ትምህርቲ ትግርኛ፡ ኣብ ቤት ብወላዲ

መኣረምታ፤
ኣብ እታው 7 ታሕሳስ 2013፡ እዞም ተሰሚሩሎም ዘሎ ጌጋታት በቲ ኣብ ጋራዲ-ሓጹር ተመልኪቱ ዘሎ ይተክኡ፤
ቀዳማይ ሕጡበ-ጽሑፍ (ሕ.ጽ.) – 20133[2013]) [፤] … ተጠቒሱ ነይሩ [ተጠቒሶም ነይሮም]
ካልኣይ ሕ.ጽ. ካልኣይ መስመር –  ኰይኒ [ኮይኑ]

ከምኡ’ውን መሳለጥያታት ትምህርቲ ብኸመይ ከም ዝርከብ ተዳህሲሱን ከመይ ጌርካ ትምህር ዝብል ሕቶ ስዒቡ ነይሩ። መልሲ እቲ ዝሰዓበ ሕትቶ፡ ኣብ ገዛን ኣብ ወለዲን ዘተኰረ፡ እንሆ፤

ምምህርና ሜላን ስልቲን ኣመሃህራ ዜማልእ ተማሂርካ ዝርከብ፡ ብቕዓቱን ደረጅኡን ቍጽጽር ዚግበረሉ፡ ተምሃሮ ንኪምሃሩ ዚሕግዝ ሞያ እዩ። ምስክርነት ምምህርና ዜብሎም ወለዲን ወለንተኛታትን ኪምህሩ ኣይክእሉን ማለት ግን ኣይኮነን። ኣብ’ዚ ኣተኵሮ ዚግበረሉ፡ ካብ ሞያ ምምህርና ወጻኢ፡ ብ’ወለንታ’ ወለዲን ማሓበረኮምን ንዝሰላሰል ትምህርቲ ትግርኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ እዩ። እዚ ኸኣ ብኸምቲ ወለዲ ንደቆም ዚናብይዎም፡ እሩም ጠባይ ንኺሕዙ ዚምዕድዎምን ሓበሬታ ዚህብዎምን ኣገባብ ኪካየድ ይኽእል። እቲ ቍሩብ ፍሉይ ዚገብሮ፡ እቲ ትምህርቲ ኣብ ክንዲ ብፍንው፡ ብመደብን ብስሩዕ መንገዲን ምክያዱ እዩ። ኣብዚ፡ ንምምሃር ዚድህሰስ፡ ኣብ ገዛ፡ ብወለዲ ንዝካየድ ምድላው ትምህርቲ እዩ፡ ንሱ ከኣ፤

–        ንትምህርቲ ተባሂሉ፡ ንተምሃራይ ርዱእ ዝኾነ፡ ፍሉይ ቦታ፡ ምዓልቲን ግዜን ይወሰን።

–        ምዓልቲ፡ ኣብ ግዜ-ትምህርቲ – ኣብ ሰሙን ሓደ ወይ ክልተ ግዜ፡ ኣብ ዕረፍቲ-ሓጋይ – ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ግዜ።

–        ግዜ፡ ካብ ሓደ-ሰዓትን ፈረቓን ክሳዕ ሰለስተ ሰዓት።

–        ትምህርቲ ብዝተመደበሉ ግዜ ይጀመር። ንትምህርቲ ተባሂሉ ዝተሓዝአ ግዜ ብወግዒ ክሳዕ ዚዕጾ ዝኾልፍ ስራሕ ዘይምስራሕ።

–        እዋናዊን ትምህርታዊን ስእላዊ-ሰሌዳ (ፖስተር) ኣብ ቦታ ትምህርቲ ምልጣፍ። ፖስተር ፊደል፡ ንኵሉ ስድራ ሓባራዊ ኣብ ዝኾነ ቦታ፡ ብቀዋሚ ምጥቃዕ፣ ዕለታዊ ኣዘኻኻሪ ኪኸውን ይሕግዝ።

–        ምምሃር፡ ሕሉፍ ዝተዓመመ ትምህርቲ ብምኽላስ ናብ ንዕለቱ ዝተመደበ ምስግጋር።

መተሓሳሰቢ፤ ብስሩዕ መደብ ምምሃር ትግራኛ ይተሓዝ እምበር ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ትግርኛ ካብ ምዝራብ ዘይምቝጣብ፣ ብፍላይ ዕለታዊ ዜጋጥም ኵነታት። እዚ ንተምሃሮ ኣእዛኖምን ልሳኖም ንኪገርሑ ኣብ ርእሲ ምሕጋዙ ማህደረ-ቃላት ኬኻዕብትሉ ይኽእሉ።

ኣብ ዝቕጽል፡ ካብ ገዛን ወላዲን ወጻኢ፡ ብማሕበረኮም ኮነ ብግሊ ተወዲቡ ንዝካየድ ውዱብ ኣመሃህራ ኪደህሰስ እዩ።

–ኣርኣያ ካሳ

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s