ኣደማምጻ 2

ኣደማምጻ 2
ኣብ ዝሓለፈ እታው (08 መጋቢት 2014) ኣደማምጻ ሓደ ቃል፡ ልግብጋብ መጸውዒ-ስም ዘቘምዎ ፊድላት ዘይምዃኑን ኣናብባ ገና ዳህሳስ ዘድልዮ ዕማም ምዃኑን ተዳህሲሱ። ሕጂ ከኣ፡ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ዝካየድ ዘተ ንኣደማምጻ ዝምልከት ዝቐረበ ርእይቶ እንሆ። ቅድሚኡ ግን፤

መእተዊ፡ “ሓዳስ ኤርትራ”፡ ብተበግሶን ኣላይነትን ኣማረ ወልደስላሴ፡ ትግርኛ ኣብ ምምዕባልን ቅጥዒ ኣብ ምትሓዝን እተትኩር “ዓምዲ ልሳናታን ተዛረብቶምን ግዝያዊት ዓምዲ”፡ ኣብ’ዚብል ርእሰ-ዓምዲ ካብ 2012 ጀሚራ ተአንግድ ኣላ። ቅድምኡውን ብፍንዉ ካብ 2010 ጀሚሩ ኣማረ ወልደስላሴ ተመሳሳሊ ዛዕባ ኬቐርብ ጸኒሑ እዩ።
እዛ እትስዕብ፡ ብ 9 መስከረም 2013 ናብ ሓዳስ ኤርትራ “ዓምዲ ልሳናታን ተዛረብቶምን” ካብ ዝተላእኸት ጽሑፍ፡ ኣብ ንኡስ ኣርእስቲ “ኣደማምጻ”፡ ሰፊራ ዝነበረት እያ፣ ቀንድ ቍምነገራ ኣብ ኣጸሓሕፋን ኣደማምጻን “ዝ/ክ ዚ/ኪ ዜ/ኬ” ተተኵር። መብዛሕቱ ትሕዝቶኣ ንኣብታ ዓምዲ ቐሪቦም ንዝነበሩ ዝጠቕስ እኳ እንተኾነ፡ ድሕረባይታ ዘይምፍላጥ ንዕላማ መልእኽቲ ኣይዕንቅፎን። ኣብ ጋራዲ-ሓጹር ([]) ሰፊሩ ዘሎን ብቐይሕ ዝተኣረመን ኣብ’ዚ እታው ዝተውሰኹ እዮም። –ኣርኣያ ካሳ።
ሰናይ ንባብ።
ኣደማምጻ፤ ሕመረት ክሳብ ሕጂ ዝተላዕላ ዛዕባታታትን “ክትዓት”ን [ኣብ ሓዳስ ኤርትራ] ኣብ ኣደማምጻ ዘተኮራ (ሓዳስ ኤርትራ፡ 2012)፡ እቲ መራኸቢ-ባይታ ከኣ ጽሑፋዊ እዩ። ጽሑፋዊ ኣቀራርባ፡ ዘየካትዕ ብዓይኒ ዚድህሰስ፡ ንኹሉ ሰብ ሕደ እዩ። ኣደማምጻ፡ ከም’ቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ፡ ካብ-ሰብ ናብ-ሰብ ከምኡውን ብላህጃ ኪፈላለ ዚኽእል ባዕላዊ’ዩ። ንባዕላዊ መጐት ከተቕርበሉ ዝከኣል እኳ እንተ-ኾነ ኣእማኒ ከይኸውን ይኽል [ጽሓፍቲ ቅኑዕ ብብዝብልዎ ይጽሓፉ፡ ሰዓብቶም የጥርዩ]።
እቲ ጸገም ኣብ ምስማዕ እቶም ዝቐረቡ ጽምድታት (ኢዩ/እዩ፡ ዚ/ዜ፡ ኪ/ኬ) ኣይኮነን። ኣብ ምሉእ-ሓሳብ ኣትዮም፡ ዓይንኻ ዓሚትካ፡ ሰብ ኪነብቦምን (ክይነብቦም) ወይ ኬድምጾምን (ክየድምጾም) እንከሎ ኣብ ምስማዕ ዝኾነ ዚጭበጥ ፍልልይ ኣይረክብን። ምኽኒያቱ ርቀት ድምጺ እቶም ጽምዲ፡ ኣብ ምስማዕ፡ ብተፈጥሮ እዝኒ ምንጻሮም ስለ ዜጸግም እዩ።
ንኣብነት፡ “በዓል ኣብርሃም መጺኦም፡ ኣብ ንግደት ብዓል ቅዱስ ሚካኤል ተሳቲፎም” ኢሉ ሓደ ሰብ ኪዛረብ እንከሎ ካብ ትግባረ-ትሕዝቶ ዘረባ ዝኾነ ትግርኛ ዝርድኦ ሰማዒ ጸገም ኣየጓንፎን። ምኽንያቱ ካብ ርቀት ምድማጽ “በዓል”ን “ብዓል”ን ዝነቐለ፡ ዝርግሐ-ድምጺ ዚመሚን ዚርእይን መሳርሒ (ስፕክትሮሚተር) ጌርካ እምበር፡ ብተፍጥሮኣዊ እዝኒ ንምፍላዮም ኣጸገምቲ ስለ ዝኾኑ። በንጻሩ፡ በዓል (ክብረ-ዕለት) ካብ ብዓል (እኒ) ዚፈሊ ሰማዒ፡ ጽሑፍ ተዛራቢ እንተ ነቢቡ ወይ ተዛራቢ ክምድር እንከሎ እናሰምዐ ጽሑፍ እንተ ተኸታቲሉ ግን እቲ ስሕተት ብቐሊሉ ክርኣዮ ይኽእል። ከምኡ’ውን እቶም ክሳዕ ሕጂ ኣብ’ዛ ዓምዲ ዝተዳህሰሱን ኣካታዕቲ ዚመስሉን፡ “ኢዩ/እዩ፡ ዝ/ዚ/ዜ፡ ክ/ኪ/ኬ፡ …” ኣብ ንቡር ምዝርራብን ኣብ ንቡር መደረን ኪስምዑ እንከለዉ ክትፈልዮም ዳርጋ ኣይካእልን። እቲ ፍልልይን ጸገምን ዚኽሰት ግን ኣብ ምንባብን ትሕዝቶ-ጽሑፍ፡ ብሰውስው ኣብ ምትንታንን እዩ። ኣዲ ገብረ (2013) ኣብ ምድማጽ ስለ ዜጽግም፡ ስለ ዚሓናዅል ኢላካ ይተኣለ ምባል ግጉይ ምዃኑ ዘተንብሆ ምኽሪ ቅቡል እዩ። ምኽኒያቱ ንሓደ ብርቱዕ ንካልእ ከኣ ቀሊል ኪኸውን ስለ ዝኽእል፡ እቲ ርእይቶ ባዕላዊ እምበር መጐታዊ ኣይኮነን። የግዳስ ብልምዲ ዝተኣታተዉ፡ ካብ ኣደማምጻ ዝተበገሰ ብዘይቅኑዕ ኣጽሓሕፋ ዚጽሓፉ፡ ‘ንዓወሽ’ እንተ በልካዮም ዝሕንግዱ ኣለዉ፡ ከይስዕርሩን ቅጥዒ ኪሕዙን ዓቃል ጻዕሪን ተጻዋርነትን ይሓትት።

