ዝመድና መጸውዒ-ስማት ፊደላት

ዝመድና መጸውዒ-ስማት ፊደላት

ኣብ ዝሓለፈ እታው (1 ሓምለ 2014) ንጀመርቲ ኣንበብቲ ይኹን ንባብ ንዝምህሩ ዝሕግዝ ኣፈናዊ ኣናብባ ትግርኛ ሓጺር መግለጺ ተዋሂቡ፣ ከምኡ’ውን ኣደማምጻ ሆህያትን ቃላት ምስ መስርሑ ዝኽሰት ምቅይያርን ኪድህሰስ ምዃኑ ተሓቢሩ። እንሆ ድማ።

ቅድሚ ኣብ ምቛም ቃላት ዝኽሰት ምቅይያር-ፊደላት ምድህሳስ፡ ሕመረት ናይ እዚ ምቅይያር ዝዀነ ዝምድና መጸውዒ-ስማት ፊደላት ኪድህሰስ እዩ።

ነፍስ-ወከፍ ፊደል-ግእዝ፡ ሸውዓተ ዝተፈላልዩ ቅርጺን መጸውዒን ዘለዎም ሆህያት ይሓቍፍ። እቶም ሸውዓተ ሆህያት ብናይ ግእዝ መዓርጋዊ-ኣቆጻጽራ (ግእዝ፡ ካእብ፡ ሳልስ፡ ራብዕ፡ ሓምስ፡ ሳድስን ሳብዕን) ድሕረ-ጥብቆ ይልለዩ (ንኣብነት – ሀ-ግእዝ፡ ሁ-ካእብ፡ ሂ-ሳልስ፡ ሃ-ራብዕ፡ ሄ-ሓምስ፡ ህ-ሳድስን ሆ-ሳብዕን)። ሒዶት፡ ጐራዳት/ጐደሎ ዝበሃሉ ብሓሙሽተ ሆህያት (ካእብን ሳብዕን ዝጐደሎም) ዝቖሙ እውን ኣለዉ (ንኣብነት – ጐ-ግእዝ፡ ጒ-ሳልስ፡ ጓ-ራብዕ፡ ጔ-ሓምስን ጕ-ሳድስን)። ፊደላት-ግእዝ ብድምጺን ብቕርጺን ዝተፈላለይ መባእታ (ኣሃዱ) ኣለዎም።

ብቕርጺ፡ ፊደል-ግእዝ መባእታ እዩ። ንእዚ መባእታ-ቅርጺ ዝተፈላለይ ቅርጻዊ ምቅይያር ብምግባር እቶም ካልኦት ሽዱሽተ ቅርጽታት ይቖሙ። እዚ ቅርጻዊ ምቅይያር ኣብ ኩሎም ፊደላት ተመዓራራይነት የብሉን። ማለት ውጽኢት ኣብ ልዕሊ ሓደ ፊደል ዝተገብረ ቅርጻዊ ምቅይያር ኣብ ልዕሉ ኩሎም ፊደላት ኣይሰርሕን (ንኣብነት ን ሀ-ግእዝ ናብ ሁ-ካእብ ዝቕይር ኣገባብ ኣብ ኩሎም ፊደላት ኣይሰርሕን)።

ብኣደማምጻ፡ ብኣግባብ ምቅይያር ድምጺ ፊደል ኣብ ኩሎም ፊደላት (ካብ ግእዝ ክሳብ ሳብዕ) ተመዓራራይነት ኣለዎ። ኣዳምጻ ግእዛት (ሀ፡ ለ፡ ሐ፡ መ፡ …)፡ ኣዳምጻ ካእባት (ሁ፡ ሉ፡ ሑ፡ ሙ፡ …) ወዘተ. ተመዓራረይቲ እዮም። ከምኡ’ውን ብኣደምምጻ፡ መጸውዒ ፊደል-ሳድስ ካብ ኩሎም ዝሓጸረ ኣሃዱ-ድምጺ ኣለዎ። እቶም ዝተረፉ ሆህያት ዝርግሐ-ድምጺ መጸውዒኦም ካብ ፊደል-ሳድስ ዝነቐሉን ንውሕ ዝብሉን ኮይኖም ይርከቡ። እዚ ኸኣ ኣብ ሕቝፊ ዝዀነ ፊደል ሳድስን ሓደ ካብ እዞም ቀጺሎም ዚጥቀሱ ፊደላትን ይርከብ። በዚ ምኽንያት ከኣ ድምጺ ፊደል-ሳድስ ከም መባእታ ኪውሰድ ይከኣል።

ንእዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ክስተት ተመዓራራይነት ኣደማምጻ መጸውዒ ፊደላት ሓደ መጐት ንምትሓዝ ዝተኻየደን ዝካየድን ስራሓት ከምዘሎ ሓበሬታ ኣሎ። ኣዲ ገብረ (2013) ናይ ሃለቃ ኪዳነወልድ ክፍሌ [ምንጪ ኣልቦ] ይበሃል ዝበሎ ኣብ ‘ግእዝ ዝተመስርተ’ “ዉ ዪ ኣ ዬ ህ ዎ” ‘ኣናበብቲ’ ከምዘሎ ጠቒሱ። ከምኡውን ኣዲ ገብረ ብወገኑ ኣብ ሳድስ ዝተመስረተ፡ ኡ ኢ ኣ ኤ እ ኦ ከም ‘ኣናበብቲ’ እንተ ዝወሰዱ ዝብል ዘቕረቦ ሓሳብ ኣሎ። (ሙሳ ኣሮን ኣብ ጐረራውያን “ሀ ሐ አን ዐን” ዝተሓጽረ ኣደምማጽን ትግባረን ሆህያት ግእዝን ራብዕን ፍሉይ ርእይቶ ኣለዎ፣ እዚ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኪለዓል እዩ።)

ንእዚ ናይ ኣደማምጻ መጽውዒ ፊደላት ሓደ መጐት ንምትሓዝ ንዝግበር ጻዕሪ ኣሰር ብምኽታል ፍሉይ ሓሳብ ኣብ’ዚ ኪቐርብ እዩ። እዚ ከኣ መጸውዒ ስም ፊድላት ብምስትምቓር (ተነበብቲን ኣናበብቲን ተባሂሎም ከይተፈላለዩ) ዝኸሰት ዝምድና-ድምጺ መሰረት ብምግባር ሓደ ኣገባብ ንምትሓዝ ኪህቀን እዩ። እዚ ኣገባብ ፍጹምነት ስለ ዘይህልዎ፡ እቶም ምስ’ዚ ኣቀራርባ ዘይቃደው ውሑዳት መጐት ዘይክተሉ ተባሂሎም ኪጕለሉ ይግባእ (ንኣብነት “ኣ” ንሳድስ ናብ ራብዕ ዝቅይር እኳ እንተ ዀነ ናብ ግእዝ ዝቕይረሉ እዋናት እውን ኣሎ። ካልእ ዝጥቀስ ከኣ ጽልዋ “ወ” እዩ)።

ፊደል-ሳድስ ከም መባእታ-ድምጺ ተወሲዱ ፊደላት “አ”፡ “ኡ”፡ “ይ”፡ “ኣ”፡ “የ”ን “ኦ”ን ምስ ዝልቀብዎ ድምጺ ናይ እቶም ዝተረፉ ሆህያት ብተርታ ይኽሰት (ኣብ’ዚ ፍዅስን ቅልጥፍን ኢላካ፡ ኣብ መንጎ ሆህት ከይሃብካ፡ ምስትምቓር ኬድሊ እዩ)። ተወሳኺ ትዕዝብቲ፤ ኣብ ድምጺ ሳልስ ሆህየ “ዪ” እኳ ዝያዳ ዝድመጽ እንተመሰለ፡ ኣብ ቃላት ግን ድምጺ ሳድስ “ይ” ንሳድሳት ናብ ሳልስ ዚቕይር። በዚ ከኣ “ይ” ኣብ ክንዲ “ዪ” ተመርጹ። ስለ’ዚ ብዘይካ ሳድስ እቶም ዝተረፉ ሆህያት ኣብ ሕቝፎም ሳድስን እዞም ኣብ ላዕሊ እተረቝሑ ፊደላትን ይርከቡ። ንኣብነት – ኣብ ሕቝፊ ሀ – ህአ፡ ኣብ ሕቝፊ ሁ – ህኡ፡ … ይርከቡ። እዚ ክስተት ብመልክዕ ሰሌዳ፡ ብከፊል፡ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ኣሎ።

