ስርዓተ-ነጥቢ-7/7

ስርዓተ-ነጥቢ-7/7
ኣብ ዝሓለፈ እታው (19 ለካቲት 2016) ምልክታት ጭሕጋር(‘)፡ ምልክተ-ጥቕሲ (“ “)ን ንጽል-ጥቕሲ(‘ ‘)ን ተዳህሲሶም። ኣብዚ ሻብዓይ-ክፋልን መወዳእታን ምልክታት (1) ሓጹር ()ን (2) ጋራዲ-ሓጹር ([])ን ኪደህሰሱ እዮም።

(1) ምልክት ሓጹር “()” መመላእታ፡ ተወሳኺ-ሓበሬታ፡ ንምሕቋፍ ዚውዕል ምልክት እዩ። እቲ ኣብ ውሽጢ ሓጹር ዚኣቱ ቃል/ሓረግ ኣካል እቲ ሓቚፍዎ ዘሎ ምሉእ-ሓሳብ ኪኸውን የብሉን፣ ኣካሉ እንተኾይኑ ሓጹር ኣየድልን። ሓጹር ኣብ’ዞም ስዒቦም ዝጥቐሱ ይውዕል፤

1.1 ምሕባር ምሕጻረ-ቓል/ምሕጻረ-ቓላት፤
እቲ ምሕጻር ቃል ፍሉጥ እንተ ዘይኮኑ፡ መጀምርታ ኪቕልቀል እንከሎ፡ ብምልኡን ብምሕጻሩን ይጽሓፍ፣ ኣብ ዝቕጽል ጽሕፈት ግን እቲ ምሕጻረ-ቓል ጥራይ ይትግበር። ብሓደ ካብ ክልተ መንገዲታት ይሕበር፤

ሀ. እቲ ምሉእ-ቓል ወይ ቃላት ቅድም ይጽሓፍ፡ እቲ ምሕጻሩ/ምሕጻሮም ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓጹር ደድሕሪኡ ይኣቱ። ኣብነት፤
ሀ.1 ድሕረ-ጥብቆ (ድ.ጥ.) ክንዲ-ስም ብዙሓት እዮም። – ኣብ ዝቕጽል ጽሕፈት ድ.ጥ. ጥራይ ይጸሓፍ
ሀ.2 ህዝባዊ ሓይልታት (ህ.ሓ.) ኣብ 1977 ኣኽቲሙ። – ኣብ ዝቕጽል ጽሕፈት ህ.ሓ. ጥራይ ይጸሓፍ

ለ. እቲ ምሓጸር ቅድም ይጽሓፍ፡ እቲ ምሉእ ቃል ኣብ ውሽጢ ሓጹር ይኣቱ፤
ለ.1 ሓሳብካ ንምግላጽ ኣ. (ኣብነት) ኣቕርብ። – ኣብ ዝቕጽል ጽሕፈት ኣ. ጥራይ ይጸሓፍ
ለ.2 ቅ.ጥ. (ቅደመ-ጥብቆ) “መ” ንመዓላ የመልክት። – ኣብ ዝቕጽል ጽሕፈት ቅ.ጥ. ጥራይ ይጸሓፍ

1.2 ቍጽሪ/ኣሃዝ ተርታ ዚዝርዘሩ-ነገራት ንምሕቛፍ
ብቍጽሪ ወይ ብፊደል ንዚዝርዘሩ ነገራት፡ እቶም ቍጽሪታት/ፊደላት ኣብ ሓጹር ይኣትዉ።
ኣ.፤ እቶም ኣርባዕተ ጆግራፍኣዊ ማእዝናተ (1) ምብራቕ (2) ምዕራብ (3) ሰሜን (4) ደቡብ እዮም።
ኣ.፤ (ሀ) ሓጋይ (ለ) ክረምቲ (ሐ) ቀውዒ (መ) ጽድያ ወቕቲታት ዓመት እዩም።

1.3 ትርጕም ንምሕቋፍ
ካብ ካልእ ቋንቋ ዝተተርጐሙ ሓጸርቲ ጥቕሲታት።
ኣ.1፤ ዘይርጉጽ በላ-በለው (ኢሉ-ኢሎም) ኣይትማዕ። – ን”በላ-በለው” ይትርጕም
ኣ.2፤ ንቤተ-ክርስትያን ዐሥራት (ዕሽር) ሃብ። – ን”ዐሥራት” ይትርጕም

1.4 ሓበሬታ ውከሳ-ጽሑፍ ንምሕቋፍ
ኣ.፤ ባዕዳዊ ቋንቋ ከይሓወሰ፡ ትግርኛ ብትግርኛ ርእሱ ክኢሉ ይመጕት፡ ውጺኢቱ ነባሪ ኪኽውን (ኣርእያ ካሳ፡ 2015)። – መን ከም ዝጸሓፎን መኣስ ከም እተጻሕፈ ይሕብር

(2) ምልክት ጋራዲ-ሓጹር ([]) ኣብ ውሽጢ ሓጹር፡ ሓጹር ምስ ዜድልይ፣ መብዛሕቱ ግዜ ግን ኣብ ኣካዳምያዊ ጽሑፍ ንኣብ ውሽጢ ጥቕሲ ብጠቓሲ ዝተወሰኸ-ሓበሬታ ንምምልካት ይውዕል። ዝተፈላለይ መዓላኡ፤

2.1 ኣብ ውሽጢ ሓጹር፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምሕቋፍ
ኣብነት፤
መሰረታዊ ፊደላት ቃል፡ ኣብ ረባሕታ (ስም፡ ግሲ [ሱር]፡ ቅጽል)፡ ኪዕቀቡ ይግባእ። – እቲ “ሱር” ኣብ ውሽጢ ሓጹር ዳግም ዝተሓጽረ ተወሳኺ ሓበሬታ እዩ።