ስርሓት ኣ.ማ.ሓ. (1956ግ) ምስ ዝርአ፡ ተጠቃሚ “ዝ/ክ ዚ/ኪ ዜ/ኬ” እኳ እንተ-ኾነ ከም መምርሒ ንሳልሳይ-ኣካል ዜገልግሉ ኢሉ ግን ኣይጠቕሶምን። እቶም “ዚ/ኪ ዜ/ኬ” ከም ኣርእስቲ ዝተላዕሉ ዘይኮነስ ውጽኢት ሰዋስዋዊ ትንተናን (ብኣበሃህላ ደራሲ – ምፍላይ) ባህሪ ኣደማምጻን ዝፈጠሮም ምዃኖም ካብ’ቶም ዝቐረቡ ኣብነታት ኪእመት ይከኣል። “ዝ/ክ” ኣብ’ቲ መጽሓፍ ከም ኣርእሲቲ ዝተጠቕሱስ ኣዝይዮም ድሒሮም (ገጽ 107) እዮም፣ ኣብዚ’ውን ፊደላት “ይ፡ኣ፡እ” ምስ ዝኽተለዎም ዝኽሰት ምውሓጥ/ምልዋጥ ፊድላት ካብ ትዕዝብቲታት ባህሪ ኣደማምጻ ንምድማቕን ኣተኵሮ ንምስሓንብን ኪኸውን ይኽእል። እስከ ኣብ’ቲ መጽሓፍ ንመረድኢ ተባሂለን ካብ ዝቐረባ ኣብነታት ትንተና ንሓንቲ “ዝ/ዚ” ዘለዋ ይርአ፤
“ኣጋ ምሸት፡ ኣብ ውሽጢ ገዛና፡ ኣብ መንጎ ክልተ ዓንዲ ዚርአ፡ ብመስኮት ዚኣቱ ጩራ-ፀሓይ ክንደይ ይጽብቕ!” (ገጽ 74)። እቲ ትንታነ ከኣ ብከም’ዚ ዚስዕብ ቀሪቡ፤
“ … ዚርአ፤ ሀ) ዝ፤ – ቀጻሊ ክንድስም (‘ይ’ ስለዝወሓጠ ‘ዚ’ ኮይኑ)። ለ) ይርአ፤ – ተቐባሊ ኣንቀጽ (እቱ ‘ይ’ ብ ‘ዝ’ ተዋሒጡ ነቢሩ)። … ዚኣቱ፤ – ሀ) ‘ዝ’ – ቀጻሊ ክንድስም (‘ይ’ ውሒጡ)። ለ) ይኣቱ፤ ኣጓጉል ኣንቀጽ (‘ይ’ ብ ‘ዝ’ ተዋሒጡ)። …” (ገጽ 74)።

