕዳምን ኣፍረስቲ ኣብነታት ካብ እታ መጽሓፍን ብወገነይ ዝኣከብክዎም ቃላት ቀጺሎም ይቐርቡ። ኣብ ጽሕፈት ፍልልይ ንዘለዎም ቃላት፡ እቲ ኣብ ሓጹር ዝርከብ ብግእዝ እዩ።

ኣብ’ታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 125 ዝተጠቕሱ ኣስማት ዝበዝሑ ሳድሶም ይዕቅቡ – ህይወት፡ ልጓም፡ ስገም፡ ንጉስ፡ እምኒ (እብን)፡ ቍሪ (ቍር)፡ ኵዕንቲ (ቍዕንት) ክዳን፡ ዝባን (ዘባን)፡ ዝናብ (ዝናም)፡ ድባብ፡ ግራት (ገራህት)፡ ጒንዲ (ጕንድ)፡ ጥምቀት፡ ጽላል (ምጽላል) ይርከቡ።

ብወገነይ ዝኣከብክዎም ብሳድስ ዝወድኡ ቃላት-ግእዝ ኣብ ሓሙሽተ ጕጅለታት መቒለ ናብ ትግርኛ ኪርዕሙ እንከለው ዝበዝሑ ሳድሶም ከም ዝዕቅቡ ከርእይ’የ። ንሳታም ከኣ፤ 1. ኣብ መባእታ ሰዋስው ዝርከቡ ስነ-ቓላት 2. ኣስማት መዓልታት ሰሙን፡ 3. ኣስማት ኣዋርሕ ዓመት 4. ኣስማት ኣካላት ሰብነትን 5. መዓርጋዊ ኣቆጻጽራን እዮም።

1. ስነ-ቓላት ሰዋስው – ካብ’ተን ትሽዓተ ቀንዲ ስነ- ቓላት ሰዋስው ብዘይካ ሓንቲ (ቃል-ኣጋንኖ)፡ መበቈለን ካብ ግእዝ እየን፣ ኵለን ከኣ ብሳድስ ይውድኣ። ናብ ትግርኛ ኪመጻ እንከለዋ፡ ብዘይካ ሓንቲ (ግሲ(ግሥ)) ኵለን ብሳድስ ይውድኣ። እቲ ዝቐረበ መጐት ኣእማኒ ንኺኽውንን ትግርኛዊ ላዛ ንኽሕዛን (ዝበዝሓ)፡ ሰዋስዊ፡ ስሚ፡ ክንዲ-/ተወላጠ-ስሚ፡ ቅጽሊ፡ ግሲ፡ መስተዋድዲን፡ መስተጻምሪን (መስተፃምር) ክበሃላ ነይረወን።

2. ኣስማት መዓልታት ሰሙን – እተን ሸውዓተ መዓልታት ሰሙን መበቈለን ካብ ግእዝ እዩ፣ ኵለን ከኣ ብሳድስ ይውድኣ። ናብ ትግርኛ ኪመጻ እንከለዋ፡ ብዘይካ ሓንቲ (ዓርቢ) ኵላተን ብሳድስ ይወድኣ። እቲ ዝቐረበ መጐት ኣእማኒ ንኺኽውንን ትግርኛዊ ላዛ ንኽሕዛን (ዝበዝሓ) ሰኑዪ፡ ሰሉሲ፡ ረቡዒ፡ ሓሙሲ፡ ዓርቢ፡ ቀዳሚ፡ ሰንበቲ ክበሃላ ነይርወን።

3. ኣስማት ኣዋርሕ ዓመት-እተን ዓሰርተው-ክልተ ኣዋርሕ-ዓመት መበቈለን ካብ ግእዝ እዩ፣ ካብአን ሸሞንተ ብሳድስ ይወድኣ። ናብ ትግርኛ ኪርዕማ እንከለዋ ብዘይካ ክልተ ብሳልስ ዝውድኣ (ጥቅምቲ፡ ጥሪ)፡ እተን ዝተረፋ ሽዱሽተ (መስከረም፡ ሕዳር (ኅዳር)፡ ታሕሳስ (ታኅሣሥ)፡ ለካቲት፡ መጋቢት፡ ግንቦት) ሳድሰን ይዕቅባ።