ሳድስ ግእዝ ካእብ ሳልስ ራብዕ ሓምስ ሳብዕ
ሳድስ +አ +ኡ +ይ +ኣ +የ +ኦ
ህአ=ሀ ህኡ=ሁ ህይ=ሂ ህኣ=ሃ ህየ=ሄ ህኦ=ሆ
ልአ=ለ ልኡ=ሉ ልይ=ሊ ልኣ=ላ ልየ=ሌ ልኦ=ሎ
ሕአ=ሐ ሕኡ=ሑ ሕይ=ሒ ሕኣ=ሓ ሕየ=ሔ ሕኦ=ሖ
ምአ=መ ምኡ=ሙ ምይ=ሚ ምኣ=ማ ምየ=ሜ ምኦ=ሞ

(እዚ ኣቀራርባ ዋላ ኣብ’ቶም ጠንቂ መቐየርቲ ድምጺ ዝኾነ ፊደላት’ውን ይሰርሕ)

እ እአ=አ እኡ=ኡ እይ=ኢ እኣ=ኣ እየ=ኤ እኦ=ኦ
ይ ይአ=የ ይኡ=ዩ ይይ=ዪ ይኣ=ያ ይየ=ዬ ይኦ=ዮ

ፊደላት ንቃላት፡ ቃላት ንምሉእ-ሓሳባት ኣብ ዝምስርሕሉ ግዜ ዝስዕብ ምቅይያር ድምጺ/ቅርጺ ፊደላትን ሆህያትን መንቀሊኡ እቶም ኣብ ሕቝፊ ዝርከቡ ፊደላትን ጠንቂ መቐየርቲ ፊደላትን ምስ ዝጸጋግዑ እዩ። ኣብ’ዚ ምቅይያር’ዚ “ወ” እውን ተራ ኣለዎ።
መጸውዒ-ስም ፊደላት ብመባእታዊ ሕብሪ ኪምሰሉ ይከኣል። ከምቲ ቀይሕ ምስ ሰማያዊ ኪሕወስ ክልቲኦም ሕብሮም ዝዕቅቡ እንተ ኾነ ግን ቀይሕ ምስ ብጫ ምስ ዚሕወስ ሽሮዋይ ዚኸውን፡ ፊደላት’ውን፡ ቃላት ምስ መስርሑ ተመሳሳሊ ባህሪ የርእዩ እዮም። ገሊኦም ቅርጾም ይዕቅቡ፡ ገሊኦም ብቅድሚኦም ንዝርከብ ፊደል ይውሕጡ ወይ ብእኡ ይውሓጡ፡ ገሊኦም ምስ ብቅድሚኦም/ብድሕሪኦም ምስ ዝርከብ ፊደል ተዋሂዶም ቅርጾም ይቕይሩ። እዚ ምቅያርን ዘይምቅያርን ባህርያት ውጽኢት እቶም ኣብ ሕቝፊ ፊደል ዝርከቡ ሆህያት እዮም፣ ምንጪ ዝተፈላለዩ ላህጃታት’ውን ኪዀኑ ይኽእሉ። እዚ ባህሪ ቅጥዒ ክሕዝን ብዝተወደበ ኪምዕብልን ጻዕሪ ኪኢላታት ይሓትት። ሓፈሻዊ እምበር ንኹሉ ዝምእዘዝ፡ ፍጹምነት ዘለዎ መምርሒ ግን ኣይክርከብን እዩ።
ኣብ ዝቕጽል እታው፡ ምቕያርን ዘይምቕያርን ባህርያት ውጽኢት እቲ ኣብ ሕቝፊ ፊደል ዝርከቡ ሆህያት ኣብነታት ኪቐርቡ እዮም።

ኣዲ ገብረ (2013 ነሓሰ 7)፡ ሳድስ’ን ’ሳልስ’ን ቀዳማይ ክፋል። ሓዳስ ኤርትራ፡ ገጽ 8።

ኣርኣያ ካሳ
21 ነሓሰ 2014

Advertisements

One thought on “ዝመድና መጸውዒ-ስማት ፊደላት

  1. ኣነ ክብለኩም ዝደሊይ ፡መበገሲይ ሃጋዚይ ክኮነኩም ካብ ኢንግልዝ ብ ኢንግልዝ ዘሎ መጻሕፍትይ ተወክስኩም ፡ሙስጉን ዝኮነ ከተቅርቡ ንወሎዶ ጽቡቅ ድማ ቅዱስ ሰናይ ኢዩ፡ ኢግዛብሄር ይሃግዝኩም ድማ ይባርኩም ኣመን፡

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s