ቃላትን እታው መዝገበ ቃላትን

ኣብ ዝሓለፈ (2 ለካቲት 2014) ብዛዕባ ፊደላት-ግእዝ ተዳህሲሱ፣ ንሎሚ ከኣ ብዛዕባ ቃላትን እታው መዝገበ ቃላትን ኪዝተ እዩ።

ቃላት ኣኻኺብካ ሓረግ፡ ምሉእ-ሓሳብ፡ ሕጡበ-ጽሑፍን ድርሰትን ብምስራሕ ጽሑፋዊ ሓሳባትካ ስለ እትገልጽ ንሓባራዊ ርድኢት ትርጕም ቃላት ንጹር ኪኸውን ኣድላዪ እዩ። ከምኡ’ውን እቶም ቃላት ኣብ ምሉእ-ሓሳብ ኪኣትዉ እንከለዉ ብእሩም ረባሕታኦም [1]፡ ብዝውክልዎም ፊደላትን ሆህያትን ኪጸሓፉ ይግባእ። ትርጉም ቃላትን ኣጸሓሕፋኦምን ኣብ መዝገበ-ቓላት ይርከብ።

መዝገበ-ቓላት፡ ትርጕም ቃላት ሓደ ቋንቋ ዚህብን ብፊደላዊ መስርዕ ዚዝርዝርን መጽሓፍ እዩ። እታው መዝገበ-ቓላት ካብ እቲ መባእታ- (ሱር-) ቃል ኪጅምር ይግባእ። ኣብ ምዝርዛር እታው መዝገበ-ቓላት ትግርኛ ብመስርዕ ያታዊ-ፊደል ምምዝጋብ (ብ”ሀ” ምጅማር) ልሙድ እዩ። እቲ ልሙድ ወይ ብሩህ ዘይኮነ ግን መባእታ-ቃል ንጹር ዘይምዃኑ እዩ (ኣብ ዚመጽእ ኣብ ትሕቲ “ሰዋስው” ዚድህሰሱ – ቦዝ-ዓንቀጽ፡ ሱር-ግሲ፡ ኣርእስቲ-ግሲ፡ ዚበሃሉ ኪጥቀሱ እዮም)።  መባእታ-ቃል እታው መዝገበ-ቓላት ረባሕታ ዘይብሉ እንተኾነ ተመራጺ እዩ። እዚ ግን ናቱ ጸገም ኣለዎ። ንኣብነት ሓደ ግሲ ጾታ/ግዜ/ቍጽሪ ዘይፈሊ ዚኸውን ስማዊ ቅድመ-ጥብቆ፡ “ም”፡ ምስ ዚልቀቦ እዩ (ምብላዕ፡ ምስታይ፡ ምኻድ፡ …) ። ሳዕቤኑ ግን ንዝበዝሑ ግሲታት ብ “ም” ከምዝጅምሩ ስለ ዝገብሮም ኣብ ምንዳይ እታው ቃል ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ።

ኪዳነማርያም ዘርእዝጊ (2008) ‘ብሓዲስ ብልሓት’ ኢሉ ዘቕረቦ መስርዕ-ፊደልን ንእታው መዝገበ-ቓላት ዝተጠቕመሉ ኣገባብን ንእቲ እተደልየ ሸቶ ኣይመዝገበን። ንፊደላት ትግርኛ ካብ’ቲ ያታዊ ኣሰራርዓ ብምቕያር ብቐሊል ኪጽናዕን እታው መዝገበ-ቓላት ብቕልጡፍ ኪርከብን ኢሉ ዘቕረቦ ምኽንያታት፡ ካብ ብዝሒ ገጻት እተላዕለን እታዋት ብረባሕታኦም ብምስፋሮምን ብቐሊል ኪርከቡ ኣይተኻእሉን። ብዝያዳኳ መሊሱ ሓላሊኽዎ። ኪዳነማርያም ዘርእዝጊ ዝተጠቕመሉ እታው ‘ብመባእታ’-ቃል ጥራይ ዘይኮነስ እንኮላይ ብረባሕታኡ ስለ ዝኾነ፡ ቍጽሪ እታው ካብ መጠን ንላዕሊ በዚሑ። ትርጕም ቃል ንምርካብ ዘየድሊ ኮለል ወሲኹ። ንኣብነት፡ “ሰተየ” ዚብል ግሲን ረባሕታኡን ካብ ሓሙሽተ ንላዕሊ ዝተፈላለይ እታው ሒዙ ይርከብ – መስተዪ፡ ምስታይ፡ ሰተየ፡ ሰታዪ፡ ሰታይ፡ ተሰትየ፡ ኣስተየ። ቅድመ-ጥብቆታት፡ “መ፡ ም፡ ተ፡ ኣ፡ …”፡ ከምኡ’ውን ዝተፈላለዩ ድሕረ-ጥብቆ ረባሕታት ኣብ ኩሎም ግሲታት ኪኣትዉ እንተ ኮይኖም፡ እታው ቃላት ብውሑዱ ካብ ሸውዓተ ዕጽፊ ንላዕሊ ኪኸውን እዩ። ብዙሕ ገጻት ዝሓቘፉ መዝገበ-ቓላት (ቋንቋኦምን ብዝሒ ፊደሎም ብዘየገድስ) እታዎም ንምርካብ ዚቃለለሉ ብመጀመርያ ፊደሎም ዕልባት ብምስራሕ እዩ።

