ኣንበበዶ ነበብ፡ ኣየናይ’ዩ እቲ ቅኑዕ ሱር-ግሲ፧

ኣደይ፡ “ንበቦ፡ ንበበለይ” ኣብ ዝበለትኒ እዋን፡ “’ኣንብቦ፡ ኣንብበለይ’ እዩ ዝበሃል’ቲ’ደ” ኢለ እንክምለስ፡ “ክላ ተማሂረ’ልካ ዲኻ” ብምባል ትሕጭጨለይ ነበረት። ተስፋማርያም ቦኽረጼን መርኢድ፡ ኣብ “ሓዳስ ኤርትራ”፡ ንእቲ ኣደይ ቅድሚ ፍርቂ-ዘመን ዝበለትኒ ብምድጋም፡ “ኣንበብካዮ” ዚብል ግሲ ዘይእሩም ኣዘራርባን ኣጸሓሕፋን፡ እቲ እሩም ከኣ “ነበብካዩ” ምዃኑ ጽሒፉ[1]። ብዘይ ጭብጢ “እዚ-ቅኑዕ” “እቲ ጌጋ” ዝብሉ ጽሑፋት እንክነብብ ሕርኽርኽ ይብሉኒ እዮም። ንእዛ ኣቀራርብ ናይ ኣቶ ተስፋማርያም ዘይምቕባል ጥራይ ዘኰነስ፡ ድንቁርናይ ዝያዳ ንምጕላሕ፡ ን”ኣንበበ” ከም ሱር-ግሲ ቅንዕቲ ምዃና ዝጸቐጥክሉ እዋን እውን ነይሩ። እዚ ከኣ ካብ ሱር-ግሲ ተበጊሰ፡ ን“ኣንበበ”ን “ነበበ”ን ዳህሲስ ስለ ዝገጠሙለይ እዩ። ከም ክልተ ተበራረይቲ ግሲታት’ውን ክርእዮም ጀሚረ። እንተዀነ፡ ረባሕታ “ኣንበበ” ማዕረ-ማዕረ ምስ “ነበበ” ምኻድ ናይ ኣጋጣሚ እምበር መጐታዊ ዘይምዃኑ ኪረኣየኒ ዝጀመረ ረባሕታ ተመሳሰልቲ ሱር-ግስታት ምስ ዳህሰስኩ እዩ። ኣደይ እትብሎ ዝነበረት፡ ካብ ዘይምፍላጣ፡ ዘይተማህረት እቖጽራ ነይረ። ደንቆርስ ኣነ ደኣ። ቀንዲ መፍትሒ ኰይና ዝረኸብክዋ፡ ኣብ “ኣንበበ” ዘላ ቅድመ-ጥብቆ (ቅ.ጥ.) “ኣ” እያ። ቅ.ጥ. “ኣ”፡ ኣብ ረባሕታ ንግሲ፡ ናብ ኣግብሮ ትቕይር፣ እዚ ከኣ እቲ ተግባር ብቐዳምይ-ኣካል (ከም በልዐ፡ ሰተየ፡ …) ዘይኰነስ ብሳልሳይ-ኣካል (ብንሱ) ኣብ ልዕሊ ካልእ 3ይ-ኣካል ዝፍጸም እዩ (ከም ኣብልዐ፡ ኣስተየ)። እንተዀነ፡ ንግሲ “ነበበ” ቅ.ጥ. “ኣ” ምስ ዝልቀቦ ትርጉም ኣልቦ “ኣንበበ” ይኸውን፣ ትርጕም ኣልቦ ዘየምስሎ “ልምዲ” እዩ። ትርጕም ኣልቦነቱ ንምብራህ፡ ብረባሕታ ተመሳሰልቲ ግስታት፡ “ነበበ”፡ “ዘለለ”ን “ሰበበ”ን፡ መጐተይ ቀጺሉ ይቐርብ።

ሱር-ግሲ 1ይ-ኣካል 2ይ-ኣካል 3ይ-ኣካል 2ይ-ኣካል-ትእዛዝ
(ሀ) ‘ኣንበበ’ ኣንቢበ ኣንቢብኪ/ኣንቢብካ ኣንቢባ/ኣንቢቡ ኣንብቢ/ኣንብብ
(ለ) ነበበ ነቢበ ነቢብኪ/ነቢብካ ነቢባ/ነቢቡ ንበቢ/ንበብ
(ሐ) ‘ኣዝለለ’ ኣዝሊለ ኣዝሊልኪ/ኣዝሊልካ ኣዝሊላ/ኣዝሊሉ ኣዝልሊ/ኣዝልል
(መ) ዘለለ ዘሊለ ዘሊልኪ/ዘሊልካ ዘሊላ/ዘሊሉ ዝለሊ/ዝለል
(ሠ) ‘ኣስበበ’ ኣስቢበ ኣስቢቡ/ኣስቢብካ ኣስቢባ/ኣስቢቡ ኣስብቢ/ኣስብብ
(ረ) ሰበበ ሰቢበ ሰቢብኪ/ሰቢብካ ሰቢባ/ሰቢቡ ሰብቢ/ሰብብ