4. ኣስማት ኣካላት ሰብነት – ልሳን፡ ልሳናት፡ ልቢ (ልብ)፡ ሓጺር (ሐፂር)፡ ሕንብርቲ (ሕንብርት)፡ መልክዕ (መልክእ)፡ ስኒ (ስን)፡ ኣስናን፡ ርእሲ (ርእስ)፡ ቀይሕ፡ ብርኪ (ብርክ)፡ ኣብራኽ (አብራክ)፡ ነዊሕ (ነዊኅ) ኣፍ (አፍ)፡ እዝኒ (እዝን)፡ ኢድ (እድ)፡ ኣእዛን (አእዛን)፡ እግሪ (እግር)፡ ኣእጋር፡ ኣጻብዕ (አጻብዕ)፡ ክሳድ (ክሣድ)፡ ከርሲ (ከርሥ)፡ ከንፈር፡ (ከናፍር)፡ ኵሊት፡ (ኵሊት)፡ ዓይኒ (ዐይን)፡ ኣዕይንቲ (አዕይንት)፡ ዓጽሚ (ዓፅም)፡ የማን፡ (የማን)፡ ደም (ደም)፡ ድምጺ (ድምጽ)፡ ገጽ፡ (ገጻት)፡ ጸሊም (ጸሊም)፡ ጸጋም (ፀጋም) ጸጕሪ (ጸጕር)፡ ጽፍሪ (ጽፍር)፡ ኣጽፋር፡ (ካብቶም ኣብ’ዚ ዝቐረቡ ቃላት ሓንቲ ብፍላጥ ዘይተጠቐሰት፡ “ኣርእስቲ” እትብል ቃል እላ። እዚኣ ካብ “አርእስት” ዝረዓመት እያ፣ ነቲ ትግርኛ ብዘይ ቅጥዒ የርዕም ዝብል ትዕዝብቲ ኣብነት ኮይና ክትቀርብ እያ።)

5. መዓርጋዊ ኣቆጻጽራ – ክሳብ ዓስራይ ዘለዉ መዓርጋዊ-ኣቆጻጽራ ቃላት-ግእዝ ብሳድስ ይውድኡ፣ ከም ዘለውዎ ከኣ ናብ ትግርኛ ርዒሞም። እዚኣቶም፤ ግእዝ፡ ካዕብ፡ ሳልስ (ሣልስ)፡ ራብዕ፡ ሓምስ (ኃምስ)፡ ሳድስ፡ ሳብዕ፡ ሳምን፡ ታስዓይ (ታስዕ)፡ ዓስራይ (ዓሥር/ ዓሥራይ) እዮም።

ኣብ ላዕሊ ዝቐረቡ ብሳድስ ዝውድኡ ቃላት-ግእዝ ናብ ትግርኛ ኪሓልፉ እንከለዉ፡ ክልተ-ኣፍ ሳድሶም ኪዕቅቡ እንከለዉ፡ ሓደ-ኣፍ ጥራይ ናብ ሳልስ ተቐይሮም። ከምኡ’ውን እቶም ኣብ ሓጹር ዘለዉ ቃላት ብኣጸሓሕፋ ግእዝ እዮም ተጻሒፎም፡ ብትግርኛ’ውን ይጸሓፉ’ዮም። ኣብ ትግርኛ ክልተ ዓይነት ስርዓተ-ጽሕፈት ኣሎ – ያታዊ ስርዓተ-ጽሕፈትን ዘመናዊ ስርዓተ- ጽሕፈትን (ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ https:// arayakt.wordpress.com/ ብሎግ እታው 6 ነሓሰ 2015 ኣሎ)።

