ትርጕማት ግእዝ/ግዕዝ ኣብ ልሳነ-ግእዝ

ትርጕማት ግእዝ/ግዕዝ ኣብ ልሳነ-ግእዝ
ልሳነ-ግእዝ/-ግዕዝ ካብ ጥንታዊነቱ ክሳብ ዘመናዊ ኣገልግሎቱ ኣቓልቦ ብዙሓት ተመራመርቲን ግዱሳትን ስሒቡን ይስሕብን እዩ። እቲ ስም ቋንቋ ብ “እ” እምበር ብ “ዕ” ኪጸሓፍ የብሉን ይብሃል እዩ። ከምኡ’ውን እቲ ቃል ብ”እ”ን ብ”ዕ” ኪጸሓፍ እንከሎ ነንበይኑ ትርጕም ኣለዎ። ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ተገዳስነት፡ ድሕረ-ባይታን ሰዋስውን ልሳነ-ግእዝ ኣብ ካልእ ግዜ ኪድህሰስ እዩ። ቅድሚ ሕጂ (21 ጥሪ 2014) “ትርጕም ቃላት፡ ግእዝ …” ኣብ ዝብል እታው፡ ኣብ ኣጽሓሕፋ ትግርኛ ዝተመርኮሰ ሓሙሽተ ትርጕማት ቃል ግእዝ ተዋሂቡ (ስም-ቋንቋ፡ ስም-ፊደል፡ መጀመርያ-ሆህየ፡ ስም-ዓውደ-ኣዋርሕ፡ ስም-ኣሃዝ)። ብተወሳኺ ኣብ ልሳነ-ግእዝ ዝተሓጽሩ ካልኦት ሓሙሽተ ትርጕማት ኣለዉ (ስም-“ንባብ”፡ ስም-“ዜማ”፡ ግሲ-ነቐፈ፡ ግሲ-ነጻ-ኣውጽአ፡ ግሲ-ገዓዘ)። ኣብ’ዚ እታው፡ ትርጕማት ቃል ግእዝ/ግዕዝ፡ ኣጽሓሕፋኡ ብዘየገድስ፡ ንሸሞንተ ቃላት (ብዘይካ ስም ዓወደ-ኣዋርሕን ስም ኣሃዝን) ኣብነት (ኣ.) ምሉእ-ሓሳባት ብግእዝ ኪቐርቡ እዮም። እቶም ም.ሓ. ግእዝ ብያታዊ ኣጽሓሕፋኦም ኮይኖም ዝተመሓየሹ እንተ’ለዉ ዘይምድግጋም “ወ”ን ምትእትታው ምልክት ስርዓተ-ነጥቢን እዮም።

1. ስም ቋንቋ ግእዝ (ስም)
(ኣ.) ዲልማንሰ መተርጕመ ግእዝ ኀበ ላቲን።
2. ንግእዝ፡ ንትግርኛን ንካልኦት ቋንቋታት ንምጽሓፍ ዚዝውተር ስም ፊደል። (ስም)
(ኣ.) ከሣቴ ብርሃን ሰላማ ገብረ እም ካዕብ እስከ ሳብዕ።
3. ኣብ ንባብ ትምህርቲ-ግእዝ እታ መጀምርያ ትምህርቲ-ንባባ ግዕዝ ትብሃል። (ስም)
(ኣ.) አርባእቱ ንባብ ዘውእቱ ግዕዝ፡ ወርድ፡ ዐቢይ ወድጋም።
4. ኣብ ግእዝ ትምህርቲ-ዜማ፡ እታ መጀምርያ እትስራዕ ዜማ ግዕዝ ትብሃል። (ስም)
(ኣ.) ሠለስቱ ዜማ ዘውእቱ ግዕዝ፡ ዕዝል ወአራራይ።
5. ካብ’ቶም ሸውዓት ሆሃያት ሓደ-ፊደል፡ እቶም ጀመርቲ ሆህያት ግእዝ ይበሃሉ። (ቅጽል)
(ኣ.) አርድእቱ እትሜሃሩ እንዘ ይበሉ ሀ ግእዝ፡ ሁ ክእብ ወሂ ሣልስ፡ … ።
6. ነቐፈ፡ ተባኣሰ፡ ሓዘነ ጨደረ (ግሲ)
(ኣ.) ለምንት እንከ ትግእዝ ፈቃደ እግዚእ፧
(ኣ.) ለአኅዊሁ ይቤሎም፡ “አልቦ ዘትትግአዙ በፍኖት”።
7. ነጻ-ኣውጽአ (ግሲ)
(ኣ.) (ክርስቶስ) አሠሮ ለሰይጣን ወአግአዞ ለአዳም።
8. ገዓዘ (ግሲ)
(ኣ.) ደቂቀ እስራኤል እለ ግዕዙ ብሔረ ግብጽ ምስለ ያዕቆብ።

ኣርኣያ ካሳ
21 ሰነ 2016

Advertisements

One thought on “ትርጕማት ግእዝ/ግዕዝ ኣብ ልሳነ-ግእዝ

  1. wow, this is what we need to know. I am happy that I found this site. I have been wondering every were to find information about our language. Since I have started studying another language, it kind of forced me to understand mine first. Please continue writing. I am very proud to finally find someone who can clarify the roots and derivations of tigrigna.

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

w

Connecting to %s