ኣብ ላዕሊ፡ ኣብ መስርዕ (ሀ)ን (ለ)ን ዘለው ረባሕታ “ኣንበበ/ነበበ” ሕደ ትርጉም ዝሓዙ ይመስሉ። እዚ ከኣ፡ ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፡ ብብዝሒ ምድግጋም ተለሚዱ፡ ከም ቅቡል ስለ እተወስደ እዩ። ግጉይ ምዃኑ ዘነጽሮ እቲ ኣብ (ሐ)ን (መ)ን ዘሎ ረባሕታ “ዘለለ/ኣዝለለ” ምስ እንዕዘብ እዩ። እቲ ኣብ (ሐ) ዘሎ፡ 3ይ-ኣካል፡ ንካልእ ሳልሳይ-ኣካል ከም ዝዘልል ገበረ ኪኸወን ኣንከሎ፣ ኣቲ ኣብ (መ) ዘሎ ከኣ፡ ዘይሳገር፡ ብ1ይ-ኣካል ዝተፈጸመ ምኻኑ ብሩህ እዩ። ስለ’ዚ እቲ ኣብ (ሐ) ዘለ ሱር-ግሲ ኣይኰነን። በዚ መንጽር፡ እቲ ኣብ ረባሕታ “ኣንበበ/ነበበ” ዘሎ ኪትንተን እንከሎ፡ እቲ ኣብ (ሀ) ዘሎ፡ 3ይ-ኣካል፡ ንካልእ ሳልሳይ-ኣካል ከም ዝነብብ ገበረ ዝብል ትርጕም ኣልቦ ይሕዝ (ሱር-ግሲ እውን ኣይኰነን)፣ ልክዕ ከም’ቲ ኣብ (ሠ) ተዘርዚሩ ዘሎ ኣስበበ፡ 3ይ-ኣካል፡ ንካልእ ሳልሳይ-ኣካል ከም ዝሰብብ ገበረ ምባል ይቝጸር። እቲ ኣብ (ለ) ዘሎ ዘሎ ግን ብ1ይ-ኣካል ዝተፈጸምን እቲ ቅኑዕን እዩ።

ንዝያዳ ጭብጢ፡ ነበብቲ፡ ንረባሕታ “ኣስተየ/ሰተየ” ዳህስሱ።

መደምደምታ፤ ኣነ ነቢበ፡ ንስኺ ነቢብኪ፡ … ቅኑዓት ረባሕታ ምዃኑ እቕበል፣ ኣነ ኣንቢበ፡ ንስኺ ኣንቢብኪ፡ … ዝብሉ ረባሕታ ዘይቅኑዓት እዮም። ኣብ ዘረባን ጽሑፍን እቲ ቅኑዕ ክትብር ኣቓልቦ ኪገብር እየ። “ኣመል ምስ መግነዝ ኰይኑ” ናብ’ቲ ግጉይ ልምዲ እንተ ወደቕኩ፡ ንዘበራብረኒ ኣቐዲመ አመስግን።

መዘክር፤ ቅ.ጥ. “ኣ”፡ ኣብ ካልኦት ረባሕታ ግሲን ስምን’ውን ትኽሰት እያ። ንኣብነት – ኣናብባ፡ ኣበላልዓ፣ ኣዕጠይጠየ፡ ኣዕገርገረ፣ ኣህባይ፡ ኣእዱግ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ዝድህሰሱ ብዝሓት ቅ.ጥ.ን ድሕረ-ጥብቆን – መ፡ ም፡ ኣ፡ ተ፡ ታ፡ ታት፡ ታይ፡ ናይ፡ አ፡ አን፡ ኡ፡ … – ኣለዉ።
–ኣርኣያ ካሳ
8 ጥሪ 2016

[1] ተስፋማርያም ቦኽረጼን መርኢድ (30 ግንቦት 2012)። ሓጺር መምርሒ ኣጽሓሕፋ ቋንቋ ትግርኛ፡ ካልኣይ ክፋል። ሓዳስ ኤርትራ፤ ገጽ 8።

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s