መ. ቅጥዒ ዘይብሉ ኣረዓዕማ ትግርኛ፤
ትግርኛ ካብ ግእዝ ኮነ ካብ ካልእ ቋንቋታት ብዘይ ቅጥዒ ቃላት የርዕም። ንእዚ ቅጥዒ-ኣልቦ ርዕመት፡ ኪትጫበጠሉ ብዘይከኣል መንገዲ፡ “ላዛ” ወይ “ባህሪ” ትግርኛ ዝብል መጐት ይቐርበሉ። እዚ ዓይነት መጐት ንትግርኛ ኬስፋፍሕ እምበር ንኸይዓብይ ዚጕዕጽጽ እዩ። ቀጺሉ ኣብነታት ቅጥዒ ዘይብሉ ኣረዓዕማ ይቐርብ።

1. ኣብ’ዚ ሰለስተ ቃላት-ግእዝ፡ “አርእስት”፡“አራዊት”ን “አብ”ን ክድህሰሱ እዮም።
ሀ. ካብ ግእዝ “አርእስት” (ብዙሕ “ርእስ”)፡ ትግርኛ “ኣርእስቲ” ርዒሙ ግን ከም ብዙሕ “ርእሲ” ዘይኮነስ ከም ንጽል ቃል ይጥቀመሉ፡ ንብዙሕ ከኣ “ኣርእስቲታት” (ብዙሐ-ብዙሕ) ይጥቀም።

ለ. ካብ ግእዝ “አራዊት” (ብዙሕ “አርዌ”)፡ ትግርኛ ከም ዘለዎ “ኣራዊት” ርዒሙ ግን ከም ንጽል ቃል ይትግብሮ።

ሐ. ካብ ግእዝ “አብ”፡ ትግርኛ “ኣቦ” ወሲዱ፡ ንብዙሕ ከኣ ካብ ግእዝ “አበው” ወሲዱ ብትግርኛ ትርጉም ኣልቦ ዝዀነ “ኣበዋት” ይብል።

2. ዋንነት ብዝምልከት፤ ግእዝ፡ ዋንነት ንምምልካት ነቲ መወዳእታ ፊደል ሓደ ቃል (መብዛሕትኡ ግዜ “ስም”) ናብ ፊደል-ግእዝ ብምቕያር ከም ቅድመ-ጥብቆ ይጥቀም። ትግርኛ ግን ንገሊኡ ብምቕያር፡ ንገሊኡ ከኣ ብዘይ ምቕያር ኣገባብ ግእዝ ምምልካት ዋንነት ብዘይተመዓራራዪነት የርዕም። ኣብነታት፤

ሀ. ትግርኛ፡ ካብ ግእዝ “ቤተ- ክርስቲያን” ከም ዘለዎ ወሲዱ፡ ብተዛማዲ፡ “ቤተ-ትምህርቲ” ኣብ ክንዲ ዝብል “ቤት ትምህርቲ” ይብል። ኣብ ብዙሕ ከኣ ኣብ ክንዲ ብመጐት “ቤታት ትምህርቲ” ዝብል ነቲ ኣገባብ ግእዝ ወሲዱ “ኣብያተ- ትምህርቲ” ይብል።

ለ. ትግርኛ ካብ ግእዝ ዝተራዕሙ ቅድመ-ጥብቆ ስማት ንገሊኦም ብብዝሒ ምድግጋም ብዘይሕርኽርኽ ከም ቅቡላት ኪወስድ እንከሎ፡ ንገሊኦም ከኣ ሕርኽርኽ ስለ ዝብልዎ ስም/ክንድስም ድሕረ-ጥብቆ ይውስኸሎም።
ኣብነት ቅቡላት ቅድመ-ጥብቆታት፤ ሃይለ፡ ቦኽረ፡ ወልደ፡ ገብረ፡ ኣርኣያ፡ ባርያ።
ኣብነት ሕርኽርኽ ዝብሉ፤ ጸጋ፡ ዑቕባ (ስም ወዲ)፡ ተስፋ፡ ምሕረተ።
ንእዞም ሕርኽርኽ ዝብልዎ ድሕረ- ጥብቆ ብምውሳኽ ወይ ብምቅይያር ጸጋዘኣብ/ጸጋይ፡ ዑቕባዝጊ/ዑቕባይ/ ዑቕቡ (ዑቕባኡ)፡ ተስፋማርያም/ ተስፋይ/ተስፉ (ተስፋኡ)፡ ምሕረተኣብ ይብል።