ብመንጽር እዚ ኣብ ላዕሊ ዝቐረበ፡ ተዛማዲት ዝኾነት ሓንቲ ካብ እተን ብሰረብ እስቲፋኖስ (2013) ብጽምዲ ዝቐረባ ኣብነታት (ዝተደጋገመ ግሲታት ብምትራፍ) እስከ ትዳህሰስ፤
“2. ሀ. ዚሕጸብ፡ … ክዳውንቲ ቈልዑ ዛሕ ኢሉ ምስ ጸንሓኒ እዛ ልበይ ምልቝ’ያ ዝበለት።
ለ. ዝሕጸብ፡ … ክዳውንቲ ቈልዑ ዛሕ ኢሉ ምስ ጸንሓኒ እዛ ልበይ ምልቝ’ያ ዝበለት።” (1ይ ዓምዲ፡ 4ይ ሕ.ጽ.)።

ዘቕለበ እንተ-ዘይኮይኑ፡ ብወዝባዊ ኣናብባ፡ መልእኽቲ እዘን ክልተ ምሉእ-ሓሳባት ሕደ እዩ፣ ኣብ ምስማዕ እውን ከምኡ። ኣየደናግራን። ኣብ ትንተና፡ ሱር-ግሲ እዘን ዝተጠቕሳ ክልተ ምሉእ-ሓሳባት “ሓጸበ” እዩ፣ ህልው “ሓጸበ” – “ይሕጸብ”፡ 3ይ-ኣካል ንጽል ኮይኑ “ዝ” ከኣ 3ይ-ኣካል ንጽል ክንዲ-ስም (ኣብ ክንዲ “ክዳውንቲ”) ቅደመ-ጥብቆ እዩ።

ብመጐት ኣ.ማ.ሓ.፡ ኣብ 2. ሀ ዘሎ “ዚ” ን”ዝ”ን ን”ይ”ን ሓቝፉ ነይሩ ብምባል ኣብ ምትንታን ኪርአ ይከኣል። ኣብ 2ለ ”ይ” ብመኸመይ ከም እተዋሕጠ፡ ኣብ ትንተናኸ ብኸመይ ከም ዚገሃድ ኪቐርበሉ ዚኽእል መጐት ኣሎዶ፧ እንተ-ዘይብሉ፡ ኣብ ክንዲ ብዘይመጐት “ይ” ተወሒጡ ዚተርፍን ኣብ ረባሕታ ስለ ዘሎን “ዝ” ንምዕቃብ “ዝይሕጸብ …” ተባሂሉ እንተ-ዚጽሓፍ፣ ኣብ ንባብ’ውን ምስ’ቲ “ዝተጻሕፈ ይደምጽ፡ ዝተደምጸ ይጸሓፍ” ዚብል መምርሒ ቃል-ንቓሉ መጐታዊ ኣይምኾነንዶ፧
መጐት ዘይኽተል እንተ-ኾይኑ፡ ዘይኽተለሉ ምኽኒትከ ይህሎዶ፧
ንመምሃሪ ዚቐርብ ጽሑፍ ብኹሉ መዳይ ልዑል ጥንቃቐ የድልዮ። ዚወጽእ መምርሒ ፍጹምነት ኪህልዎ ኣይክእልን። ኣብ ትንተና መጐት ዚኸተሉ፡ መጐት ዘይክተሉን፡ ልምዳውያን ኢላካ ክፍለዩ ይከኣል። መጐት ዚኸተሉ – ሓደ ሕጊ-ሰዋስው ወጺኡ በቲ ዝወጸ መምርሒ ዚቐይዱ፣ መጐት ዘይኽተሉ – ነቶም መጐት ዚኸተሉ ዚመስሉ እንተ-ኾነ በቲ ሕጊ ክትቅይዶም ምስ እትፍትን ዝጕዕጸጹ፣ ልምዳውያን – በቲ መጐት ክቕየዱ እና ኸኣሉ፡ ብልማድ ካልእ መልክዕን ባህሪን ሒዞም ተቐየድ እንተ-በልካ ሕርኽርኽ ዝብሉ እዮም።

