ትምህርቲ ትግርኛ፡ ብዝተወደበ መልክዕ

ኣብ ዝሓለፈ (14 ታሕሳስ 2013) ኣብ ገዛን ብወለዲን ዝሰላሰል ትምህርቲ ትግርኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ተዳህሲሱ። ሕጂ ከኣ፡ ብሞያውያን ይዅን ብዘይ ሞያውያን፡ ብማሕበረኮም ኮነ ብ’ወለንተኛታት’፡ ተወዲቡ ንዝሰላሰል ትህምህርቲ ኪድህሰስ እዩ።

ኣብ’ዚ፡ ኣምሃህራን ኣቀራርባን ዳርጋ ምስ እቲ ኣብ ገዛ ዚካየድ ሕደ እዩ። እቲ ቀንዲ ዚፈልዮ፡ ዝተፈላለዩ ሰባትን ዓቕሞምን ስለ ዜሳትፍ፡ ኣብ ምእኩል ቦታ ስለ ዝካየድን ብዝሒ ተምሃሮ ስለ ዚሓቍፍን እዩ። ሓለፋታት እዚ ብዉዱብ ምስራሕ ኪጥቀሱ ዚከኣሉ፡ ሕድሕድ ተመኩሮ መምህራን ምልውዋጥ፡ መሳለጥያታት ምክፋልን ካልእ ካብ ብዝሒ ተሳትፎ ዚርከብ ረብሓታት እዮም።

ኣቀራርባ፤
–        ቦታ ትምህርቲ፡ መዓልቲን ግዜን ብእቲ ወዳቢ ኣካል ይውሰን።
–        ትምህርቲ ብዝተመደበሉ ግዜ ይጀመር። ንትምህርቲ ተባሂሉ ዝተሓዝአ ግዜ ብወግዒ ክሳዕ ዚዕጾ ዚዀልፍ ስራሕ ዘይምስራሕ።
–        እዋናዊን ትምህርታዊን ስእላዊ-ሰሌዳ (ፖስተር) ኣብ ቦታ ትምህርቲ ይለጠፍ።
–        ምምሃር፡ ሕሉፍ ዝተዓመመ ትምህርቲ ብምኽላስ ጀሚርካ ናብ ንዕለቱ ዝተመደበ ይሰገር።
–        ተምሃሮ ንገዛ ሒዞሞ ዚኸዱ ስርሓት ወይ ዕዮ ይወሃብ።
–        ተምሃሮ ካብ ገዛ ሒዞም ዚመጹ ዝተሰርሐ ዕዩ ወይ ተመክሮ ይተሓተት።
–        መምህራንን ኣለይቲ ትምህርቲን፡ ተመክሮ ዝለዋወጥሉ ምዱብ ኣኼባ ይካየድ።
–        ሽማግለ ወለዲ ወይ ወከልቶም ኣካል እቲ ምምሕዳር ትምህርቲ ኪኾኑ ይጠለብ።

መተሓሳሰቢ፤ መምህራን ምስ ወክፍ ወላዲ ብዛዕባ ምዕባለ ተምሃራይ ምዝታይ ኣድላዪ እዩ።

ኣብ ዝቕጽል ጽሑፍ፡ ቅድሚ ብውድብ መልክዕ ትምህርቲ ምክያድ፡ ኪማልኡ ዘልዎም ቅድመ-ኵነታት ኪድህሰሱ እዮም። ርግጽ! ቅድሚ ኣመሃህራ ኪቐርብ ነይርዎ።

