መለማመዲ ምምማይ ጽሑፍ ቍ.5

ንእዛ እትስዕብ ጥቕሲ ብምምማይ እሩም ኣጽሓሕፋኣ ኣቕርቢ/ኣቕርብ። ንኣብነት ኣቀራርባን ኣተኣራርማን ጽሑፍ፡ ን”መለማመዲ ምምማይ ጽሑፍ ቍ.1፡ ቍ.2፡ ቍ.3ን ቍ.4ን” ተወከሲ/ተወከስ።

መለማመዲ ምምማይ ጽሑፍ ቍ.5

እምበኣር ነዚ ብምርዳእ፡ ሃገራውያን ዝናታትን ኣፍኣዊ ዛንታታትን፡ ዕለቶም ዝጠፍኡ ፍጻሜታትን ናብ ዑና እተለወጡ ታሪኻውያን ቦታታት ከም ዝነበሩን ከም ዝህልዉን ካብ ተኣመነ ታሪኹ ዘይተጻሕፈ ዕለቱ ዘይተመዝገበ፡ ዓመተ ምሕረቱ ዝተረስዐ ድኣ ይኽውን እምበር፡ ታሪኽ ዘይብሉ ህዝቢ፣ ወይ ከኣ ፍጻሜታት ዘይነብሮ ሃገር ስለ ዘይህሉ፣ እዞም ከም’ዚ ዝበሉ ዓይነት ሓበሬታታት እቶም ቀንድን ቀዳሞት መበገሲ ታሪኻዊ ልቢ ወልድ ትግርኛ ምኻኖም ምግንዛብ የድሊ። (ይስሓቕ ዮሴፍ፡ “ልብወልደ ትግርኛ” ገጽ 43፡ 3ይ ሕ.ጽ. ብምልኡ)

መተሓሰስቢ፤
ዕላማ እዛ ጥቕሲ መልእኽቲ ንምትሕላልፍ ስለ ዘይኮነ ሓቅነታ ንምርታዕ ወይ ካብኣ ተበጊስጋ ኣብ ትሕዝቶ ዘድሃበ ኣርእስቲ-ዘተ ምኽፋት ኣይፍቀድን። ተሳታፊ ኣብ ምዕሩይነትን ውጹእነትን ኣጽሓሕፋ ኣትኵሮ ኪገብር ይዕደም።

ትንተና ናይ መለማመዲ ምምማይ ጽሑፍ ቍ.5 ንተኸታተልቲ ይግደፍ። እቲ እረማ ግን ኣብ ዚቕጽል ይቐረብ።

ኣርኣያ ካሳ
29 ሚያዝያ 2017

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s