ኣብ ዝቕጽል እታው፡ ኣ.ማ.ሓ. “ኣናብባ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዘቕረቦ ርእይቶ ጽማቕ ኪቐርብ እዩ።
መወከሲ-ጽሑፍ
ሓዳስ ኤርትራ። (2012፡ ነሓሰ 8)። ልሳናትን ተዛረብቶምን። ሓዳስ ኤርትራ፡ ገጽ 8።
ሰረበ እስቲፋኖስ (2013፡ ለካቲት 6)። ጽልዋ ‘የ’ን ‘ይ’ን ብመንጽር ‘አ’ን ‘እ’ን። ሓዳስ ኤርትራ፡ ገጽ 8።
ኣ.ማ.ሓ. (፲፱፻፶፮ [1956ግ]) ሰውስው – ትግርኛ። ፩ይ መጽሓፍ፡ ናይ ቃላት ሰዋስው ክሳብ ስሩዕ ረባሕታ። ኣስመራ፤ ናይ ሕተም ትምህርቲ “ፍራንቸስካና” ኣሥመራ።
ኣዲ ገብረ (2013 ነሓሰ 7)። ሳድስ’ ን ’ሳልስ’ ን ቀዳማይ ክፋል። ሓዳስ ኤርትራ፡ገጽ 8።

ኣርኣያ ካሳ
23 መጋቢት 2014

Advertisements

One thought on “ኣደማምጻ 2

  1. ዝኸበርካ ኣቶ ኣርኣያ ካሳ፡

    ብመጀመሪያ ስለ`ቲ እትገብሮ ጻዕሪ ከየመስገንኩኻ ክሓልፍ ኣይደልን። ኣብዚ ቀረባ እዋን እየ ጽሑፍካ ርእየዮ፣ ደስ ዝብል`ዩ ኸኣ። እንተኾነ፡ ኣብዛ ኣርእስቲ እዚኣ፡ ገለገለ ንዓይ ጌጋ ኮይኖም ዝረኣዩኒ ኣለዉ እሞ፡ ሓሳበይ ወስ ከብለልካ ፍቐደለይ። ንሳቶም ከኣ ከም፡ “ …ብላህጃ ኪፈላለ ዚኽእል…” ፡ “…ኪነብቦምን (ክይነብቦም) ወይ ኬድምጾምን (ክየድምጾም)…»፡ «…ዜጸግም … »፡ «…ዚመሚን ዚርእይን … »፡ «…ዚፈሊ… »፡ «…ዚመስሉን… »፡ «…ኪስምዑ … »፡ ወዘተ. ዝብሉ እዮም። ከምቲ ዝጥቐጽካዮ፡ኣብ ኣጸሓሕፋን ኣደማምጻን “ዝ/ክ ዚ/ኪ ዜ/ኬ” ዘተኰሩ`ዮም። እዞም ዝተጠቕሱ ቃላት፡ ኣብ ክንዲ ብሳድስ ወይ ብግእዝ ምጽሓፎም፡ ብሳልስ ወይ ብሓምስ ምጽሓፎም ኣደናጋሪዶ እይከውንን፧ ንምሳሌ፡ ኬድምጾም ወይ ክየድምጾም ዝብሉ ቃላት፡ ምስቲ ከየድምጾም ዝብል ኣንጻር ትርጉም ዘሎዎ ቃል ኣየደናግሩንዶ፧ ኣብ ኣደማምጻ`ውን፡ ዚመሚ፡ ዚፈሊ፡ ዜጸግም ወዘተ. እናበለ ዘድምጽ ኣይገጠመንን።
    ካብ በበይኑ መበገሲ ኢና ንብገስ ዘለና። ንስኻ፡ ካብ «ሓጸበ» ዝብል ንጹል ሕሉፍ ግሲ ከም ሱር-ግሲ ብምውሳድ ኢኻ ተበጊስካ። ኣነ ኸኣ፡ ካብ «ምሕጻብ» ዝብል ኣርእስታይ ዓንቀጽ እየ ተበጊሰ። ኣብነታት ከኣ ካብዞም እብዛ ኣርእስቲ እዚኣ ዝተጠቐምካሎም ቅላት ክወስድ`የ።
    ኣነ ፡ እዞም ኣካታዕቲ ቃላት፡ ኣብ ክልተ እዮም ዝኽፈሉ ዝብል ርእይቶ`ዩ ዘለኒ። ንሳቶም ከኣ፦ 1. ትንቢታውያን፣ 2. ምስ ኣዛመድቲ ፊደላት (`ዝ`፡ `እ`፡ `ዘ`፡ `አ’) ሓቢሮም ዝርከቡ እዮም።