— ኣርኣያ ካሳ

Advertisements

2 thoughts on “ትምህርቲ ትግርኛ፡ ብዝተወደበ መልክዕ

  1. ክቡር ሓው ኣርኣያ ካሳ፡ ብፈላማ ሰላምታይ ንዓካ እኩን። ኣብ’ዚ ዝጽሕፈልካ ዘለኩ ትግርኛ ብዙሕ ጉድለት ክህልዎ ስለዝክእል ኣብ’ቲ ሓሳብ’ቲ ኣይማጎትን።
    በጃካ እስከ እቲ ብ ዶክቶር ስብሃቱ ገብረሚካኤል ኩፍሉ ተጻሒፉ ዘሎ መጽሓፍ ረኣዮ እሞ ዘለካ ርእይቶ ሰው ኣብለልና።
    ገለ ገለ ሰባት ግዕዝ ብላዕለዎት ምሁራት ደርቢ ካብ ጽርኢ፤ ኣረማይስጢ፤ ዕብራይስጢ፤ ዓረብኛን ትግርኛን እተማህዘ እዩ ዝብሉ ኣለዉ።
    እዚ ኣብ ትግርኛ ዝወረደን ዝወርድ ዘሎን ማህሰይቲ መዳርግቲ የብሉን ከኣ ይብሉ። ኣብ’ቲ ኣነን ንስካን ሕጂ ንጸሓሓፎ ዘለና’ውን ከይተረፈ እንዳቑሰልናዮ ኢና።
    እስከ ነቲ ኣብ ላዕሊ ጽሒፍካዮ ዘለካ ብመሰረት ዶክቶር ስብሃቱ ጽሒፍዎ ዘሎ ኣገብባት ትግርኛ ኣብ ዝብል መጽሓፊ እንክእረም ንርኣ። እዚ መረድኢ ክኮነና እክእል እዩ።
    “ኣብ ዝሓለፈ (14 ታሕሳስ 2013) ኣብ ገዛን ብወለዲ/ድ ን ዝሰላሰል ትምህርቲ ትግርኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ተዳህሲሱ። ሕጂ ከኣ፡ ብሞያውያን ይዅን ብዘይ ሞያውያን፡ ብማሕበረኮም ኰነ ብወለንተኛታት፡ ተወዲቡ ንዝሰላሰል ትምህርቲ ኪ/ክድህሰስ እዩ።

    ኣብ’ዚ፡ ኣመሃህራን ኣቀራርባን ዳርጋ ምስ እቲ ናይ ገዛ ሕደ እዩ። እቲ ቀንዲ ዝፈልዮ ናይ ዝተፈላለዩ ሰባትን ዓቕምን ስለ ዜ/ዘሳትፍ፡ ኣብ ምእኩል ቦታ ስለ ዝካየድን ብዝሒ ተምሃሮ ስለ ዝሓቍፍን እዩ። ሓለፋታት ናይ’ዚ ብዉዱብ ምስራሕ ኪ/ክጥቀሱ ዚ/ዝከኣሉ፡ ሕድሕድ ተመኩሮ መምህራን ምልውዋጥ፡ መሳለጥያታት ምክፋልን ካልእ ካብ ብዝሒ ተሳትፎ ዚ/ዝርከብ ረብሓታት እዮም።

    ኣቀራርባ፤
    – ናይ ትምህርቲ ቦታ፡ መዓልቲ/ትን ግዜን ብእቲ ወዳቢ ኣካል ይውሰን።
    – ትምህርቲ ብዝተመደበሉ ግዜ ይጀመር። ንትምህርቲ ተባሂሉ ዝተሓዝአ ግዜ ብወግዒ ክሳብ ዚ/ዝዕጾ ዝዀልፍ ስራሕ ዘይምስራሕ።
    – እዋናዊ/ውን ትምህርታዊ/ውን ስእላዊ-ሰሌዳ (ፖስተር) ኣብ ቦታ ትምህርቲ ይለጠፍ።
    – ምምሃር፡ ሕሉፍ ዝተዓመመ ትምህርቲ ብምኽላስ ጀሚርካ ናብ ንዕለቱ ዝተመደበ ይሰገር።
    – ተምሃሮ ንገዛ ሒዞሞ ዝኸዱ ስርሓት ወይ ዕዮ ይወሃብ።
    – ተምሃሮ ካብ ገዛ ሒዞም ዝመጹ ዝተሰርሐ ዕዩ ወይ ተመክሮ ይተሓተት።
    – መምህራንን ኣለይቲ ትምህርቲ/ትን፡ ተምክሮ ዝለዋወጥሉ ምዱብ ኣኼባ ይካየድ።
    – ሽማግለ ወለዲ ወይ ወከልቶም ኣካል ናይ’ቲ ምምሕዳር ትምህርቲ ኪ/ክዀኑ ይጠለብ።

    መተሓሳሰቢ፤ መምህራን ምስ ወክፍ ወላዲ ብዛዕባ ምዕባለ ተምሃራይ ምዝታይ ኣድላዪ እዩ።

    ኣብ ዝቕጽል ጽሑፍ፡ ቅድሚ ብውድብ መልክዕ ትምህርቲ ምክያድ፡ ኪ/ክማልኡ ዘልዎም ቅድመ-ኵነታት ኪ/ክድህሰሱ እዮም። ርግጽ! ቅድሚ ኣመሃህራ ኪ/ክቐርብ ነይርዎ።

