ትርጕም ቃላት፡ ግእዝ …

ኣብ ዝሓለፈ እታው፡ 12 ጥሪ 2014፡ መበቈል ትግርኛን ጸገማቱን ከምኡ’ውን ስለምንታይ እዚ “ብሎግ” ከም ዝተጀምረ ተጠቒሱ። ከምኡ’ውን ትርጕም (ምስጢር) ገለ ቃላት፡ ንሓባራዊ ርድኢት፡ ከም ዚቐረብ ተጠቒሱ። ጽሓፍቲ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ዘስፍርዎም ቃላት ብነበብቲ ርዱኣት እንተ ዘይኰይኖም እቲ ዝድለ መልእኽቲ ኣይመሓላለፍን። ንሎሚ፡ ከም መበገሲ፡ ትርጕም ግእዝን ግእዝ ከም ቅድመ-ጥብቆ (ቅ.ጥ.)ን ግእዝ ከም ድሕረ-ጥብቆ (ድ.ጥ.)ን ከምኡ’ውን ካብ ግእዝ ዝነቐሉ ቃላትን ካልኦትን ኪድህሰስ እዮም። እንሆ ድማ፤

ግእዝ፤ ግእዝ (ብግእዝ ግዕዝ) ስም ቋንቋ ኰይኑ ኣብ’ዚ እዋንዚ ኣብ ኣገልግሎት ቤተ-ክህነት ጥራይ ተሓጺሩ ይርከብ።

ፊደል-ግእዝ፤ ፊደል-ግእዝ (ፊደላት ግእዝ)፡ ኣብ’ዚ ግእዝ ድ.ጥ. ኰይኑ ግእዝ ንምጽሓፍ ንዜገልግል ፊደል መጸውዒ ስም እዩ። ካብ ግእዝ ፈልፊለን ዝበሃላ ቋንቋታት ንፊደላት-ግእዝ ከምኡ’ውን ንቋንቋአን ዝሰማማዕ ወሲኸን/ኣጕዲለን ንገሊኡ ቀያይረን (ኣብ ፊደላት-ግእዝ ዚብል ኣርእስቲ ዚድህሰስ) ይጥቀማሉ እየን። ኣብ’ዚ ፊደል-ግእዝ ከም ሓባራዊ መጸውዒ ስም ተወሲዱ ነቶም መሰረታዊ ፊደላት-ግእዝ ዘይኰኑ እውን ይጥቕልል። ብሓፈሽኡ ፊደል/ፊደላት ኪበሃሉ እንከሎ ንእዚ ናይ ሓባር መጸውዒ ተባሂሉ ዘሎ ፊደል-/ፊደላት-ግእዝ የመልክት።

ግእዝ-ፊደል፤ ግእዝ-ፊደል፡ ኣብ’ዚ ግእዝ ቅ.ጥ. ኰይኑ ንእቲ ቀድማይ ሆህየ (ካብ’ቶም ሸውዓተ ሆህያት) ናይ ሓደ ፊደል ዜመልክት እዩ። ማዕርጋዊ ተርታ ሆህያት ብግእዝ ምቝጻር ልሙድ እዩ። እቶም ሸውዓተ ሆህያት – ግእዝ፡ ካእብ፡ ሳልስ፡ ራብዕ፡ ሓምስ፡ ሳድስን ሳብዕን ተባሂሎም ይቝጸሩን ይስየሙን እዮም። ንኣ. – ሀ-ግእዝ (ሀ-ቀዳማይ)።

ኣቈጻጽራ ግእዝ፤ ኣቈጻጽራ ግእዝ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ብቤተ-ክርስትያን ተዋህዶ ንበዓላትን ኣጽዋማትን ከምኡውን ኣብ ኢትዮጵያ ንዓለማዊ ዝዝወተር ኣቆጻጽራ ዕለትን ዓወደ-ኣዋርሕን እዩ። ንእዚ ኣቈጻጽራ ኣብ ክንዲ ብስም ቋንቋ ምስያም ብስም እቶም ናይ መጀመርታ ኣምጻእቱ ዝበሃሉ ኣግኣዝያን/ኣግኣዚ (ኣቈጻጽራ-ኣግኣዝያን/ኣቀጻጽራ-ኣግኣዚ) ወይ ከኣ ብስም እቶም ዝመሃዝዎ ሊቀ ጳጳሳት ድሜጥሮስ (ኣቈጻጽራ-ድሜጥሮስ) እንተ ዝስየም ዝብል ርእይቶ ኣሎ (ግርማጽዮን መብራህቱ፡ 1985ግ)።