    1. ትንቢታውያን
    እቶም ትንቢታውያን ቃላት ከም፦ ክፈላለ፡ ክነብቦም፡ ከድምጾም፡ ክሰምዑ፡ ክኸውን፡ ክሕዙ፡ ክእመት እዮም።
    እስከ ነዞም ዝስዕቡ ክልተ ኣብነታት ንርአ፦
    (ሀ). ንመረድኢ ኣርእስታይ ዓንቀጽ ምንባብ ንውሰድ። ካብ`ቲ ምንባብ ዝብል ኣርእስታይ ዓንቀጽ እንተ ድኣ ተበጊስና፡ እቲ ምንባብ ዝብል ቀንዲ ዓንቀጽ ነቶም፦ ይነብብ፡ እናነበበ፡ ነበበ፡ ነቢቡ፡ ክነብብ፡ ይንበብ፡ ምነበበ፡ ዝብሉ ቃላት ብቕደም-ተኸተል ንኣብ ገቢር ዘለዉ፦ ንጽል ህሉው፡ ቀጻሊ ህሉው፡ ንጽል ሕሉፍ፡ ቅዱም ሕሉፍ፡ ትንቢታዊ፡ እዛዊን ምንዮታዊን እዋናት፡ ማዕረ እዩ ዝብጽሖም። ስለዚ ምንባብ (ኣርእስታይ ዓንቀጽ) ተባሂሉ፡ ይነብብ (ንጽል ቀጻሊ) ከም ዝብሃል፣ ምንባብ (ኣርእስታይ ዓንቀጽ) ተባሂሉ፡ ክነብብ(ትንቢታዊ) ዘይብሃለሉ መክንያት ርዱእ እይኮነን። ስለዚ ክ + ይ = ኪ ብምባል፡ ኪነብብ ኢልካ ምጽሓፍ ቅቡል መኽንያት ኣይመስለንን።
    (ለ). ንመረድኢ ኣርእስታይ ዓንቀጽ ምሕጻብ ንውሰድ። ካብ`ቲ ምሕጻብ ዝብል ኣርእስታይ ዓንቀጽ እንተ ድኣ ተበጊስና፡ እቲ ምሕጻብ ዝብል ቀንዲ ዓንቀጽ ነቶም፦ ይሕጸብ፡ እናተሓጽበ፡ተሓጽበ፡ ተሓጺቡ፡ ክሕጸብ፡ ይተሓጸብ፡ ምተሓጽበ፡ ዝብሉ ቃላት ብቕደም-ተኸተል ንኣብ ተገብሮ ዘለዉ፦ ንጽል ህሉው፡ ቀጻሊ ህሉው፡ ንጽል ሕሉፍ፡ ቅዱም ሕሉፍ፡ ትንቢታዊ፡ እዛዊን ምንዮታዊን እዋናት፡ ማዕረ እዩ ዝብጽሖም። ስለዚ ምሕጻብ(ኣርእስታይ ዓንቀጽ) ተባሂሉ፡ ይሓጽብ(ንጽል ቀጻሊ) ከም ዝብሃል፣ ምሕጻብ(ኣርእስታይ ዓንቀጽ) ተባሂሉ፡ ክሓጽብ(ትንቢታዊ) ዘይብሃለሉ መኽንያት ርዱእ እይኮነን። ስለዚ ክ + ይ = ኪ ብምባል፡ ኪሕጸብ ኢልካ ምጽሓፍ ቅቡል መኽንያት ኣይመስለንን።
    እዚ ዝጠቐስኩዎ ነቶም ትንቢታውያን ዝዀኑ ቃላት`ዩ። እቶም ምስ ኣዛመድቲ ፊደላት ሓቢሮም ዘለዉ ከኣ ብኸምዚ ዝስዕብ ክትንተኑ ይኽእሉ።