    — ኣርኣያ ካሳ”

    ኪድህሰስ ክንዲ ምባል ክድህሰስ
    ኪዀኑ ክንዲ ምባል ክዀኑ
    ወዘተ…

    • ክቡር “ደግለል ‘ጐዱፍ’”፡ ተገዲስካ ርእይቶ ብምክፋልካ ኣዝየ አመስግነካ። እቲ “እሂን-ምሂን” ከም’ዚ ዝገብርካዮ ብዘይምቑርራጽ እንተ ዝካየድ ነይሩ፡ ውጽኢታቱ እንተ ዝስነዱን ብቐሊል ኪርከቡ (ክይርከቡ) እንተ ዝኽእሉ ነይሮም፡ ካብ ወለዶ-ናብ-ወልዶ ዚሰጋገሩ (ዝይሰጋገሩ) ተደጋገምቲ ሕደ-ዓይነት ሕትቶታ ካብ ምእንጋድ ምደሓንና ኔርና። ከምኡ’ውን እቶም ብተደጋጋሚ ዚለዓሉ ሕትቶታት፡ ብዘይ ብዘይመራጐዲ ብ “ይመስለኒ”፡ “ቅኑዕ/ግጉይ”፡ “እከለ ከም ዝበሎ” ተባሂሎም ስለ ዚምለሱ፡ እናሻዕ ኪደጋገሙ (ክይደጋገሙ) ይርከቡ። ኣብ’ቲ ኣነ ዘካይዶ ጽሕፈት፡ ብዝተኽእለኒ መጠን ዚረኽቦም (ዝይረኽቦም) ጽሑፋት ክወከስን (ክእውከስን) ንዘቕርቦም ዳህሰስ መራጐዲ ኬቕርበሎም (ክየቕርበሎም) እህቅን። ሓንሳእ ተጻሒፎም ንኸይጠፍኡ’ውን ብቐሊል ከም ዚርከቡ እገብር። እዛ ዝጠቐስካያ ጽሑፈይ (ብ2013 ዝለጠፍክዋ)፡ ሓንቲ ኣብነት ምስናድ እያ።
      ካብ’ዚ ቀጺለ ንዘቕረብካየን ሕትቶታን ርእይቶታትን ብምጥቃስ መልሰይ አቕርብ። ኣብ ሓደ ነጥቢ እንተብጻሕና ግርም፣ እንተ ዘይብጻሕና፡ ቅኑዕ ብእንብሎ፡ ብመጐት እናኣሰነይና፡ ጽሑፍና ብዘይምቍራጽ ብምቕራብ ሰዓብቲ ነጥሪ። ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ጋግ ምጽባቡ ኣይተርፎን። ብሕዝ-ግድፍ እንተኸድና ግን ካብ’ዚ ሕጂ ዘለዎ ኵነት ፍሕት ኣይክብልን እዩ። ብዝያዳ እኳ፡ ብሰንኪ ምትሕንፋጽ ባዕዳዊ ቋንቋ፡ ኬንቆልቍል እዩ። ኣብ ማሕበራዊ-መራኸቢታት ዚዕንብብ ዘሎ ጕራማይለ-ጽሕፈት ከም ኣብነት እጠቅስ።
      እተን ዘልዓልካየን ነጥቢታትን መልሰይን እነሀዋ፤
      ደግለል፤“ኣብ’ዚ ዝጽሕፈልካ ‘ዘለኩ’ ትግርኛ ብዙሕ ጉድለት ክህልዎ ‘ስለዝክእል’ ኣብ’ቲ ሓሳብ’ቲ ‘ኣይማጎትን’።”
      ኣርኣያ፤ “ኣብ ዓይንኻ ዘሎ (ዝኣሎ) በሰር፡ ሓውኻ፣ ኣብ ዓይኒ ሓውኻ ዘሎ፡ ንስኻ” ብዚብል ኣምር እናተኣለለና፡ ብዘይስኽፍታ፡ እንተ ጽሒፍና ምዕባለ ትግርኛ ብሩህ ኪኸውን እዩ።
      ደግለል፤ “’በጃካ’ እስከ እቲ ብ ዶክቶር ስብሃቱ ገብረሚካኤል ኩፍሉ ተጻሒፉ ዘሎ መጽሓፍ ረኣዮ እሞ ዘለካ ርእይቶ ሰው ኣብለልና።”