ግእዛዊ-ቍጽሪታት (ኣሃዛት-ግእዝ)፤ ግእዛዊ-ቍጽሪታት ዓቐን ዜመልክቱ ምልክታት ቍጽሪ እዮም። ከም ህንደ-ዓረባዊ ቍጽሪታት ኬገልግሉ እኳ እንተ ዘይካኣሉ ከም ሮማዊ-ቍጽሪታት ግን ኬገልግሉ ይኽእሉ እዮም። ቍጽሪታት-ግእዝ ምስ መዛምድቶም ህንደ-ዓረባዊ ቍጽሪታት ብከፊል፤ ፩ – 1፡ ፪ – 2፡ ፫ – 3፡ ፬ – 4፡ ፭ – 5፡ ፮ – 6፡ ፯ – 7፡ ፰ – 8፡ ፱ – 9፡ ፲ – 10።

ሆህየ፤ ሆህየ ሓደ ካብ’ቶም ሸውዓተ ሆህያት ናይ ሓደ ፊደል እዩ።

ሆህት፤ ሆህት (ብግእዝ ኆህት) ኣብ መንጎ ክልተ ተኸታቲሎም ዚጸሓፉ ቃላት ዝርከብ ክፉት ቦታ (ኣብ ስርዓተ-ነጥቢ ዚብል ኣርእስቲ ዚድህሰስ) ዜመልክት እዩ።

ትግባረ-ትሕዝቶ፤ ትግባረ-ትሕዝቶ፡ ንቃል-ብቓል፡ ብኣጸሓሕፋ ኮነ ብኣደማምጻ ሕደ ዚዀኑ ኣብ ምሉእ-ሓሳብ ኪኣትዉ እንከለው ግን ትርጕሞም ዘንጽር የመልክት። ትግባረ ቃል ካብ ኣብ መዝገበ-ቃላት ዝሰፈረ ትርጕሙ ኪፍለ ይኽእል።

ኣብ ዝቕጽል እታው፡ ብዛዕባ ፊደላት-ግእዝ ኪደህሰስ እዩ።

ውከሳ-ጽሑፍ

ግርማጽዮን መብራህቱ (መሪ)። (1985ግ)። ትንሣኤ ቋንቋ ትግርኛ፡ ቋንቋ ትግርኛ መሠረታዊ መበቈሉን ወግዓዊ ባህሉን ዓቂቡ ይማዕብል። ኣስመራ፡ ቤት ማኅተም ኮከብ ጽባሕ ማ-ሐ-።

ኣርኣያ ካሳ

19 ጥሪ 2014

Advertisements

4 thoughts on “ትርጕም ቃላት፡ ግእዝ …

  1. It is not called Geez Calendar it is called Ethiopian Calendar. You Eritreans only call it Geez Calendar because you don’t want to mention the name Ethiopia in any of your speech or writting as if it is some taboo or swear word. It is nonesense to name a calendar after language. There is no any Calendar named after a language unless after the people who use it or the person who created it. For example European Calendar, Gregorian Calendar, Mayan Calendar etc. By the way I don’t understand why you Eritreans try too hard not to say the word Ethiopia.

    • ሰላም ቀለም ነጋሲ፡
      ብመጀመርያ መጸውዒ ስም “ቀለም” ኣብ ክልቲኡ ጾታታት ስለ ዝዝውተርን እቲ መልእኽቲ ብጓል-ኣንስተይቲ ይኹን ወይ ብወዲ-ተባዕታይ ዝተላእከ ምዃኑ ብዘይምፍላጠይ፡ ኣብ ጽሑፈይ፡ ኣንስታይን ተባዕታይን ጾታ ክጥቀም ክግደድ እየ። ከምኡ’ውን ጸሓፊ/ት ንስማ/ስሙ ብግእዝ-ፊደል ብኸማይ ከም ዝጽሕፍ/ትጽሕፍ ኣይፈልጥን። ንእቲ ብሮማዊ-ፊደል “kellem negasi” ተባሂሉ ዝተጻሕፈ ብግእዝ-ፊደል “ቀለም ነጋሲ” ኢለ ክጽሕፎ መሪጸ ኣለኹ። ውሁብ-ስም ከም እቲ ሰብ ዝጽሕፎ ኪጸሓፍ ዘለዎ እምበር ቅኑዕ/ግጉይ ዚበሃል ከምዘይኰነ ግን እኣምን።