ብኣንጻሩ ተክአ ተስፋይ (1999) ዝተጠቐመሉ ኣገባብ፡ ፊደል ብያታዊ መስርዕ ኮይኑ መባእታዊ እታው ቃል ከኣ ብ”ሱር-ግሲ” (በልዐ፡ ሰተየ፡ …) ጀሚሩ ረባሕታኡ፡ ብምጡን፡ ኣብ ሕቝፊ እቲ ሱር-ግሲ የስፍር (ምሉእ ረባሕታ ግሲታት ትግርኛ ርእሱ ዝኸኣለ ፍሉይ መጽሓፍ ኪኸውን ይምረጽ)። እዚ ልሙድ ሱር-ግሲ ተባዕታይ ጾታ ኮይኑ “በልዐት”፡ “ሰተየት”፡ … እውን ተምዓራራዪ መባእታ-ቃል እዩ። ተክአ ተስፋይ፡ ንመበቈል ቃላት እውን ይጠቅስ እዩ። ኣብ’ዚ ኪጽቀጠሉ ዚግባእ፡ ካብ ካልእ ቋንቋ (ብፊደል ግእዝ ዝጽሕፋ) እተወርሱን ናብ ትግርኛ ዝረዓሙን ቃላት ኣብ መዝገበ-ቓላት ክኣትዉ እንከለው መበቈሎም ምጥቃስ ኣድላዪ እዩ። ምጥቃስ ጥራይ ዘኮነስ ኪጸሓፉ እንከለዉ በቲ መበቈላዊ ኣጸሓሕፋኦም ኪጸሓፉ ይግባእ። ንኣብነት፡ እታው ግሲ “ሰርዐ” ንምግላጽ መበቈሉ ካብ ግእዝ ኢልካ በቲ ልሳነ-ግእዝ ኣጸሓሕፋኡ፡ ብ “ሠርዐ” ይጸሓፍ። እዚ ምጥቃስ መበቈላዊ ቃል ንኹለን ዘለቀሓ ቋንቋታት ይምልከት። ካብ ብግእዝ ዘይጽሕፋ ቋንቋታት ንእተለቅሐ ቃል ግን ብትግርኛ እንተ ተጻሕፈ ይምረጽ። እቲ እታው መዝገበ-ቓላት፡ ቍንቍኛ ፍሉይ ከባቢ ዝሓዘለ ቃልን ላህጃን መለለዪ እንተ’ሎዎ፡ ከምኡ’ውን ሓደ ቃል ኣብ ትግርኛ፡ ኣብ ኣየናይ ዓመት ወይ እዋን ኪዝውተር ከም ዝጀመረ ይጠቐስ። ምኽንያታት ምጥቃስ መበቈል፡ ቍንቍኛን እዋንን ቃላት ንከም ታሪኽን ምዕባለ ቋንቋ ንምፍላጥን ንጻረ ትርጉም ቃል ንምሕላውን ዝኣመሰሉ ሓለፋታት ኬገልግል ይኽእል።