    2. ኣዛመድቲ ፊደላት
    እቶም ምስ እዛመድቲ ፊደላት ሓቢሮም ዘለዉ ከም እኒ፦ ዝመሚ፡ ዝርአ፡ ዝፈሊ፡ ዝመስሉ፡ ዝሓናዅል፡ ዝጸሓፍ፡ ዘገልግሉ፡ ዝተላዕሉ፡ ዝርአ፡ ዝኣቱ፡ ዝሕጸብ እዮም።
    (ሀ). ንመረድኢ፡ ኣዛማዳይ ፊደል “ዝ”፡ ኣርእስታይ ዓንቀጽ “ምፍላይ” ኣብ ንጽል ህሉው ዘይውዱእ እዋን ንውሰድ። ኣብ ዓምድታት ኣግብሮን ኣጋብሮን ግን ፊደል “ዝ” ብ“ዘ” ይተካእ። ካብ`ቲ ምፍላይ ዝብል ኣርእስታይ ዓንቀጽ እንተ ድኣ ተበጊስና፡ ኣብ ዓምድታት፦ ገቢር፡ ተገብሮ፡ ተጋብሮ፡ ኣግብሮን ኣጋብሮን ብቕደም-ተኸተል ነዞም፦ ዝፈሊ፡ ዝፍለ፡ ዝፈላሊ፡ ዘፍሊ፡ ዘፈላሊ ዝብሉ ቃላት ንረክብ። ስለዚ ዝ + ይ = ዚ ብምባል “ዚፈሊ” ኢልካ ምጽሓፍ ቅቡል መኽንያት ኣይመስለንን።
    (ለ). ንመረድኢ፡ ኣዛማዳይ ፊደል “ዝ”፡ ኣርእስታይ ዓንቀጽ “ምጽሓፍ” ኣብ ንጽል ህሉው ዘይውዱእ እዋን ንውሰድ። ኣብ ዓምድታት ኣግብሮን ኣጋብሮን ግን ፊደል “ዝ” ብ“ዘ” ይተካእ። ካብ`ቲ ምፍላይ ዝብል ኣርእስታይ ዓንቀጽ እንተ ድኣ ተበጊስና፡ ኣብ ዓምድታት፦ ገቢር፡ ተገብሮ፡ ተጋብሮ፡ ኣግብሮን ኣጋብሮን ብቕደም-ተኸተል ነዞም፦ ዝጽሕፉ፡ ዝጽሓፉ፡ ዝጸሓሕፉ፡ ዘጽሕፉ፡ ዘጸሓሕፉ ዝብሉ ቃላት ንረክብ። ስለዚ ዝ + ይ = ዚ ብምባል፡ “ዚጽሓፉ” ኢልካ ምጽሓፍ ቅቡል መኽንያት ኣይመስለንን።
    ኣብ መደምታ፡ ካብ ንጽል ሕሉፍ ከም እኒ፡ ሓጸበ፡ ጸሓፈ፡ ኣብ ክንዲ ምብጋስ፡ ኣብ ኣርእስቲ ዓናቕጻት፡ ከም እኒ ምሕጻብ፡ ምጽሓፍ ወዘተ. ምብጋስዶ ኣይምሓሸን፧ ከምኡ`ውን፡ ኣብ ክንዲ ካብ ኣርእስታይ ዓንቀጽ ምብጋስ፡ ካብ ህሉው ቀጻሊ ተበጊስካ፡ ኣብ እርእስታይ ዓንቀጽ ዘይነበረ “ይ” ፡ ኣብ ንጽል ህሉው ስለ ዝተረኽበ ንዕኡ ከተጥፍእ ኢልካ ሳልስ ምጥቃም ቅኑዕ ኣይመስለንን።

    መወከሲ-ጽሑፍ፡ ስብሃቱ ገብረሚካኤል ክፍሉ (1991) መሰረታውያን ኣገባባት ቋንቋ ትግርኛ

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

w

Connecting to %s