3. ኣብ ግእዝ ጾታ ዜመልክቱ ቃላት፡ ትግርኛ ጾታዊ መዓላኦም ግምት ከይሃበ ይወስድ። ኣብነታት እነሀዉ፤

ሀ. ብግእዝ፡ “ብዙኀት” ንብዝሒ- ደቂኣንስትዮ፡ “ብዙኃን” ከኣ ንብዝሒ- ደቂተባዕትዮ ዜመልክቱ እዮም። ትግርኛ ን“ብዙኀት” ከም “ብዙሓት” ወሲዱ ጾታ ዘይፈሊ ገይሩ ይጥቀመሉ፣ ን“ብዙኃን” ከም ”ብዙሓን/ብዙሃን” ወሲዱ ከም ስነ-ቓል ን“መራኸቢ- ብዙሕ” የውዕሎ።

ለ. ግእዝ፡ ን“መምህር፡ መምህርት” ዝብሉ ቃላት ብጾታ እንኪፈሊ፡ ትግርኛ ግን ንእቲ ተባዕታይ-ጾታ ግእዝ፡ “መምህር”፡ ርዒሙ ጾታ ከም ዘይፈሊ ገይሩ ይጥቀመሉ። ኣብ ብዙሕ፡ ግእዝ ተመዓራራዪ “መምህራን፡ መምህራት” ዝብሉ ጾታ ዝፈልዩ ቃላት ይጥቀም፣ ትግርኛ ግን ን“መምህራን” ጥራይ ወሲዱ ጾታ ዘይፈሊ ገይሩ ይጥቀመሉ።

ሐ. “ምሁር/ምህርት” ንዝብሉ ንጽል ቃላት ግእዝ፡ ትግርኛ ጾታ ከም ዝፈልዩ ብ “ምሁር/ምህርቲ” የርዕም። ኣብ ብዙሕ ግን ጾታ ዘይፈሊ ን“ምሁራን/ ምሁራት” ይጥቀም።

መ. ትግርኛ፡ ኣብ መደረ፡ ንሰማዕቲ እንኪጥቀስ ካብ ግእዝ ብዝተራዕመ ጾታ ዝፈልይ “ክቡራንን ክቡራትን” ይብል። ኣብ ዕለታዊ ርክብ ግን እቲ “ክቡራት” ዝብል ቃል ንኽልተኡ ጾታ ይጥቀመሉ።
ኣብ ላዕሊ ከም ዝቐረበ፡ ግእዝ ኣብ ልዕሊ ትግርኛ ዓብይ ጽልዋ ኣለዎ። ኣቐዲሙ ከም ዝተጠቕሰ፡ ኣፍካ መሊእካ ተዓብሊሉ ኪበሃል ግን ኣየኖት ቃላት መሰረቶም ትግርኛ ኣየኖትከ ቃላት-ለቓሕ ዝብል ዳህሳስ ክካየድ ኣለዎ። እዚ ዓብላሊ ዚመስል ተርእዮ ግእዝ ብኸመይ ኪግለጽ ይኽእል፧ ግእዝ ናቱ ፊደላት ጥራይ ዘይኮነስ ሃይማኖት እንኮላይ ሒዙ ንትግርኛ ብምቕራቡ ዶኾን ካብቲ ምንጩ ኣመዛቢልዎ፧ እዚ ኮይኑ ትግርኛ ዋላ ዓብይ ጽልዋ ግእዝ ይሃልዎ ንገዛእ ርእሱ ሓደ ቋንቋ ኣይኮነን፡ ብኸባቢ ዝጽሎ፡ ዝተፈላለዩ ‘ላህጃታት’ ይሓቍፍ እዩ። እዚ ህላወ ‘ላህጃታት’ ነቲ ብስም “ላዛ” “ባህሪ” ዝቐርብ መጐት እሩም- ጽሕፈት የህስሶ።