      ቀለም፡ ጽሑፈይ ዘይተርድኦ/ኣ፡ ብምሉኡ ዘየንበበ/ትን ክእርም/ክትእርም ቅሩብ/ቅርብቲ ዘይኰነ/ትን እዩ/ያ። ብሃውኽ፡ ኣብ ምጥቃዕ ብምጕያይ ዘይሃናጺ ግን ግጕይ ትዕዝብታት ኣስፊሩ/ራ። ውጽኢቱ ከኣ ፍረ-ኣልቦ ግዜ ምብኻን እኳ እንተ ዀነ ሓንሳብን ንመወዳእታን ንዝቐረበ ወቐሳ ከአንግድ እየ። ንብድሕሪ ሕጂ ግን ከም’ቲ ኣብ መደምድምታ ዝጠቕሶ ኪኸውን እዩ።

      እስከ እተን ብቀለም ዝቐረባ (ኣርባዕተ) ነጥብታት ብብሓደ ይረኣያ፡ ምስ’ቲ መበግሲ ቀለም ዝዀነት ሕጡበ-ጽሑፈይ ከኣ ይነጻጸራ (ትሒቱ ምንጪ ቅሬታ ቀለም ዝዀነት ጽሑፈይ ኪትቐርብ እያ።)፤

      1. ዓውደ ኣዋርሕ ኢትዮጵያ እምበር ዓውደ ኣዋርሕ ግእዝ ኣይበሃልን ትብል/ይብል ቀለም፣ እንተዀነ ምኽንያትን ምንጪ መአረምታ ኣይተዋህበን። ክንመሃሃር እንተዀይና መርትዖታት ምቕራብ ሃናጺ እዩ። ብወገነይ፡ ንኣሳይማ ዝምልከት፡ ዳህሲሰ ዝረኸብክዎ ኣቕሪበ ኣለኹ።

      2. ንስኻትኩም ኤርትራውያን ጥራይ ኢኹም ዓውደ ኣዋርሕ ግእዝ እትብልዎ ይብል/ትብል ቀለም። ኣብ’ዚ ጽሓፊ እቲ ዝምረር ዘሎ ጽሑፍ ኣነ ስለ ዝዀንኩ ዝንቀፍ ኣነ እምበር ብኣይ ኣሳቢብካ ናብ ካልእ ምንጣር ንሕሰም እምበር ንምእራም/ንምምሃር ዘይምዃኑ ይእምት። ከምኡ’ውን “ኢትዮጵያ” ዝብል ቃል ውጉዝ ወይ ጽያፍ ትወስድዎ ትብል/ይብል ቀለም። እዚ ከኣ እዩ እቲ ሓደ ጭብጢ “ቀለም ጽሑፈይ ዘይተርድኦ/ኣ፡ ዘይንበበ/ት” መበልየይ። ኣብ’ቲ ዝምረር ዘሎ ጽሑፍ ኣቈጻጽራ ግእዝ ኣበይን ኣበይን ከም ዝጠቀም ጠቒሰ። እዚ ኽኣ ኣብ እምነት፡ ኣብ ተዋህዶ፣ ኣብ ዓለም ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ (2ይ መስመር) ምዃኑ ጽሒፈ።

      3. ዓውደ ኣዋርሕ ብስም ቋንቋ ምስያም ሃጠውቀጠው እዩ። ብተጠቀምቱን ብመሃዝቱን እምበር ብቋንቋ ዝተሰየመ ዓውደ ኣዋርሕ የለን ይብል/ትብል ቀለምከም ኣብነት ዓወደ ኣዋርሕ ኤውሮጳዊ፡ ጎርጎሮዮስያዊ፡ ማያዊ ወዘተ. ይጠቅስ/ትጠቅስ። ኣብ’ዚ እውን መሃሪ ኪኸውን እዚ ሓበሬታ ኣበይ ከም ዝርከብን ስለምንታይ ብስም ቋንቋ ኪስመ ግቡእ ዘይምዃኑን ምንጪ እንተ ዝቐርብ። ብተወሳኺ ኣብ ኣሰያይማ ኣቍጻጽራ ግእዝ ዘሎ ፍሉይ ኣረኣእያ ምስ እናይ ምንጩ ከም ዘቕረብኩ፡ ቀለም፡ ንጽሑፈይ እንደገና ኪትውከስ/ኪውከስ እዕድም። ንኽጥዕም እታ ቍንጻል ጽሕፍቲ ኣብ ታሕቲ ሰፊራ ኣላ።