      ኣርኣያ፤ እዛ ዝጠቐስካያ መጽሓፍ ኣይርኣኽዋን፡ ዝከኣልካ ኣንተኾይኑ፡ ኣብ’ተን ክድህሰሳ እትደልየን ዜትኩራ ክፋላት፡ ቀዲሕካ ብ”ፒደፍ” ወይ ብስእሊ ልኣኸለይ (arayakt1@gmail.com)። ንምርምርን ንመጽናዕቲን ዝኸውን ምጡን ምቕዳሕ፡ ሕልና ዘየውቅስ፡ መሰል-ደራሲ ዘይግህስ፡ ኣብ ኣካዳሚያዊ ስራሕ ፍቑድ እዩ።
      ደግለል፤ “ገለ ገለ ሰባት ግዕዝ ብላዕለዎት ምሁራት ደርቢ ካብ ጽርኢ፤ ኣረማይስጢ፤ ዕብራይስጢ፤ ዓረብኛን ትግርኛን እተማህዘ እዩ ዝብሉ ኣለዉ።”
      ኣርኣያ፤ እዞም “ዚብሉ” ሰባት ጭብጢታቶም እንከይርኣኹ ዚህቦ ርእይቶ የብለይን። ብወገነይ፡ ብዘይ ጭብጢ ንዝቐረበ ጽሑፍ፡ ቅድሚ ሕጂ፡ “ካብ ብወረ፡ ብእተነጸረ” ብዚብል ኣርእስቲ፡ ተከአ ተስፋይ ኣብ “መባእታ ሰውስውን ስነ-ጽሑፍን ትግርኛ፡ 2014” ንግእዝ ኣመልኪቱ ንዝጠቐሶ፡ መልሲ ጽሒፈ ነይረ። ኣብ መደምደምታ፡ ጽሑፍ ዲልማን (1899) ብምጥቃስ፡ ልሳነ-ግእዝ ንገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ቋንቋ ምዃኑ፡ እቶም ዝረካቦም ቃላት-ልቓሕ ካብ ንቡር ምልቕቓሕ ቋንቋታት ዝሓልፉ ኣይኮኑን ከም ዝበለ ሓቢረ።
      ደግለል፤ “እዚ ኣብ ትግርኛ ዝወረደን ዝወርድ ዘሎን ማህሰይቲ መዳርግቲ የብሉን ከኣ ይብሉ። ኣብ’ቲ ኣነን ንስካን ሕጂ ንጸሓሓፎ ዘለና’ውን ከይተረፈ [እናቑሰልናዮ] ኢና።”
      ኣርኣያ፤ ኣየናዩ እቲ ማህሰይቲ ዚብሃል ዘሎ፧ እቲ ብወገነይ ዘቝሰልክዎኸ ኣበይናይ ጐድኑ እዩ፧ እቶም “ኣብ ትግርኛ ዝወረደን ዝወርድ ዘሎን ማህሰይቲ መዳርግቲ የብሉን” ዚብሉኸ ካበይ ተበጊሶም እዮም፧ ምስ መን ምስ ኣወዳደርዎ እዮም፧ ክሳዕ ክንድ’ዚ መረረ ዜስምዑ ዘለዉ “ብሃልቲ”፡ እቲ ምርምሮምን ዝሰነድዎን ጽሑፍ የቕርቡ ኣሞ “እውሓስ/አግብእ” እናተባሃልና፡ ንእቲ ቝስሊ ሓቢርና ፈውሲ ሃሰው ክንብለሉ። እተን ክሳዕ እዚ እዋን ዝነበብክውን ሰዋስው-ጠቀስ ጽሑፋት፡ ደረስተን (ደረስቲአን) ጽሑፋት ካልኦት ከይተወከሱ፡ ወይ ከኣ ብተራ ዕላል “እገለ፡ እገለ ከም ዚበሎ” እናበሉ ይጽሕፉ። ትምህርቲ ትግርኛ ካብ ታሕተዋይ ደረጃ-መባእታ ኣይሓለፈን፣ ትካል ምርምር ትግርኛ የልቦን፣ ንዝሕተሙ መጽሓፍቲ ዚመሚን ደርጃ-ብቕዓት ዚመዝን ትካል የልቦን፣ ኣብ ዕዳጋ ንዝተዘርግሑ ጽሑፋት ገምጋም ምቕራብ ልሙድ ኣይኮነን። እዚኣቶም መሰልቶምን እዮም ንእቲ ቋንቋ፡ ንቕድሚት ከይሰጐመ፡ ኣብ ሓደ ዓንኬል ንኸዅድ ዚገብሩ ዘለዉ።