ከም’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተራእየ፡ ክሳዕ ሕጂ ዝፈረዩ መዝገበ-ቓላት ትግርኛ ብሓልዮትን ጻዕሪን ውልቀ-ሰባት እዮም። ምሒር ኪኢላ እኳ እንተኾነ፡ ብውልቀሰብ ዚዘላሰል ዕቃበ መዝገበ-ቓላት ምሉእን ነባሪን ኣይኸውንን። ኣብ መዝገበ-ቓላት ዚሰፍሩ ቃላት ከም ኣካል ቋንቋ መጠን ዚበልዩ፡ ዚሕደሱ፡ ዚቀያይሩ፡ ዚወሰኹን ዚንከዩን ህያው እዮም። ንእዚ ምቅይያራት ኪዕቅብ፡ ኪመምምን እዋናዊ ኪገብር ዚኽእል፡ ብጻዕሪን ብዕደመን ውልቀ-ሰብ ዘይድረት፡ ኣብ ውሱን ግዜ ብቐጻሊ ዝጋባእ፡ ትካል ወይ ጉብኤ ምስ ዚህሉ እዩ።

[1] ረባሕታ ዚብል ቃል ካብ ግሲ “ረብሐ” ዝነቐለ ኮይኑ ትርጉሙ፡ ሰዋስውኣዊ-ረባሕታ ሓደ ቃል ብቍጽሪ (ንጽል/ብዙሕ)፡ ብጾታ (ኣንስታይ/ተባዕታይ፡ ‘ግኡዝ’)፡ ብእዋን/ግዜ (ሕሉፍ፡ ቅዱም፡ ህልው፡ ትንቢት …)፡ ብኣካል (ቀዳማይ/ካልኣይ/ሳልሳይ)ን ብተግባርን ዘርእዮ ለውጢ ዜመልክት ስም እዩ። ኣብ ጽሑፍ፡ ንእዚ ተጠቒሱ ዘሎ ሰዋስውኣዊ ለውጢታት ንምጥቃስ እቲ “ረባሕታ” ዚብል ከም ስነ-ቃል ከምዘለዎ ይተዓቀብ። ንኣብነት፡ ቅጽል “ብጫ” ጾታዊ ረባሕታ የብሉን ምባል ይምረጽ፡ ኣብ ክንዲ ቅጽል “ብጫ” ብጾታ ኣይረብሕን (ኣሉታዊ ረብሐ) ምባል። ኣራብሓ ወይ ኣረባብሓ ግሲ ኣብ ክንዲ ምባል ረባሕታ-ግሲ ምባል ይምረጽ።

መዘክር፤ ኣብ’ዚ ብፍላጥ “መዝገበ-ቓላት”ን “መዝገበ ቃላት”ን ተባሂሉ ተጻሒፉ ኣሎ። እዚ ከኣ ትግባረ “ቀ/ቐ” ንምቅላሕ እዩ። ኣብ ኣርእስቲ ዝተወከሱ መጽሓፍቲ ሰፊሩ ዘሎ ኣጸሓሕፋ ግን ደረስቲ ከም ዝጸሓፍዎ እዩ።

ውከሳ-ጽሑፍ

ተክአ ተስፋይ። (1999)። ዘመናዊ መዝገበ ቓላት ትግርኛ። ኣስመራ፤ ኣሓተምቲ ሕድሪ።

ኪዳነማርያም ዘርእዝጊ (ዶክተር)። (2008)። ዘመናዊ መዝገበ ቓላት ብሓዲስ ብልሓት፤ ሱርበተኽ ብዝኾነ ኣገባብ ብደራሲኡ ተማሂዙ ዝተዳለወ መዝገበ ቓላት ትግርኛ ብትግርኛ። ኣስመራ፤ ቤት ማሕተም ፍራንቸስካና።

ኣብ ዝቕጽል ቅድሚ ሓፈሻዊ ብዛዕባ ሰውስው ትግርኛ ምዝታይ ብዛዕባ ኣደማምጻ ኪለዓል እዩ።

ኣርኣያ ካሳ
20 ለካቲት 2014

Advertisements

2 thoughts on “ቃላትን እታው መዝገበ ቃላትን

  1. ሰላም ክቡር ሓው፡ እዛ ገጽ ሕጂ እየ በጺሔያ፡ ሪኤያ፡ ብእዋኑ እንትዝሪኣ ብዙህ ምተምሃርኩ።
    ናብ ሪኢቶይ ክምለስ ፡ እቲ ሰተየ ወይ በልዐ ዝብል ግሲ ናብ ካሊእ ኩነት ዝሰገረ ይመስል፡ ሱር ግሲ ምስታይ ምብላዕ ፡ምስራሕ ፡ ወዘተ ( ምሰረታውያን ግስታት ብ’ ም’ ክጅምሩ ) እለዎም። ብሃላ’የ።