      4. ንምዃኑ ንስኻትኩም ኤርትራውያን ኢትዮጵያ እትብል ቃል ንኸይተምልቑ ስለ ምንታይ ምሒር ከም እትጽዕሩ ኣይርድኣንን ይብል/ትብል ቀለም። ኣብ’ዚ፡ ካብ ዘይሎ፡ ንጽሑፈይ ከም መበገሲ ተወሲዱ ካልእ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ እንተ ዘይኰይኑ ኣነ ካብ ዝጸሓፍክዎ እዚ ዝቐረበ ብጭቕታ ኪቐርብ ምኽንያታዊ ኣይኰነን። ምኽንያታዊ ዘይምዃኑ ኣብ ላዕሊ ኣብ ቁ.2 ጠቒሰ፡ ብተወሳኺ፡ ብ12 ጥሪ 2014 ኣብ “መእተዊ” ብዛዕባ ትግርኛ፡ “ኣብ ከበሳ ኤርትራን ሰሜን ኢትዮጵያን ብዝተፈላለይ ላህጃታት ይዝረብ” ዝብል ጽሒፈ።

      እስከ ሰበብ እዚ ኹሉ መረረ ዝዀነት ሕጡበ-ጽሑፈይ (ብ 21 ጥሪ 2014 ዝወጸት) ምስ ወቐሳ ቀለም ኪትነጽጻር ትዳህሰስ፡ እንሀት ድማ፤

      “ኣቈጻጽራ ግእዝ፤ ኣቈጻጽራ ግእዝ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ብቤተ-ክርስትያን ተዋህዶ ንበዓላትን ኣጽዋማትን ከምኡውን ኣብ ኢትዮጵያ [ምድማቕ ድሓር ዝተወሰኸ]ንዓለማዊ ዝዝወተር ኣቆጻጽራ ዕለትን ዓወደ-ኣዋርሕን እዩ። ንእዚ ኣቈጻጽራ ኣብ ክንዲ ብስም ቋንቋ ምስያም ብስም እቶም ናይ መጀመርታ ኣምጻእቱ ዝበሃሉ ኣግኣዝያን/ኣግኣዚ (ኣቈጻጽራ-ኣግኣዝያን/ኣቀጻጽራ-ኣግኣዚ) ወይ ከኣ ብስም እቶም ዝመሃዝዎ ሊቀ ጳጳሳት ድሜጥሮስ (ኣቈጻጽራ-ድሜጥሮስ) እንተ ዝስየም ዝብል ርእይቶ ኣሎ (ግርማጽዮን መብራህቱ፡ 1985ግ)።”

      መደምድምታ
      እዚ ብሎግ፡ ከም’ቲ ኣብ “መእተዊ” ዝተጠቕሰ፡ “እሩም ኣጸሓሕፋ ሰዋስው ትግርኛ” ንምድህሳስ እዩ። ካብ ምዕባለ ቋንቋ ትግርኛ ወጻኢ ብስዉር ኰነ ብጋህዲ ኪወቕዖ ዚደልዮ ዕላማ የብሉን። ንኸም’ዚ ብቀለም ዝቐረበ፡ “በትሪ ሃሰስ፡ ነገር ድልልይ” ዝዓይነቱ ርእይቶ ዳግም ኣይከአንግድን እዩ።

      ኣብ ትግርኛ፡ ኣብ’ዚ ብሎግ፡ ኣቓልቦይ ኣብ “ምዕሩይን እሩምን ጽሕፈት” ምዝታይ እዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ዝዀነ ዓውዲ፡ ትግርኛ ከም መራኸቢ ኣብ እትጥቀመሉ፡ ንንጻረ መልእኽቲ “ምዕሩይን እሩም ጽሕፈት ትግርኛ” ቅድመ ኵነት እዩ ዚብል እምነት ስለ ዘለኒ። ኣብ’ዚ መዳይ ኪሳተፉ ንዝደልዩ፡ “መርሓባ”። ብቋንቋ ኣሳቢብካ ናብ ካልእ ከላግሱ ንዝደልዩ ከኣ “ኢንተርነት” ርሒብ እዩ ንርእይቶኹም ዜሳሲ ኣይትስእኑን እሞ “ይፍትሓላ” እብል።

      ኣርኣያ ካሳ።

    • ሰላም ሳምሶን፡
      “ግእዝ/ግዕዝ” ከም ስም ናይ ቋንቋ፡ ፊደል፡ ንባብን ዜማን፣ ከም ቅጽል – መዓርጋዊ ኣቈጻጽራ የገልግል። ብብዙሓት መዳያቱ ዘቕርቦ ዳህሳስ ኣሎ። ንግዚኡ ግን እዚ ዝስዕብ መዝገበ-ቓላዊ ትርጉሙ እንሆ፤
      ግእዝ – ባእሲ፡ ምቍያቕ፡ ምቝጣዕ፡ ምንቃፍ
      ግዕዝ (1) – ጕዕዞ፡ መገሻ፡ ኰለል-ምባል
      ግዕዝ (2) – ነጻ/ሓራ ምዃን፡
      –ኣርኣያ ካሳ

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s