      ደግለል፤ “እስከ ነቲ ኣብ ላዕሊ ጽሒፍካዮ ዘለካ ብመሰረት ዶክቶር ስብሃቱ ጽሒፍዎ ዘሎ ኣገብባት ትግርኛ ኣብ ዝብል መጽሓፊ እንክእረም ንርኣ። እዚ መረድኢ ክኮነና እክእል እዩ።”
      ኣርኣያ፤ ቅድሚ ብመለክዒ “ስብሃቱ” ምእራም፡ እቲ መአረሚ ቅኑዕ ምዃኑ ክንረዳዳእ ይግባእ። እተን “ዘይእሩማት” ኢልካ ዝኣረምካየን ኣብ ክልተ ነጥቢታት ዝኽፈላ ይመስለኒ፤ ሀ. ብሳስልስ ዚውድእ ስም ድሕረ-ጥብቆ ኪለግቦ እንከሎ ናብ ሳድስ ምቕያር (“ብወለዲ/ድን”፡ “መዓልቲ/ትን”)፣ ለ. ትግባረ “ዝ/ክ” (“ኪ/ክድህሰስ”፡ “ዚ/ዝርከብ”) እየን። እዘን ነጥቢታት ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ተዘቲዩለን እዩ። ኣብ ርእሲአን ዘሎኒ መርገጺ ኣነጺረ እየ። ንእታ ቀዳመይቲ ዚቐረበላ መጐት፡ “ላዛ ትግርኛ ንምዕቃብ” ዚብል ነይሩ። ንእዚ ዝሃብክዎ መልሲ፡ “ላዛ” ባዕላዊ ስለ ዝኾነ መለክዒ እሩም ጽሕፈት ኣይከውንን እዩ። ንዕቃበ-ሳልስ፡ ኣብ እታው 11 ግንቦት 2016 “ረባሕታ ስም” ዳህሲሰ ኣለኹ፣ ኣብ ሓዳስ-ኤርትራ እውን ንኽትሕተም ኣብ መስርዕ ኣላ። እታ ካልአይቲ፡ ንትግባረ “ዝ/ክ” ትምልከት፡ ኣብ ኣታው 29 ምያዝያ 2016 “’ዝ’ እናበሉኻዶ ትድንዝዝ!” ዚብል ሓተታይ ኣቐሪበ፡ ቅኑዕ ዝብልክዎ ረባሕታ መሪጸ ኣለኹ። ኣብ’ዛ ሕጂ ዝጽሕፋ ዘለኹ፡ ዝተውሕጠ ፊደል ንምግሃድ፡ ንሓደ-ሓደ ቃላት ኣብ ሓጹር ኣእትየ ኣመልኪተ ኣለኹ። ብተወሳኺ፡ ብ2010፡ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ፡ ኣብ “ዝ/ክ” ዘተኮረ ሰፊሕ “ክትዕ” ብ መም. ኣማረ ወልደስላሴ፡ ኣቶ ተከአ ተስፋይ፡ ኣቶ ጥዑምዝጊ ተስፋይ፡ ኢንጂነር ተስፋማርያም ቦዅረጽዮን፡ ኣቶ ኣዲ ገብረ፡ …” ተኻይዱ ነይሩ።
      እዛ ብስብሃቱ ተጻሒፋ እትብላ መጽሓፍ ንእዘን ዝጠቐስክወን ኮነ ቅድሚኣ ዝነበራ ጽሑፋት፡ ከም እኒ ጽሑፋት ኣ.ማ.ሓ. (ሰዋስው – ትግርኛ። ፩ይ መጽሓፍ፡ ናይ ቃላት ሰዋስው ክሳብ ስሩዕ ረባሕታ: 1956ግ)፡ ዘርእአ ብ-እዪድአይ (ሓዲሽ ኣራብሓ ሱር-ግስ ትግርኛ ልሳነ ዘብሔረ ኣግኣዚ፡ 1996)፡ ኣማኑኤል ሳህለ (ሰውስው ትግርኛ ብሰፊሑ፡ 1998)፡ ወይ ቅድሚ ዕለተ-ሕትመት እታ መጽሓፍ ዝተሓትማ ሰዋስው-ጠቀስ ጽሑፋት ኣብ ግምት ኣእትያዶ ትኸውን፧ ንስኻኸ ብወገንካ፡ ንመጽሓፍ ስብሃቱ ከም መለክዒ-ቅኑዕ ጽሑፍ ንኽትወስዳ ዘኽኣለካ፡ ዘካየድካዮ ዳህሳስ ኣሎዶ፧