    • ሰላም ኣቶ ሳሙኤል፡ እተን ዘልዓልካየን ክልተ ነጥቢታ ኣብ’ታ እታው ዝዳህሰስክወን ይመስልኒ። ቅድሚ ናብኡ ምድሃብ ግን ኣብ’ዚ ምብህሃል ብምስታፍካ ኣዝየ አመስግነካ፡ ንኽትቅጽሎ’ውን እትስፈ። ቀንዲ ቀላሲ ምምዕባል እሩምን ምዕሩይን ትግርኛ፡ ምብህሃልን ብዘይንሕፈት ኣብ ትሕዝቶ ዘተኰረ ምንቕቓፍ ምስ እንለመድ እዩ። ናብ ርእይቶኻ ክምለስ፤

      ኣብ’ታ ዝጠቐስካያ እታው፡ መባእታ(ሱር)-ግሲ ንጹር ዘይምዃኑ ብኸምዚ ኣስፊረዮ፡ “…ልሙድ ወይ ብሩህ ዘይኰነ ግን መባእታ-ቃል ንጹር ዘይምዃኑ እዩ”፣ ቀጺለ፡ “መባእታ-ቃል እታው መዝገበ-ቓላት ረባሕታ ዘይብሉ እንተዀነ ተመራጺ እዩ” ዚብል ጽሒፈ። እዚ ከእ ንእቲ ንስኻ ዘቕረብካዮ ርእይቶ፡ “’መሰረታውያን’ ‘ግስታት’ ብ “ም” ክጅምሩ ኣለዎም” ዝብል ዚሰማማዕ ይመስል፡ ብኸምዚ ዚስዕብ ከኣ ጽሒፈዮ፡ “ሓደ ግሲ ጾታ/ግዜ/ቍጽሪ ዘይፈሊ ዚኸውን ስማዊ ቅድመ-ጥብቆ፡ “ም”፡ ምስ ዚልቀቦ እዩ (ምብላዕ፡ ምስታይ፡ ምኻድ፡ …)”። እንተ-ዀነ “ም” ለቂብካ ሱር-ግሲ ምምስራሕ ክልተ ጸገማት የስዕብ፤ 1 (ኣብ’ቲ እታው ዝተጠቕሰ) ንዝበዝሑ ግሲታት ዝበሃሉ ብ “ም” ከም ዝጅምሩ ስለ ዝገብሮም ኣብ ምንዳይ እታው ቃል (መዝገበ-ቓላት) ቀሊል ኣይኸውንን። 2. ብስማዊ ቅድመ-ጥብቆ “ም” ዝጅምሩ ግሲታት “ስም” (ስም መሰል ኣርእስቲ’ውን ይበሃል’ዮም) እምበር “ግሲ” ኣይመስሉን፣ እቲ ዝደለ መባእታ-ቃል ግሲ እዩ።

      እታ ካልአይቲ ነጥብኻ፡ “ሰተየ ወይ በልዐ ዝብል ግሲ ናብ ካሊእ ኩነት ዝሰገረ ይመስል” ኢልካ፣ ብወገነይ፡ “ሰተየ/በልዐ” ዚብላ ቃላት ን“ተግባር” “ምስታይ”/”ምብላዕ” ዜመልክታ ኢለ ምጠቐስክወን። ግሲ ከኣ ተግባር ዚገልጽ ክፍሊ-ሰዋስው ስለ ዝዀነ፡ “ሰተየ/በልዐ” ዝያዳ ግሲ ይኾና እብል። እዚ፡ ብገለ-ጽሓፍቲ “ሱር-ግሲ” ብገለን ከኣ “ቦዝ-ኣንቀጽ/ኣንቀጽ” ዝበሃል ኣሳይማ ጾታ፡ ቍጽሪ፡ ኣካልን ግዜን ዚፈሊ እዩ – ተባዕታይ፡ ንጽል፡ ሳልሳይ-ኣካልን ቅዱም/ህልው-ግዜን። ብተመዓራራዪ “ሰተየት/በልዐት” እውን ሱር-ግሲ ኪበሃሉ ከም ዘለዎም’ውን ጠቒሰ።

      መደምደምታ፡ ብወገነይ፡ ክሳብ ኣብ ሓደ ሓባራዊ ርድኢት ዚብጻሕ፡ ተባዕታይ፡ ንጽል፡ ሳልሳይ-ኣካልን ህልው-ግዜን ግሲ ከም ‘ሱር-ግሲ’ ክጥቀም መሪጸ ኣለኹ። –ኣርኣያ ካሳ

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

w

Connecting to %s