እንታይ ይገበር፧
ምርምር ቋንቋ ሞያ እዩ፣ እቲ ቋንቋ፡ ቋንቋኻ ኪኸውን እንከሎ ቅሩብ ሚዛናዊ ንኸይትከውን ኪደፋፍእካ ይኽእል። ቋንቋኻ ስለዝዀነን ክትዛረቦ ስለ ዝዓበኻን ጥራይ ብዓል ሞያ ቋንቋ ኣይገብረካን። ኣብ ላዕሊ ንክንጸር ዝተፈተነ፡ ብመጽናዕቲ ዘይተደገፉ፡ ኣድማዕቲ ዘይኮኑ፡ ኣርእስቲ ዘይሓለዉ መልእኽቲ ሰው ምባል ረብሓ የብሉን ዝብል እዩ። ትግርኛ ንዝምልክት ዘተ እንክልዓል ርእሰ-ነገሩ ሓልዩ ይቕረብ። ፍልይ ዝበለ፡ ንሓበሬታ ኣድላዪ ዝዀነ እንተ’ሎ ከም ድሕረ-ባይታ ኣብ መእተዊ/መቕድም ይእቶ። ቃላት-ለቕሓ ብብዝሒ ዘለውዎ ቋንቋ ካብ ዘይብሉ ይሓምቕ ማለት ኣይኮነን። ኣብ ዓለምና እቲ ዓብላሊ ዘሎ ቋንቋ ካብዚን ካብቲን ብዘርዓሞም ቃላት እዩ ዓብላሊ ኮይኑ። ትግርኛ ንኽምዕብል፡ ደረጃኡ ዝሓለወ ንኪኸውን፡ ኣብ ውድዕ ዝተመስረት ንጹር መምርሒ ዘለዎ ኣገባብ ኪኽተል ይግባእ። ኣብ ውዱዕ ዝተመርኮሰ ምፍላጥ መበቈል ቋንቋ ታሪኹ ንምስናድ፡ ምዕባሌኡ ንምቕያስን ንምግምጋምን ይሕግዝ። ኣፍኣዊን ጭብጢ ዘይብሎም ጓንጓ ዝዀኑ ቃላት ምድግጋም፡ ካብ “ይብሃል” ዝምስረት መጐት ግን ኣድማዒ ኣይከውንን።
ውከሳ
ተክአ ተስፋይ፡ (2014)፡ መባእታ ሰውስውን ስነ-ጽሑፍን ትግርኛ፡ ኣስመራ፡ ኣሕተምቲ ሕድሪ።
Dillman, A.[አጉስት ዲልማን] (1899), Ethiopic grammar .[ሰዋስው ልሳነ-ኢትዮጵያ], 2nd Ed. Revized by Carl Bezol; translated by James Crchon. Eugene, OR: Wipf & Stock.