2.2 ኣብ ውሽጢ ጥቕሲ፡ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ንምሕቋፍ፡

2.2.1. ንምንጻር፡ መብርሂ፡ ተወሰኸ ሓበሬታ፡ ትርጕም ንምሃብ፤
ሀ. “ደራሲ [ተኪአ ተስፋይ] ዘውጽኦ መርሒ ስርዓተ-ነጥቢ ኣይተግበረን” – ደራሲ መን ምዃኑ የነጽር

ለ. “ናብ ካናዳ ዝኣተወሉ ዓመት [1980] ቈራሪ ነይሩ” – 1980፡ ተወሳኺ ሓበሬታ

ሐ. “ደራሲ [፡ ኣቶ] ተክአ ተስፋይ [፡] ብዘይካ’ቲ ዘይሕለል ጻዕሩ …” – ክልተ-ነጥቢ፡ “ኣቶ”ን ክልተ-ነጥቢን ተወሰኽቲ ንምእራም ዝኣተዉ ሓበሬታታት እዮም

መ. “ሰአሊ ለነ [ለምኒልና] ኪብል ሓደረ” – ብካልእ ቋንቋ ዝኣተወ “ሰኣሊ ለነ” ይትርጕም

2.2.2. ብጌጋ ንእተጻሕፈ ከምዘለዎ ገዲፍካ ንምጥቃስ “ከማሁ” ዝብል ቃል ግእዝ ንምሕቋፍ። “ከማሁ” ትርጉሙ “ከምኡ” ኮይኑ፡ ኣብ ስነ-ጽሑፍ፡ ኣብ ውሽጢ ጋራዲ-ሓጹር ኪኣቱ እንከሎ፡ “ከም እቲ ዘለዎ” ቢሉ ንምሕባር የገልግል። ኣብ ኣካዳምያዊ ጽሑፍ፡ [ከማሁ] ዝተጠቕሰ ጌጋ ካብ ምጪ እምበር ጠቃሲ ዚጸሓፎ ዘይምዃኑ ይሕብር።

ሀ. “ኣብርሃም [ከማሁ] እንዳበልዐ ይኸይድ ኣሎ።” – “እንዳበልዐ” ጌጋ እያ፡ ከም’ታ ዘላታ ካብ’ቲ ምንጪ ምዃና እቲ ቅድሚ እታ-ጌጋ ዘሎ [ከማሁ] የመልክት።

2.2.3. ብጌጋ ንእተጻሕፈ ከም ዝተእረመ ንምምልካት፡ ከምኡ’ውን ርግጸኛ ንዘይኮነ ነገር ምልክት-ሕትቶ ብምልቃብ ንምምልካት፤

ሀ. “ኣብርሃም [እናበልዐ] ይኸይድ ኣሎ።” – “እናበልዐ” ብጠቓሲ ንምእራም ዝኣተወት እያ።

ለ. “ገለ [ምፍኣም፧] ኣይጽላእን” – “ምፍኣም” ዝብል ቃል ጠቓሲ ከም ዘይተረድኦ ብምልክት ሕትቶ የመልክት

2.2.4. ጽያፍ/ነውሪ ዝኾነ ቃል/ቃላት ኣብ ጽሑፍ ኪትገብር ኣይግባእን፣ ንኣኡ ንምኽዋል ብ”ጽያፍ/ነውሪ” ዝብል ቃል ምትካእ።
ሀ. “ኣንታ ወዲ-[ጽያፍ] ስራሕካ ከርእየካ’የ!” – ጽያፍ ዝብል ቃል ንእቲ ዚጥቀስ ኣጸያፊ ቃል ይኽውል።

ተወሳኺ፤
ኣብ መወዳእታ-ጽሑፍ ዝኣቱ መዘክር ኮነ ኣብ እግረ-መዘክር ዚጽሓፍ ዝርዝር ውከሳ-ጽሑፍ ኪጸሓፍ እንከሎ፡ እቶም ተኸታቲሎም ዚቐርቡ ሕደ-ዝምንጮም እንተኾኑ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ መወከሲ ሓደ-ድርሒ-ሓደ ምድጋግም፡ ብቃል-ግእዝ “እምሁ” (ካብኡ) – ካብ’ቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ምንጪ – ጌርካ ምሕጻር ይከኣል።

መደምደምታ፤
ኣብ ስርዓተ-ነጥቢ ዘተኮሩ እትዋት ኣብ’ዚ የብቅዑ። ውጹእ መምርሒ ወይ ሓባራዊ ርድኢት ስርዓተ-ነጥቢ ስጋዕ ሕጂ የለን። ኩሉ ጽሓፊ፡ በብዝመስሎ ይጽሕፍ፣ እንተኾነ ክሳዕ ኣብ ሓደ መዕለቢ ዝርከብ፡ ነፍስ-ወከፍ ጽሓፊ ናቱ ብምምዕባል ውጹእ ብዝኾነ፡ ቅጥዒ-ዝሓዘ፡ ጽሑፍ የቕርብ። እዚ ኣብ’ዚ ቀሪቡ ዘሎ መግለጺታት ከም መምርሒን መወከሲን ብጥርኑፍ ንምቕራቡ መደብ ኣሎ። ስጋዕ ሽዑ ዝኾነ ግዱስ ርእይቶኡ ኬቕርበሉ ይዕደም።

ኣርኣያ ካሳ
13 መጋቢት 2016

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s