      ናብ ኣብ ካልእ ትዕዝብቲ ዘሎኒ ርእይቶ ክሰግር።
      ኣብ’ዚ ብተወሳኺ ከመስግነካ ዝደልይ፡ ኣብ’ዛ ዝጠቐስካያ ጽሑፈይ፡ እቲ ምእራም ትግባረ “ናይ” ዝረሳዕክዎ ብምዝኽኻርካ እዩ። ኣብ’ዚ ቐረባ ግዜ ዘውጽኣ ዳህሳስ ትግባረ “ናይ” ኣላትኒ። ንግዜኡ ግን፡ ብዘይ መርትዖ፡ እተን ግጉያትን እረማአንን አቕርብ። ከምኡ’ውን “ኣመላዊ”-ራብዕ ዝማእከሎም ግሲታት፡ እቲ ጀማሪ ሳድስ ኪኽውን ኣለዎ ዚብል ዳህሳስ ኣሎኒ፣ ካብ “ዀነ/ኮነ”፡ “ኮነ” ቅኑዕ ምዃኑ ዳህሳስ እውን ኣቕሪበ እየ። ንእዚኣተን’ውን ኣሪመየን ኣለኹ።
      ግጉይ፤ “ኣመሃህራን ኣቀራርባን ዳርጋ ምስ እቲ ናይ ገዛ ሕደ እዩ።”
      እሩም፤ ኣምሃህራን ኣቀራርባን ዳርጋ ምስ እቲ ኣምሃህራ ገዛ ሕደ እዩ።
      ግጉይ፤ “እቲ ቀንዲ ዝፈልዮ ናይ ዝተፈላለዩ ሰባትን ዓቕምን …”
      እሩም፤ እቲ ቀንዲ ዝፈልዮ፡ ዝተፈላለዩ ሰባትን ዓቕሞምን
      ግጉይ፤ “ናይ ትምህርቲ ቦታ፡ መዓልቲን ግዜን ብእቲ ወዳቢ ኣካል ይውሰን።”
      እሩም፤ ቦታ ትምህርቲ፡ መዓልቲን ግዜን ብእቲ ወዳቢ ኣካል ይውሰን።
      ግጉይ፤ “ሽማግለ ወለዲ ወይ ወከልቶም ኣካል ናይ’ቲ ምምሕዳር ትምህርቲ ኪዀኑ ይጠለብ።”
      እሩም፤ ሽማግለ ወለዲ (ብመጐት – ወለድቲ) ወይ ወከልቶም ኣካል እቲ ምምሕዳር ትምህርቲ ኪኾኑ ይጠለብ።
      ንምድምዳም፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት፡ ኣብ ድኽመት ትግርኛ ዘተኮረ፡ ውሻጠ ዝመበገሲኡ መጠምጥምያ ወዲኻ ዚግበር ስብከት፡ ንምዕባለ ትግርኛ ሓንኳሊ ምዃኑ እጽሕፍ እየ። እዚ ንስኻ ብ“ይብልዎ” ዘቕረብካዎ እውን ‘እንርጽሮተይ’ ዝገልጸሉ ሓደ ኣጋጣሚ ብምዃኑ አመስግነካ። ጽሑፋት ኣብ ዝግምግመሉ እዋን፡ ጽሓፊ ብውጹእ ኣገባብ እንተ ጽሒፉ፡ ንእተን ኣካታዕቲ ዝኾነ ቃላት ኣይትንክፈንን እየ። ንኣብነት፤ እዩ/ኢዩ፡ ነበበ/ኣንበበ/ ረባሕታ-ዝ/ክ፡ ኮነ/ኰነ፡ ትግባረ-ቀ/ቐ -ከ/ኸ፡ … እዚ ኣሰራርሓ እንተ ተኸቲልና፡ ካብ ሸንኮለል ዓመታት ወጺእና፡ ትግርኛ ኣብ ዚምዕብለሉ፡ ፍልልይ ኣብ ዚጸብበሉ ኵነታት ከም እንኣቱ ርግጸኛ እየ።
      –ኣርኣያ

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

w

Connecting to %s