ዝቕጽል እታው፤
ትግርኛ ኣይተሓናፈጽ እናበልና ኣይንሓናፍጽ፡ ግእዝ ዓንዲ-ሕቖ ትግርኛ እዩ

ትርጕማት ግእዝ/ግዕዝ ኣብ ልሳነ-ግእዝ

ትርጕማት ግእዝ/ግዕዝ ኣብ ልሳነ-ግእዝ
ልሳነ-ግእዝ/-ግዕዝ ካብ ጥንታዊነቱ ክሳብ ዘመናዊ ኣገልግሎቱ ኣቓልቦ ብዙሓት ተመራመርቲን ግዱሳትን ስሒቡን ይስሕብን እዩ። እቲ ስም ቋንቋ ብ “እ” እምበር ብ “ዕ” ኪጸሓፍ የብሉን ይብሃል እዩ። ከምኡ’ውን እቲ ቃል ብ”እ”ን ብ”ዕ” ኪጸሓፍ እንከሎ ነንበይኑ ትርጕም ኣለዎ። ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ተገዳስነት፡ ድሕረ-ባይታን ሰዋስውን ልሳነ-ግእዝ ኣብ ካልእ ግዜ ኪድህሰስ እዩ። ቅድሚ ሕጂ (21 ጥሪ 2014) “ትርጕም ቃላት፡ ግእዝ …” ኣብ ዝብል እታው፡ ኣብ ኣጽሓሕፋ ትግርኛ ዝተመርኰሰ ሓሙሽተ ትርጕማት ቃል ግእዝ ተዋሂቡ (ስም-ቋንቋ፡ ስም-ፊደል፡ መጀመርያ-ሆህየ፡ ስም-ዓውደ-ኣዋርሕ፡ ስም-ኣሃዝ)። ብተወሳኺ ኣብ ልሳነ-ግእዝ ዝተሓጽሩ ካልኦት ሓሙሽተ ትርጕማት ኣለዉ (ስም-“ንባብ”፡ ስም-“ዜማ”፡ ግሲ-ነቐፈ፡ ግሲ-ንጻ-ኣውጽአ፡ ግሲ-ገዓዘ)። ኣብ’ዚ እታው፡ ትርጕማት ቃል ግእዝ/ግዕዝ፡ ኣጽሓሕፋኡ ብዘየገድስ፡ ንሸሞንተ ቃላት (ብዘይካ ስም ዓወደ-ኣዋርሕን ስም ኣሃዝን) ኣብነት (ኣ.) ምሉእ-ሓሳባት ብግእዝ ኪቐርብ እዮም። እቶም ም.ሓ. ግእዝ ብያታዊ ኣጽሓሕፋኦም ኰይኖም ዝተመሓየሹ እንተ’ለዉ ዘይምድግጋም “ወ”ን ምትእትታው ምልክት ስርዓተ-ነጥቢን እዮም።

1. ስም ቋንቋ ግእዝ (ስም)
(ኣ.) ዲልማንሰ መተርጕመ ግእዝ ኀበ ላቲን።
2. ንግእዝ፡ ንትግርኛን ንካልኦት ቋንቋታት ንምጽሓፍ ዚዝውተር ስም ፊደል። (ስም)
(ኣ.) ከሣቴ ብርሃን ሰላማ ገብረ እም ካዕብ እስከ ሳብዕ።
3. ኣብ ንባብ ትምህርቲ-ግእዝ እታ መጀምርያ ትምህርቲ-ንባባ፡ ግዕዝ ትብሃል። (ስም)
(ኣ.) አርባእቱ ንባብ ዘውእቱ ግዕዝ፡ ወርድ፡ ዐቢይ ወድጋም።
4. ኣብ ትምህርቲ-ዜማ ብግእዝ እታ መጀምርያ ዜማ፡ ግዕዝ ትብሃል። (ስም)
(ኣ.) ሠለስቱ ዜማ ዘውእቱ ግዕዝ፡ ዕዝል ወአራራይ።
5. ካብ’ቶም ሸውዓት ሆሃያት ሓደ-ፊደል፡ እቶም ጀመርቲ ሆህያት ግእዝ ይበሃሉ። (ቅጽል)
(ኣ.) አርድእቱ እትሜሃሩ እንዘ ይበሉ ሀ ግእዝ፡ ሁ ክእብ ወሂ ሣልስ፡ … ።
6. ነቐፈ፡ ተባኣሰ፡ ሓዘነ ጨደረ (ግሲ)
(ኣ.) ለምንት እንከ ትግእዝ ፈቃደ እግዚእ፧
(ኣ.) ለአኅዊሁ ይቤሎም፡ “አልቦ ዘትትግአዙ በፍኖት”።
7. ነጻ-ኣውጽአ (ግሲ)
(ኣ.) (ክርስቶስ) አሠሮ ለሰይጣን ወአግአዞ ለአዳም።
8. ገዓዘ (ግሲ)
(ኣ.) ደቂቀ እስራኤል እለ ግዕዙ ብሔረ ግብጽ ምስለ ያዕቆብ።

ኣርኣያ ካሳ
21 ሰነ 2016